መሓመድ ኣል ፋይድ፡ ስንብታ ናይቲ ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ነጋዳይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

መሓመድ ኣል ፋይድ

ምንጪ ስእሊ, PA

Published

መሓመድ ኣል-ፋየድ፡ ካብ መፋርቕ 60’ታት ጀሚሩ ኣብ ለንደን ዝነብር ዝነበረ ኣዝዩ ዕዉት ግብጻዊ በዓል ዋኒን ክነሱ መንነት እንግሊዝ ከይረኸበ ብ30 ነሓሰ 2023 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ።

ቀንዲ ዋኒን ኣል-ፋያድ ፓሪስ ሪትስ ሆቴል (በዓል 5-ኮኾብ ሆቴል)፡ ሃሮድስ - ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዉጹእ ናይ ምሾት መኽዘን - ከምኡ’ውን ዋና ናይ ፕረምየርሺፕ ጋንታ-ፉልም ኢዩ ነይሩ።

ኣብ 94 ዓመት ዕድሚኡ ዝተሰናበተ መሓመድ ኣል ፋይድ ካብ ጐደናታት እስክንድርያ ተበጊሱ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ዓበይትን ዕሙራትን ድኳናት ኪውንን ዝኸኣለ ግብጻዊ ጐብለል ነይሩ።

ኣል ፋየድ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ህይወቱ ዝተጓናጸፎ ዓወትን ዓቢ ጸጋን ዓቢ ይዅን፡ ሕልኽልኽ ዝበለ ባህርይ ስለ ዝነበሮ ብኣካይድኡ ንመሰረታት እንግሊዝ ነቕ-ነቕ ዘበለ ሰብ ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣብ ዘይእሩም ባህርያቱ ዝተመስረቱ ዉንጀላታት - ንሰለስተ ዓቃባውያን ፖለቲከኛታት ከውድቖም ክኢሉ’ዩ።

ኣል-ፋየድ ሞት ዳያና - ልዕልቲ ዌልስ - ቅትለት’ዩ ክብል ተማጒቱ’ዩ፣ ይዅን’ምበር፡ ነቲ ጕዳይ ዝመርመሩ ፈረንሳውያንን ብሪጣንያውያንን ንመጐትኡ ብምንጻግ ነቲ ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ዜጽደቖ ዉሳኔ - ማለት ቅትለት ኣይኰነን ዚብል ዉሳኔ - ተቐቢሎሞ እዮም።

ኣል-ፋየድ ኣብ እስክንድርያ ግብጺ ኢዩ ተወሊዱ፣ ዝተወልደሉ መዓልቲ ግን ብግምት እንተዘይኰይኑ ኣርጊጹ ዝፈልጥ ሰብ የለን - ብደፈናኡ፡ ጥሪ 1933 ከም ዝተወልደ ይንገር። ይዅን’ምበር ብክፍሊ ንግዲ ዝተኻየደ ኵርኰራ 27 ጥሪ 1929 ከም ዝተወልደ መዝጊቡ ይርከብ።

ንሱ ካብ ጽርግያ ጠራሙዝ ናይ ልስሉስ መስተ ብምእራይ’ዩ ሞያ ንግዲ ጀሚሩ፣ ኣብ መፋርቕ 1950ታት ምስ ስዑዳዊ ሚልዮነር ሸያጢ ኣጽዋር ዝነበረ ኣድናን ካሾጊ ምስ ተራኸቡ ዕድሉ ጸበቐ። ተመርዓዋ ኸኣ።

ካሾጊ ንዘማኡ ኣብ ስራሕ ብምቝጻር ኣብ ለንደንን ወሽመጥን ምስ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት ኣፋለጦ።

ኣይጸንሐን፡ ኣብ 1960’ታት መሓመድ ፋየድ ሃብተመ። እዚ ኸኣ ምስ ሃብታማት ኣዕራብ ሼኻት ይዅኑ ምስ ከም በዓል እቲ ዕሉል ውልቀ-መላኺ ሃይቲ ዝነበረ ፓፓ ዶክ ዱቫሊየር እናተራኸበ ዋኒኑ ከካይድ ጀመረ።

ኣብ ግብጺ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ መራኽብ ብምምስራት፡ ንናይ ሱልጣን ብሩናይ ኣማኻሪ ቝጠባ ኰይኑ ድማ ክሰርሕ ጀመረ።

ብ1974 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ጨሪሱ ምስ ገዓዘ ንስሙ "ኣል " እትብል መለቀብታ ቃል ወሲኹ ዋኒኑ ከካይድ ጀመረ። ሽዑ ዝፈልጥዎ ሰባት ናይ “ሓሶት ፈርዖን” ኢሎም ብድሕሪኡ ይሓምዩዎ ነበሩ ይበሃል።

ብ1979 ምስ ዓሊ ዝበሃል ሓዉ ዀይኑ ኣብ ፓሪስ ዚርከብ ሆቴል ሪትስ ዓደገ ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ንጕጅለ ሎንሮ ብምስዓር ኣብ ለንደን ነቲ ዝዓበየ ድኳን ሃሮድስ ክውንን በቕዐ።

ፓስፖርት እንግሊዝ ንከይወስድ ዝተኸልከለ ጐብለል

መሓመድ ኣል ፋይድ

ምንጪ ስእሊ, PA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣል ፋየድ ንድኳን ሃሮድስ ምስ ዓደገ ምስቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ታይኒ ሮላንድ - ኣቦ መንበር ሎንሮ ዝነበረ - ባእሲ ኣለዓዓለ። እቲ ብ1990 ክፍሊ ንግድን ኢንዱስትርን ብዛዕባ እቲ ባእሲ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣል-ፋይድን ሓዉን ብዛዕባ ኣተዓባብያኦምን ሃብቶምን ከም ዝሓሰዉ ደምደመ።

እቲ ምስ ሮላንድ እተላዕለ ባእሲ ብ1993 ብዕርቂ ኣብቅዐ፣ እንተዀነ ግን እቲ ጕዳይ ንኣል ፋይድ ዜግነት ብሪጣንያ ንኸይውሃቦ ከይዓንቀጾ ኣይተረፈን። እቲ ዉሳኔ ኸኣ ከም ውርደት ክብረቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

"ስለምንታይ እዮም ፓስፖርት ዘይህቡኒ?" ኢሉ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ንሂሩ ይዛረብ ነበረ። “ኣነ ዋና ሃሮድስ እየ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ቈጺረ ዜስርሕ ሰብ እኮ’የ” ይብል ነበረ።

ኣል ፋይድ እቲ ፓስፖርት ንኽቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ብዘይምስላጡ ስለ ዝጐሃየ ምስ ጋዜጠኛታት በቲ ጕዳይ ተዛረበ። ንኽልተ ሚኒስተራት (ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ) - ኒል ሃሚልተንን ቲም ስሚዝን ዚበሃሉ - ብጕዳይ መንጸግቱ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ (ፓርላማ) ንከልዕልዎ ገንዘብ ከም ዝኸፈሎም ተዛረበ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ካብ መንግስቲ ክወጹ ተገደዱ። ሃሚልተን ነቲ ክሲ ኣበርቲዑ ብምኽሓድ ተኻትዐ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣል-ፋየድ ሰዓረ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ካቢኔ ሚኒስተር ዝነበረ ጆናታን ኣይትከን ካብ ስርሑ ተሰናበተ፣ ምኽንያቱ ኸኣ እቲ ሚኒስተር ኣብቲ ኣል ፋይድ ዝውንኖ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ሪትስ ሆቴል ብናጻ ይድቅስ ስለ ዝነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ኣብቲ እዋን’ቲ ጕጅለ ሸየጥቲ ኣጽዋር ሳውዲ ኣብቲ ሆቴል ይድቅሱ ከም ዝነበሩ ኣልፋይድ ኣቓልዐ።

ጆናታን ኣይትከን ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዝሓሰወ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣተወ። ኣል ፋይድ ኣብ ልዕሊ ዓቃባዊ ሰልፊ ሕነ ብምፍዳዩ ነባሪ ጕድኣት ከስዕብ ከኣለ።

ምስ እንዳ ንጉስ ዝተፈጥረ ሕልኽልኽ

መሓመድ ኣል ፋይድ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ሓደ ኻብቲ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ንክለብ ኵዕሶ እግሪ ፉልሃም ክዕድግ ምኽኣሉ’ዩ። ኣብ ስኮትላንድ ዚርከብ 50,000-ኤክር ዝስፍሓቱ መሬት ኣማዕቢሉ ናይ በጻሕቲ-ቱሪስት ቦታ ገይሩዎ’ዩ።

ኣል ፋይድ ንኸም ናይ ዊንድሶር ምርኢት ፈረስ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ብምድጋፍ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ንጉሳዊ ስድራቤት ይራኸብ ነይሩ’ዩ።

ዶዲ፡ ወዱ ንኣል-ፋየድ፡ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዳያና - ልዕልቲ ዌልስ - ከም ዝዀነ ምስ ተፈልጠ ኣብ ስርዓት-ብሪጣንያ ጸግዒ ንክረክብ ዝቐረበ ይመስል ነበረ፣ ወይከኣ በቲ ስርዓት ተቐባልነት ንክረክብ ኣብ ኣፍደገ ከም ዝበጽሐ ኰይኑ ይስምዖ ነበረ።

ብ1997 ግን ኵነታት ብሃንደበት ተለወጠ። ወዱን ልዕልቲ ዳያናን ኣብ ፓሪስ ብሓደጋ መኪና ሞቱ። ኣብቲ እዋን ክልቲኦም መወትቲ ብሰራሕተኛታት ኣል ፋይድ ይሕለዉ ነበሩ፣ እቲ ዘዋሪ መኪና’ውን ናይ ኣል-ፋየድ ሰራሕተኛ ኢዩ ነይሩ።

እቲ መራሕ-ማኪና ብዙሕ ሰትዩ ኸም ዝነበረ ዚሕብር መርትዖ ምስ ቀረበ ንኣል-ፋየድ ኣሕነኾ። እቲ ኣበሳ ኸኣ ንካልእ ኣሸከሞ።

"ቀንዲ ጠንቂ ፓፓራዚ (ሰኣልቲ ጋዜጠኛታት) ኢዮም በለ። ንወደይ ወይ ንዳያና ኺጐድእዎም ዚደልዩ ሰባት እንተ ድኣ ሃልዮም ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዩ ነይርዎም" በለ።

መርመራ ናይቲ ሓደጋ እናተኻየደ እንከሎ፡ ኣል ፋየድ ንኣደ ዳያና - ፍራንሲስ ሻንድ ኪድ - ብዘለፋ ገጠማ። “ ብዛዕብኣ ቅጭጭ ኣይብለንን፣ እዚኣ ሓንቲ በጥራን ሰብ’ያ” ክብል ዘለፋ።

ምስ ብሪጣንያ ዝነበሮ ቅርሕንቲ

መሓመድ ኣል ፋይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓመታት ድሕሪ እቲ ሓደጋ፡ ኣል ፋየድ፡ ንሞት ዶዲን ዳያናን ተሓታቲ እቲ ስርዓት ምዃኑ ብቐጻሊ ይዛረብ ነበረ።

ብለካቲት 2008 ኣብቲ ንሞት ወዱን ዳያናን ዝምርምር ኮሚሽን ቀሪቡ እቲ ሓደጋ ብትእዛዝ መስፍን ፊሊፕ ከምዝተፈጸመን ተመሻጣርነት MI6 (ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ) ነይሩዎ ክብል ቃሉ ሃበ።

እቲ እተዛረቦ ዘረባ ብሰፊሑ ተዀነነ፣ እቲ መርማሪ-ሬሳ ነቲ ጕዳይ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጾ ኸሎ ድማ "እቲ መሓመድ ኣል-ፋይድ ዜቕረቦ ዉዲት ብደቂቑ ከም ዝተራእየን መትሓዚ ከም ዘይብሉን ተረጋጊጹ ኢዩ ኢሉ መስከረ።

ብ2010 ኣል ፋየድ ንመኽዘን ሃሮድስ ንሓደ ኩባንያ-እጀታ ቀጠር ብ1.5 ቢልዮን ፓውንድ ሸጦ። ዳርጋ ፍርቂ እቲ ዋጋ መሸጣ ንዕዳ እቲ ኩባንያ ንከደቓቕስ ተጠቕመሉ።

ኣል ፋይድ ኣብቲ ምስ ናይ ለንደን-ኢቭኒንግ-ስታንዳርድ ዝገበሮ ቓለ-መጠይቕ ንሃሮድስ ንምንታይ ከም ዝሸጦ ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ናይ እስትሕጋግ ሰብ-መዚ ይብጸሓኒ ንዝበሎ መኽሰቡ ንክወስድ ጸገማት ይፈጥሩሉ ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ይገልጽ።

“ዝብጽሓኒ መኽሰበይ ንክወስድ ንዕኦም ፍቓድ ክሓትት … ናይ ምንት-ምንታይ ካብ’ዞም በሃማት ኣነ ፍቓድ ዝወስድ?” ኢሉ ብዘለፋ ገለጸ።

ኣል ፋይድ በቲ ወዱ ብምማቱ ዝሓደሮ ቅሬታን መረረን ብ2011 ብናቱ ወጻኢታት “ዘይሕጋዊ ቕትለት “ዘርእስታ ፊልም ኣቕረበ። እታ ፊልም ኣብ በዓል ፊልም-ካነስ እኳ እንተ ተራእየት ዘይተጻረየ ሕጋዊ ጕዳያት ስለ ዜጋጠመ ኣብ ኩሉ ክትዝርጋሕ ኣይከኣለትን።

ኣል ፋይድ ነቲ ኣዝዩ ዚብህጎ ዝነበረ ዜግነት እንግሊዝ ብዘይምርካቡ ዓቢ ቂምታ ነበሮ።

ብዙሓት ሰባት እቲ ብዛዕባ ሞት ዶዲን ዳያናን እተላዕለ ፖለቲካዊ ዕልወትን ክስን ሕንፍሽፍሽን ኣብ ልዕሊ እቲ ደጋጊሙ ንኣል ፋየድ ዝነጸገ ስርዓት እንግሊዝ ሕኒኡ ከም ዝፈደየ ገይሮም ዝርእይዎ ኣለዉ።