ዝኽሪ ልደት ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ቀደም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ዕለት፡ ብመሰረቱ ልደተ ክርስቶስ (በዓለ እግዚኣብሄር) ንምጽንባል እዩ ዝበዓል። ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ብ25 ታሕሳስ ክጽምብሎ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብአን ውሑዳት ሃገራት ድማ ብ7 ጥሪ የብዕላኦ። ብግእዝ ድማ ኣብ ሰለስተ ዘመናት ብ29 ታሕሳስ፣ ኣብ ዘመነ ዮሃንስ ድማ ብ28 ታሕሳስ ይውዕል።
እዚ ምፍልላይ ካበይ መጺኡን ዝወሃቦ ሃይማኖታዊ ምኽንያታትን ንጐድኒ ሓዲግና፡ ኣብ ልምድታት ኣበዓዕላኡ ብሕልፊ'ኳ ደኣ ቈልዑ ወይ ኰተቴታት ቀደም ዝገብሩዎ ዝነበሩ ብንኡስ መጠን ክንዝክር ኢና።
ኣብ ቅድመ ናጽነት ኤርትራ፡ ወግዓዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ድሜጥሮሳዊ (ብልምዲ ግእዝ) ብምንባሩ፡ ህዝቢ ብመሰረት እዚ ዓውደ-ኣዋርሕ'ዩ ወርሓቱን ዓመቱን ዝቘጽር ዝነበረ።
ድሕሪ ናጽነት ግን ወግዓዊ ኣቈጻጽራ ብግሪጎራዊ ካላንደር ተቐየረ'ሞ፡ እቲ ኣብ 25 ታሕሳስ እትበዓል ልደት'ውን ኣብ መስርዕ ህዝባውያን በዓላት ተጸምበረት።
እዛ በዓል'ዚኣ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ኤርትራ ናብ ማእከል ከተማ ወጺኦም ምስ ዓርከ-መሓዛኦም ከብዕሉዋ ብመጠኑ እናተዘውተረ ክመጽእ ጸኒሑ። እቲ ሕብረተሰብ ግን ን7 ጥሪ እዩ ዘብዕል። ምእመናን፡ ነቲ ጾመ-ነብያት ወይ ጾመ-ታሕሳስ/ማርያም ንኣርብዓ መዓልታት ብምጻም እዮም፡ ኣብ ልደት ጾመ-ልጓም ዝፈትሑ።
ኣብዚ እዋናት'ዚ፡ እቲ ብምሊሕ-ምሊሕ ብዝብል መብራህትታት ዝወቀበ ተኽሊ ልደት፡ ንኽልተኡ በዓላት ከራኽብ ተሰሊሙ ይውርሕ። እዚ ምልክት ዓቢይ በዓል ልደት ዘንጸባርቕ ሰብ-ሰርሖ ተኽሊ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ቈይሙ ተሰላሊሙ ይርአ። ድሒሩ'ውን፡ ኣብ መንግስታውያን ኣብያተ-ጽሕፈታት ኰነ ኣብ ገሊኡ ምኒስትሪታት ዓቐኑ ዝፈላለ ተኽሊ ልደት ክዝውተር ጀሚሩ እዩ።
ኣበዓዕላ መንእሰያት ኣብ ገጠራት
እዚ ወቕቲ፡ ካብ ቀውዒ ናብ ሓጋይ ዘሰጋግር ስለ ዝዀነ፡ "ብዕራይ ወዲ ላሕሚ/ ናትካ ቅጫ ናይ ኣደኻ ጠስሚ/ ሓዋዊስካ ኣብዚ እንሀካ ጣዕሚ፤ ሆሆ ሆሆ፡" እናበሉ ኣብ ዓውዲ ከኽይዱ ቀንዮም፡ ምህርቲ ናብ ቈፎኡ ዝኣትወሉን ሓረስታይ ተዛማዲ ዕረፍቲ ዝረኽበሉን እዩ።
በዓለ እግዚኣብሄር (ልደት) መፋነዊ ወርሒ ታሕሳስ ግእዝ እያ። ዝበዝሕ ግዜ ናብ መርዓ ዘይበጽሑ መንእሰያት (ቈልዑ'ውን ዝጽንበሩዎ) ሕዮ ዝበሃል ወግዒ እዮም ዝጻወቱ።
ብኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ ዝተዳለወ፡ 'መዝገበ ቃላት ቋንቋ ሓበሻን ጥልያንን ቅጺ-1" ሕዮ ንዝብል ቃል፡ "ኣተዝከረ፡ ውራይ ዝኽሪ ምውታን ገበረ፡" ብምባል ይገልጹዎ።
እዚ ሕዮ ዝበሃል ወግዒ ድማ መሰረቱ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነቐለ እዩ። ሃለቃ ጽጌ ገብረ ኪዳን (ወዲ ተንቤን ዓቢ ዓዲ) ኣብታ ብ1986 ዓ.ም.ግ ዘሕተሙዋ 'ዕዳጋ' እትብል መጽሓፎም ብኸምዚ ይገልጹዎ፡ "ናይዙ ባህል ዙይ ምኽንያት'ውን፡ ሄሮዱስ ዝስሙ ንጉስ ኢዮሩሳሌም ኣብ ቤተ-ልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጎባን መንግስቱ ዚኸውን መሲሉዎ ነበረሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ሕጻናት ወዝቢ ይርከብ ይኸውን ኢሉ ብምእማን፡ ሕጻናት ቤተ-ልሔም፡ ኣብ ኵሉ ጎደቦታት ድማ ዝነበሩ ተባዕትዮ ቈልዑ ክልተ ዓመትን ካብኡ'ውን ዝነኣሱን፡ ብተካልነቱ ክንዲ ዘሕረደ፡ ንዞም ብዓብዪ ግፍዒ ዝተቐትሉ ሕጻናት ዘለዓለማዊ ተዝካር ምእንቲ ኪኸውን ዝተገብረ ንቡር'ዩ፡" ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Shabait
እቲ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ሕዮ ወይ ይሃብኩም ኢሉ ዝካየድ ወግዒ እምበኣር፡ ንዝኽሪ እቶም ብንጉስ ሄሮዶስ ዝተቐትሉ ህጻናት መዘከርታ እዩ።
እዚ ወግዒ'ዚ፡ ከከም ከባቢኡ ብዝተፈላለየ ስያመታት ክጽራሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ትግራይ ከም ኣብ ዓጋመ ዝኣመሰለ ትሃብኪ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ኣጽቢ ድማ ዕሮርዋይ በትሮም ሒዞም ሁራ ሰለስተ ዝተባህለ መሳጢ ጸወታ ይጻወቱ።
እዞም ቈልዑን መንእሰያትን ቅድሚ ናብቲ ወግዒ ተዝካር ምእታዎም፡ ቅላጥን ዘይቅላጥን ወይ ዕሮርዋይ በትሪ የዳልዉ። እዚ ዘዳልውዎ ዕሮርዋይ በትሪ'ውን ምስቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ (ኦሪት ዘፍጥረት፡ 29-43) ዘሎ ዛንታ ያዕቆብን ላባን ዝተሓሓዝ እዩ። ከምቲ ያዕቆብ ዕሮርዋይ ኣባትር ሰሪሑ ንመጓሰኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝሰትያሉ ጋብላታት ምስ ገበረን እናተለለዋ ዝሰሰናሉ፡ ጥሪቶም ምእንቲ ክበዝሓሎም ዝገብሩዎ እዩ።
ኣውደ-ኣመት ብሽሻይ ምስ ሓለፈ፡ እቶም መንእሰያት ዕሮርዋይ ኣባትሮም ዓቲሮም ቤት ከፈተ እናኸዱ፡ እንጌራን ሕንባሻን ይእክቡ።
በረኸት ኣማረ ኣብታ፡ "ካብ ጥሪ ናብ ጥሪ" ዘርእስታ መጽሓፉ ኣብ ዘስፈሮ፡ "እቶም መንእሰያት፡ በቲ ዕረሮ ገይሮም ነቲ ልዳት ናይቲ ማዕጾ እናሃረሙ፡ 'ይሃብኩም ሕንባሻዶ'ለኩም' እናበሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዛ ዀይኖም ምስ ጨፈሩ፡ እታ ሰበይቲ ሓንቲ ምልእቲ ጣይታ ትህቦም፡" ይብል።
ብምቕጻል፡ እቶም መንእሰያት ነቲ ኵሉ ዝኣከቡዎ ሕንባሻን ጣይታን ኣብ ሓደ ገዛ ብምእካብ፡ ካብ ገገዝኦም በርበረ፡ ሽሮ፡ ጨው፡ ዘይቲ ወዘተ ኣምጺኦም፡ ኣብታ እንጌራ ዘቐመጡላ ገዛ ተኣኪቦም ባዕሎም መግቦም እናሰርሑ፡ ሓበራዊ ናብራ ክላመዱ ከም ዝጅምሩ ይገልጽ። ቀጺሎም ድማ ምሕሸ እናበሉ ይጻወቱ። እቲ ዝኣከቡዎ እንጌራ ክሳዕ ዝውዳእ ድማ ንሰሙን ዝኣክል ከም ዝጻወቱ ይሕብር።
ዝኽሪ ቀደም ኣብ ከተማታት
ክሳዕ 1980ታት ሰብ-ሰርሖ ተኽሊ ልደት ልሙድ ኣይነበረን። ቈልዑ ኰነ ኰተቴታት እዮም ዘዳልውዎ። ገለ ዕድል ዝገበሩ ኣብ እንዳ መቕርቦም ገረብ ጽሕዲ እንተ ጸኒሑ ብቐሊሉ ክረኽቡ ይኽእሉ። ዝበዝሕ ግን ደቂ ገዛውቲ ተኣኪቦም ጽሕዲ ናብ ዝርከበሉ እዮም ዝወፍሩ።
በቲ ቅንያት ዝቝረጽ ጨናፍር ጽሕዲ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ነዚ ተኽሊ ዘለዎም ዳርጋ ኣብ ሓለዋ እዮም ዝቕንዩ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ቈልዑ ናብቲ ብሓለዋ ሕዛእቲ (ፍሩስታለ) ዝሕሎ ቦታታት እዮም ዝጓዓዙ።
ቈልዑ ብኸመይ ናብቲ መካነ-ኣታኽልቲ ኣትዮም ስርሒት የካይዱ ውጥን ክሕንጽጹ እዮም ዝቕንዩ። ገለ ካብቶም ቈልዑ ኣንጻር ኣቶም ሓለዋ ንባዕሎም ሓለዋ ይወጽኡ። እቶም ክእለት ምሕኳር ገረብ ዘለዎም ድማ ብቝልጡፍ ተጊሮም፡ ጨናፍር እናመልዓሱ ይስንድዉ። እቶም ሓለውቲ እንድሕር ርእየሞም ድማ ምውዳቕን እንተ ሒዞምዎም ድማ ምቕጥቃጥን ኣሎ።
ጽሕዲ ልደት ገዛ ምስ በጽሐት
ቈልዑ፡ ነታ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉዋ ዝመጽአት ጽሕዲ፡ ጽሕዲ-ልደት ንምግባራ ዝተፈላለየ ፈጠራታት ተጠቒሞም ንምስላማ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ቴኖ (USAD ዝተጻሕፎ'ዩ ዝውቱር ዝነበረ)፡ ብዀረትን ሑጻን መሊኦም ነታ ጨንፈር ጽሕዲ ከም እትቐውም ይገብሩዋ። ካብ ማእከል ጥራውዝቶም ወረቐት መሺቶም ድማ ነቲ ቴኖ ይሽፍኑዎ።
ቀጺሉ፡ ብቕርጺ ዝተፈላለዩ እንስሳታት፡ (በጊዕ፡ ማንቲለ፡ ሓርማዝ ወዘተ) ዝተሰርሐ ባሽኮቲ ፋብሪካ ኣለም ምሓረና ብመርፍእ እናኣንኰሉ ብፈትሊ ኣብቲ ጨናፍር የንጠንጥሉዎ። ዘቢብ ኰነ ደስታ ከረሜላታት ድማ ብተመሳሳሊ ተኣሲሮም ይንጥንጠሉ፣ ጡጥ እናፈተጉ'ውን የመላኽዑዎ።
እቶም ጽሕዲ ከምጽኡ ብሓባር ዝወፈሩ ጐረባብቲ ወይ ደቂ-ገዛውቲ ኣብታ ምስላም ከከም ትሕዝቶ ቤቶም ይፈላለዩ። ገሊኡ ብባሽኮቲታትን ከረሜላታትን ሽፍን ክብል እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ስሕው ኢሉ ይርአ።
ካልእ ስርሒት
እቲ ኣብቲ ጽሕዲ ዝተንጠልጠለ ባሽኮትታትን ከረሜላታት ጥምቀት ከይበጽሐ ኣይብላዕን እዩ። ወለዲ ድማ ብዝተኻእሎም ይቈጻጸሩዎ እዮም።
ቈልዑ ዕለታዊ ተንጠንጢሉ እናረኣዩዎ ንኽልተ ሰሙን ስቕ ክብሉ ፈተነኡ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ስለዝዀነ፡ ተፈቒደን ምእንቲ ከይጐድላ፡ ነታ ማንቲለ ንኣብነት ርእሳ ወይ እግራ ጕልዕም የብሉዋ። ካልእ መዓልቲ ነቲ ሓርማዝ ንጎቶ ይጎምዱዎ። ዋላ ንቀጻዕ ዝበሉ ድማ መወዳእታኡ ኵላ እታ ባሽኮቲ ይዅልሱዋ። ነቲ ካራሜላ ድማ ውሽጡ ኣውጺኦም ከቢብ እምኒ የእትውሉ፣ ጥምቀት ብዝበጽሐ ግና መን'ዩ ከምኡ ገይሩ ኢልካ መርመራ ኣሎ።
ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ በዓል ልደት፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ንምውላድ ክርስቶስ ዝምልከቱ ድራማታት ብቘልዑ ክስርሑ ምርኣይ ልሙድ እዩ ዝነበረ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
