ቓዛ፡ 'ሰበይተይ ኣብ ሓሙሽተ ደቒቕ ሞይታ፤ ህይወተይ'ያ ነይራ'

ምንጪ ስእሊ, RTE
ኻልድ፡ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ኣባላት ስድርኡን ኣብ ቓዛ ድሕሪ ምቕታሎም ናብ ኣየርላንድ ተመሊሱ።
ወዲ 30 ዓመት ኻልድ ኤል-ኢስታል፡ ስድርኡ ኣብ ፍልስጤም ክነብሩ እንከለዉ፡ ንሱ ግን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ንድሓር ቓዛ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ትርዕድ እያ ዘላ።
ኤል-ኤስታል "ኵሉ ከም ዝሰኣነ" እኳ እንተገለጸ፡ ክልተ ንኣሽቱ ደቁ ኣብ ደብሊን ክጽንበርዎ ግን ተስፋ ኣለዎ።
ንሱ ብዓርቢ ንኣየርላንዳዊ ፈነወ RTÉ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ከውጽኦም እየ ዝደሊ፤ ደቀይ ኣየርላንዳውያን እዮም" ኢሉ።
ሓደን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኦም ደቁ ኣብ ቓዛ ኣብ እንዳ'ባሓጎታቶም ከም ዘለው ሓቢሩ።
ካብ ሰበስልጣን ኣየርላንድ ሓገዝ ዘይግበረሎም እንተዀይኑ ግን ንህይወቶም ከም ዝሰግእ ወሲኹ ገሊጹ።
'ህይወተይ እያ ነይራ'
ኤል-ኤስታል ኣብ ቤልፋስት ተወሊዱ፡ ኣብ ከባቢ ቦታኒክ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ክመሃር እንከሎ፡ ኣቡኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ከም መምህር ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኰነ፡ እታ ስድራቤት ናብ ቓዛ ስለ ዝግዓዘት ኻልድ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣሽዋክ ጀንዲያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተራኺቦም።
ንሱ ሰበይተይ "ህይወተይ እያ ነይራ" ይብል።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዓመጽ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኤል-ኤስታል፡ በዓልቲ ቤቱ ናብ ደቡብ ክትግዕዝን ምስ ኣዝማዱ ክትጸንሕን ከም ዝተማሕጸነን፡ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ሰበስልጣን ኣየርላንድ ከም ዝተራኸበን ገሊጹ።
"ልክዕ ኣብታ ኣብ ገዛ ስድራቤተይ ዝበጽሐትላ መዓልቲ፡ ነቲ ቦታ ብቦምባታት ኣጥቂዖሞ"።
ኣዲኡን ሓዉን "ብቕጽበት" በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝቐተለ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ድማ ኣኵኡን ክልተ ደቂ ኣኵኡን [ክልቲአን ሓካይም ነይረን] እውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉን ክልቲኦም ደቁ ድማ ብፍርስራስ ከም ዝተቐብሩን ገሊጹ።
ኣሽዋክ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ መጉዳእቲ ሞይታ።
60 ሚኢታዊት ኣካላታ ተቓጺሉ ነይሩ ክብል የረድእ።
እቲ ክስተት “ይቐትለኒ ኣሎ-- ኵሉ ስኢነ። ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን፤ ግን ካብ ብዙሓት ሰባት ቓዛ ኣነ ይሓይሽ" ኢሉ።
ሕጂ፡ ንደቁ ኣዲኦም ከም ዝሞተት ክነግሮም ከም ዝኸብዶ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, RTE
ሓማስ፡ እቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ዝቐተለን ልዕሊ 200 ሰባት ዝተጨወዩሉን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕቲ ምፍጻሙ ኣብ ቓዛ ደብዳብ ነፈርቲ ክፍጸም ቀንዩ ኣሎ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ልዕሊ 8 ሽሕ ወጻእተኛታትን ክልተ ዜግነት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ቓዛ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልተ ዜግነት ዘለዎም ኣሽሓት ጽግዕተኛታት ህጻናት የጠቓልል።
ይኹን እምበር፡ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ምውጻእ ንምዝዛም ገለ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።
"ግዜ እንታይ ማለት’ዩ? በዓልቲ ቤተይ እኰ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ እያ ሞይታ" ክብል ኤል-ኤስታል ንRTÉ ተዛሪቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
