ኣቦይ ስብሓት ነጋ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ንቤት ፍርዲ ዘመላለሶ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ፖሊስ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ዘንበሮ እገዳ ኣገባብ ከምዘይኰነ “ልደታ ምድብ ማእከላይ ቤት ፍርዲ” ብ 7 ታሕሳስ 2022 ወሲኑ።
ሓደ ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ህወሓት ነበር ኣቦይ ስብሓት፡ ጸገም ጥዕና ስለዘጋጠሞ፡ ቦርድ ጥዕና፡ ናብ ናይሮቢ-ኬንያ ከይዱ ንክሕከም'ኳ እንተወሰነ፡ ኢሚግሬሽን ግን ካብ ፖሊስ ፈደራል ፖሊስ ብዝተወሃቦ ትእዛዝ ካብ ሃገር ከይወጽእ ከምዝኸልከሎ ሓደ ካብቶም ጉዳዩ ዝከታተሉ ጠበቓታት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክሲ ከምዝመስረቱን ካብ መፋርቕ ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ክርክር ከምዘለውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት/ኢህወደግ፡ ተሰማዕን ዓቢይ ጽልዋ ዝነበሮን ኣቦይ ስብሓት፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ተታሒዙ ኣብ ቍጽጽር ኣትዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ግን ፈደራላዊ መንግስቲ ንዕኡን ሒደት ምስኡ ዝተታሕዙን መራሕቲ ነበር “ምእንቲ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ፡ ንገለ እሱራት ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ፈቲሐ" ብምባል ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑዎም።
ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ እቲ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ቤት ፍርዲ ዘመላለሶ ነገር ብዝምልከት ምስ ሓደ ካብ ጠበቓታቶም ኣቶ ታደለ ገብረመድህን ዝገበሮ ዝርርብ እነሆ።
ቢቢሲ፡ ኣመራርሓ ህወሓት ነበር ኣቦይ ስብሓት ነጋ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍትሖም፡ ዳግማይ ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለሱ ከምዘለዉ ሓበሬታ ይወጽእ ኣሎ። እዚ ሓቂ ድዩ? እንታይ’ዩ ተፈጢሩ?
ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን፡ እወ ሓቂ እዩ። ብ15 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣድላዪ ዝዀነ ሰነዳት ኣማሊኦም ንሕክምና ናብ ኬንያ ናይሮቢ ክወጹ ሓሲቦም ነይሮም። ናይቲ ጕዕዞ ዋና መሰረት ንሕክምና እዩ። ብሕክምና ቦርድ ኣብ ዓዲ ክሕከሙ ኣይክእሉን ተባሂሉ ዝተወሃቦም እዩ፤ ቈጸራ ሒዞም ነይሮም ኣብ ናይሮቢ ሕክምና ንምግባር።
እንተዀነ ብ14 ሓምለ ‘ፌደራል ፖሊስ ንኸይወጹ ኣዚዙኒ’ዩ’ ብዝብል ኢሚግሬሽን ከልኪልዎም። ስለዝዀነ ነቲ ጉዳይ ሰላማዊ ብዝዀነ መልክዕ ንኽፍታሕ ንዝምልከቶም ኣካላት ክንረክብ ክንጽዕር ጸኒሕና።
ብድሕሪኡ ፍቓደኛታት ስለዘይኰኑ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ኢሚግሬሽን ክሲ መስሪትና ነይርና። እቲ ክሲ ተኸቲሉ ዓቃብ ሕጊ ወይ ድማ ሚኒስትሪ ፍትሒ ‘ኣነ ኣይኣገድኩን። ዝገበርክዎ ነገር የለን’ ዝብል እዩ እቲ ዝሃብዎ መልሲ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ መን እዩ ከልኪሉ ዘሎ?
ጠበቓ፡ ፈደራል ፖሊስ እዩ።
ቢቢሲ፡ ፖሊስ ኣቦይ ስብሓት ናብ ኬንያ ናይሮቢ ንኸይሕከሙ ዘቕረቦ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ጠበቓ፡ እዚ እዩ ዝበሎ ነገር የለን። እገለ፡ እገለ ዝብል ዝርዝር ኣሎ ደሓር ዝረኣናዮ፤ ካብ ኢሚግሬሽን ዝመጽኣሎም። ኣብኡ ተራ ቍጽሮም ተጠቒሱ ከይወጽኡ ዝብል ፖሊስ ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ።
ከምዝፍለጥ ፖሊስ ኣብ ዝዀነ እዋን ብዝዀነ ይዅን ንመገሻ ክግድብ ኣይክእልን። ጕዕዞ ምግዳብ ዝኽእል ቤት ፍርዲ ጥራይ እዩ። ዝዀነ ይዅን ኣካል መንግስትን ኣኽባሪ ሕጊን፡ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምኽባርን ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ናይ ገበን ፍትሒ ስርዓትን ብኣግባቡ ክሰርሕ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም።
ይዅን እምበር ነዚ ሓላፍነት ብዝጻረር መልክዑ፡ ፖሊስ ፈደራል ንኸይወጽኡ ከልኪሉ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ፍርቂ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኢና ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክሲ ዝመስረትና።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣለኹም ማለት ድዩ?
ጠበቓ፡ እወ፤ ኣብ ክርክር ጸኒሕና።
ቢቢሲ፡ ካብኡ ዝቐጸለ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጉዳይ ሕክምና ናይ ቤት ፍርዲ ቈጸራ ነይርኩም፣ ቤት ፍርዲ እንታይ ብይን ኣሕሊፉ?
ጠበቓ፡ ሎሚ መዓልቲ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ተዋሂቦ ዘሎ ውሳነ፡ ፌደራል ፖሊስ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ንኸይወጹ ምኽልካሉ ኣግባብነት የብሉን ዝብል እዩ። ትኽክል ኣይኰነን፤ ፌደራል ፖሊስ ክእግድ ኣይክእልን ዝብል ውሳነ እዩ ተወሲኑ።
ስለዚ ፖሊስ ኣብ ዘይስልጣኑ ብምእታዉ፡ ናይ ሰባት ናይ ምንቅስቓስ መሰል፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝተቐበለቶም ዓለምለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ ሰብኣዊ ከምዝጠሓሰ ዘርኢ ውሳነ እዩ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ በዚ ሎሚ መዓልቲ ተዋሂቡ ዘሎ ብይን መሰረት፡ ኣቦይ ስብሓት ናብ ወጻኢ ሃገር ወጺኦም ሕክምና ክረኽቡ ድዮም? ንሱ ድዩ ተመሓላሊፉ ዘሎ?
ጠበቓ፡ ሕክምና ወጺኦም ይርከቡ ተባሂሉ ኣይውሰንን። ኣብ ሕጊ’ውን ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣይህሉን። እንታይ እዩ ክግበር፡ እቲ ዝኸልከለ ኣካል ምኽልካሉ ብዓይኒ ሕጊ ኣግባብነት ኣለዎ ድዩ የብሉን ተባሂሉ እዩ ዝውሰን። ንሕና’ውን ዝሓተትናዮ ዳንነት እሱ እዩ።
ስለዚ ንሱ መሰረት ተገይሩ፡ ፖሊስ ፈደራል ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ከይወጹ ምግባሩ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝግድብ እዩ። እዚ ገደብ እዚ ድማ ፖሊስ ንሰብኣዊ መሰል፡ ንዘይጠሓሱ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝጠሓሰ ምዃኑ ዘረጋግጽ ውሳነ እዩ ተወሲኑ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ድሕሪ እዚ ብይን ፖሊስ ዝሃቦ ምላሽ ኣሎ’ዶ?
ጠበቓ፡ የለን። ምናልባት እንታይ እዩ ኰይኑ ብ2 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ክርክር፡ ፖሊስ ስለዘይቀረበ፡ ካብ ክርክር ወጻኢ ክኸውን ተገይሩ። ይግባይ ክብለሉ ዝኽእል ዕድል ክህሉ ይኽእል እንድዩ፡ እቲ መስርሕ የፍቅደሎም እዩ፤ ግን ኣብ ዘይተኸራኸረሉ ይግባይ ዝብል ኣይመስለንን። ስለዚ በቲ ስርዓት መሰረት፡ ናይ ኣፈጻጽማ ስርዓት ኣሎ፡ ናብኡ ኢና ክንሰግር።
ቢቢሲ፡ እዚ ጉዳይ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሳዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣሎ?
ጠበቓ፡ ኣብ ክረምቲ ዕጽው እዩ ነይሩ፤ ኣብ ተረኛ መጋባእያ እዩ ዝቐርብ ነይሩ። ኣብኡ ሰለስተ ሳዕ ቀሪቡ ኣሎ። ናብ መደበኛ ምስ ሓለፈ’ውን ሰለስተ ግዜ [ብድምሩ] ሽዱሽተ ግዜ ቀሪብና ኣለና።
ቢቢሲ፡ ኣቦይ ስብሓት ነጋ እቲ ዘጋጠሞም ናይ ጥዕና ጸገም እንታይ እዩ? ናብ ወጻኢ ከይዶም ክሕከሙ ብቦርድ ዝወሰነ ማእከል ጥዕና ኸ መን እዩ?
ጠበቓ፡ እቲ ናይ ሕማሞም ጉዳይ "ፕራይቬት" (ውልቃዊ ጉዳይ) እዩ፤ ብሚድያ ዝቃላሕ ኣይኰነን። ባዕሎም ክገልጽዎ ይዀኑ እዮም። እቲ ትካል ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎ፡ እቲ ጉዳዮም ዝከታተል ዝነበረ ናይ ጥዕና ትካል እዩ። እሱ’ውን፡ ፓብሊክ ዶክመንት (ህዝባዊ ሰነድ) እዩ፤ ግን ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣዲስ ህይወት እዩ እቲ ዝከታተልዎ ዝነበረ ሕክምና፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ሕክምና ቦርድ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኲናት ትግራይ ምስተወልዐ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ተታሒዞም ካብ ዝተኣሰሩ ናይ ህወሓትን ናይ ትግራይ ኣመራርሓን ሓደ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ማእሰርቶም ክሶም ተቛሪጹ ካብ ቤት ማእሰርቲ “ብምሕረት” ዝወጹሉ ኣጋጣሚ እዩ ተፈጢሩ’ሞ፡ ድሕሪኡ ምስቲ ዘሎ ጸገም ጥዕና ምስቲ ዘሎ ምጕታት ቤት ፍርዲ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከቡ?
ጠበቓ፡ ህጹጽ ሕክምና የድልዮም እዩ። እቲ ቦርድ ሕክምና ከምዘረጋገጾ፡ ኣቦይ ስብሓት’ውን ከምዘረጋገጽዎ ኣብ ወጻኢ ከይዶም እንተዘይተሓኪሞም ኣብ ሓደጋ እዮም ክዀኑ። ኣብዚ ዓዲ’ዚ ሕክምና የለን - ኣብ ኢትዮጵያ። ኣብ ክልተ ቦታታት ኣሎ።
እቲ ናይ መጀመርታ ምርመራ ዝግበረሉ ኣብ ናይሮቢ እዩ። እቲ ናይ ናይሮቢ ውጽኢት ተራእዩ ናበይ ከምዝልእኮም ኣይንፈልጥን። ስለዚ ኣብዚ ዓዲ ሕክምና ዝከታተልሉ ኵነታት የለን። ሕክምና’ውን ኣይከታተሉን ዘለዉ።
ቢቢሲ፡ ብቐረባ ዝከታተሎም ስድራ ኣለዎም’ዶ? ኣበይ እዮም ዝነብሩ?
ጠበቓ፡ ምስ ቤተሰቦም እዮም ዘለዉ። በዓልቲ ገዛኦም ኣለዋ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዘለዉ።
ቢቢሲ፡ እቲ ክሲ ምስተቛረጸ ልሙድ ዝዀነ ማሕበራዊ ህይወት ኣለዎም’ዶ ወይስ ኣብ ድሩት ዝዀነ ምንቅስቐስ እዮም ዝርከቡ?
ጠበቓ፡ ሪፈር ክሳብ ዝግበረሉ ሕክምና ይገብሩ ነይሮም። ምንቅስቓስ ግን ኣይክእሉን። ኣብ ማሕበራዊ ርክቦም ኣነ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገር የለን።
ቢቢሲ፡ እዚ ዘልዓልኩልካ፡ ኣብ ሓለዋ እዮም ዝርከቡ ሕጂ’ውን ዝብሉ ነገራት ስለዝለዓሉ፡ ንተኸታተልትና ንጹር ምስሊ ምእንቲ ክህልዎም እየ።
ጠበቓ፡ ኣብ ሓለዋ ኣይኰኑን ዘለዉ፤ ምስ ጥዕናኦም ብዝምልከት ግን ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣይኰነን ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ካብ ጠበቓታት ኣቦይ ስብሓት ነጋ፡ ጠበቓ ታደለ ገብረመድህን ንዝሃብካኒ ሓበሬታ የመስግነካ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
