ቓዛ፡ ባይደን ተወሳኺ ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከብል የጠንቅቕ፡ ስቓይ ነበርቲ ግን ይገድድ

Published

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ-ራፋሕ ሰፊሕ ምድራዊ ስርሒት እንተጀሚራ ገለ ቀረብ ኣጽዋር ከተቋርጽ ምዃና ኣጠንቂቝ ኣሎ። ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ ይጋደድ ኣሎ።

ባይደን ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንእስራኤል ዛጊት ዝሓየለ ዝተበሃለ መጠንቀቕታ ዘስመዐ ኰይኑ፡ እንተዀነ "እስራኤል ውሑስቲ ምዃና ምርግጋጽ ክቕጽል'የ" ኢሉ።

ዋላ’ኳ ተሪር ተቓውሞ እንተተሰምዐ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ሰፊሕ ወራር ካብ ምክያድ ንድሕሪት ትብል ኣይትመስልን።

እቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ክፋል ደቡባዊ ቓዛ፡ ኣብቲ ግዝኣት ናይ መወዳእታ ዓቢ ዕርዲ ሓማስ እዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ እታ ከተማ - ካብ ካልእ ከባቢታት ቓዛ ብዝመጹ ስደተኛታት ብዝሒ ህዝቢ ዝተጨናነቐ - ዝካየድ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ነበርቲ ሰፊሕ ክሳራ ከስዕብ ከምዝኽእል ይሰግኡ።

እቲ ፕረዚደንት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ዝሓየለ መጠንቀቕታ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ድሮ ናብ እስራኤል ዝግዕዝ ዝነበረ ኣሽሓት ቦምባታት ኣደናጒያቶ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ትማሊ ንሰኔት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ እቶም ዝተኣገዱ ተተኮስቲ፡ ካብቶም ኣብ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምዕራባውያን ኣዝዮም ኣዕነውቲ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ እስራኤል በቲ ስጕምቲ ከምዝተበሳጨወ እውን ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ካብ እትጅምር ኣማኢት ትካላት ማይን መጻረይን ቓዛ ከምዝዓነዉ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተገብረ ትንተና ሳተላይት ኣረጋጊጹ።

ሕጽረት ጽሩይ ማይን ዋሕዚ ዘይተጻረየ ረሳሕ ማይን ንጥዕና ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዕብ ትካላት ረድኤት ይገልጻ።

ጽሩይ ማይ ኣብ ቓዛ ወትሩ ውሱን ኰይኑ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ዝገደደ ጥዕናዊ ሳዕቤን የስዕብ ኣሎ ተባሂሉ።

ትንታነ ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ኣገደስቲ ትካላት ማይ ከምዝዓነዉ ኣረጋጊጹ።

ካብተን ሽዱሽተ መጻረዪ ርስሓት ማይ፡ እተን ኣርባዕተ ከምዝተሃስያ ወይ ከምዝዓነዋ እውን እቲ መርመራ መርመራ የመልክት።

እተን ካልኦት ክልተ ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ይዅን ካልእ ቀረብ ከምዝተዓጽዋ ሓደ ትካል ረድኤት ሓቢሩ።

ምዕናው ትካላት ማይን ጽሬትን "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዕናዊ ሳዕቤን ጥዕና" ከምዘስዓበ ፈጻሚት ዳይረክተር መዲስንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ ዓባይ ብሪጣንያ ዶክተር ናታሊ ሮበርትስ ገሊጻ።

"መጠን ሕማማት ተምላስ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ልዑል ደረጃ ሒዙ ኣሎ" ትብል።

ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ከምዚ ዓይነት ሕማም ንንኣሽቱ ህጻናትን ክቐትል ይኽእል እዩ።

ኣብታ ብዙሓት ቓዛውያን ዝሃደሙላ ደቡብ ራፋሕ ሓደጋ ሕማም ኮሌራ ከምዘጋጥም ዶክተር ሮበርትስ ገሊጹ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ንእስራኤል ካብ ዘጥቅዓ ንደሓር ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ህንጻታት ሰፊሕ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 69 ሽሕ ኣባይቲ ክዓንዉ እንከለዉ፡ ተወሳኺ 290 ሽሕ ድማ ጉድኣት ወሪድዎም እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብዚ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ስርሒታት እስራኤል ንምግታእ - ካብ ገለ ዲሞክራትን ክፋል ህዝቢ ኣመሪካን - ውሽጣዊ ጸቕጢ የጋጥሞ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብወገኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዘይምርድዳእ "ኣብ ዕጹው ገዛ" ክፈትሓኦ እየን ኢሉ።