እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሰሜን ቓዛ 'ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው'
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓቢሩ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ሆስፒታላት ኣል፟ኣውዳን ከማል ኣድዋንን ከም ዝበጽሐን እዚ ድማ ድሕሪ መጀምርታ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ከም ዝዀነን ገወሲኹ ሊጹ።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እቲ ትካል ዝረኸቦም “ዘሕዝኑ” ክስተታት ኣስፊሩ።
ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ 10 ህጻናት ክሞቱ እንከለው፡ “ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ” ከም ዘሎን፤ ህንጻታት ሆስፒታላት ከም ዝዓነዉን ጠቒሱ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 15 ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ከማል ኣድዋን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን ማይን ከም ዝሞቱ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ነይሩ።
ብሰንበት ድማ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል መበል 16 ህጻን ከም ዝሞተ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ፍልስጤም ዋፋ ትማሊ ሓቢራ።
ዶክተር ቴድሮስ “ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ፣ ብጥምየት ዝሞቱ ህጻናት፣ ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ፣ መግብን ናውቲ ሕክምናን ኣሎ፤ ህንጻታት ሆስፒታላት ዓንዮም” ኢሉ።
ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ፡ 300 ሽሕ ሰባት ብሕፅረት መግቢ ከምኡ’ውን ሕፅረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይግመት።
“እቲ ሕጽረት መግቢ፡ ዛጊድ ሞት 10 ህጻናት ኣስዒቡ” ይብል ዶ/ር ቴድሮስ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ሰሜን ቓዛ ንምብጻሕ ጻዕርታት ክገብር እኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ናይ መጀመርታኡ ከም ዝዀነ የመልክት።
“ብፍላይ ኣብ ሆስፒታል ኣል ኣውዳ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ፤ ሓደ ካብቶም ህንጻታት ዓንዩ’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቓዛ ጥሜት “ዳርጋ ዘይተርፍ” ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ብውሕዱ 576 ሽሕ ሰባት - ሓደ ርብዒ ህዝቢ - ሕፅረት መግቢ ከም ዘጋጠሞምን ኣብ ሰሜን ካብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሓደ ብከቢድ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሳቐን ኣጠንቂቑ።
ከምኡ'ውን ዞባዊ ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) “ሕጽረት መግቢ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ከየጋጥም ዝሰጋእናዮ ሞት ህጻናት ንርእዮ ኣለና” ኢላ።
ኣድል ኮድር ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እዚ ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን ሞት ሰብ ዝፈጠሮ፡ ክትግምቶ ዝከኣልን ምሉእ ብምሉእ ክትከላኸሎ ዝክኣልን’ዩ” ኢላ።
ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 253 ሰባት ጅሆ ሒዞም ከም ዝወሰዱን ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ሰራዊት እስራኤል ነቲ እስራኤል ሓዊሱ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያናን ግብረሽበራዊ ውድብ'ዩ ዝብልኦ ሓማስ - ንምጥፋእ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስጉምቲታት ክወስድ ፀኒሑ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝዀኑ ልዕሊ 30,500 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ ግዝኣት ሓቢሩ።