ትራምፕ ካብ ሚሳይል ኢራን ብምስጋእ ብምስጢር ነፋሪት ከም ዝቐየረ ተኣሚኑ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዋዕላ ኔቶ ዛዚሙ ክምለስ ከሎ፡ ካብ ኢራን ክወርዶ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ብዝተወደበ ምስጢራዊ ስርሒት ነፋሪት ከም ዝቐየረ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ጸብጺበን።

ትራምፕ፡ ብዓይኒ ካሜራታት ተለቪዥን እናተራእየ ናብታ ወግዓዊት ናይ ፕረዚደንት ነፋሪት 'ኤር ፎርስ ዋን' እኳ እንተ ደየበ፡ ድሒሩ ግን ብሓገዝ ናይ መግቢ መጓዓዝያ ማኪና ተሓቢኡ ናብ ካልእ ወተሃደራዊት ነፋሪት ከም ዝተሰጋገረ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ገለ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስን፡ ፕረዚደንት ብምስጢር ካብታ ነፋሪት ከም ዝወጽአ ኣይፈለጡን ነይሮም።

መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲ-ቢ-ኤስ ኒውስ ንሰበ-ስልጣን ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣመሪካ፡ ኢራን ነታ ነፋሪት ንምውቃዕ ዘተኣማምን ናይ ሚሳይል ስግኣት ከም ዘለዋ ድሕሪ ምርጋገጻ እዩ እዚ ስጕምቲ ተወሲዱ።

ዋይት ሃውስ ነዚ ብምስጢር ዝተኻየደ ምቕያር ነፋሪት ዛጊት ብወግዒ ኣየረጋገጸን።

ትራምፕ ቅድሚኡ ኣብ ኣንካራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንሱ "ቀዳማይ ዒላማ" ኢራን ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ምስጢራዊ ስርሒት ዝተኻየደ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ነቲ ውግእ ንምብቃዕ ዘካይድዎ ዝነበሩ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ደጊማ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ እትፍጽም ንጽባሒቱ እዩ።

እቲ ምስጢራዊ ስርሒት ከመይ ነይሩ?

ትራምፕ ናብ ቱርኪ ክመጽእ ከሎ፡ ቐጠር ዝሃበቶም ሓዳስ ቦይንግ 747-8 ተጠቒሙ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ "ናይ ቀደም ንምዝካር" ብምባል በታ "ኤር ፎርስ ዋን" ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብ8 ሓምለ፡ ትራምፕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንካራ ናብታ ናይ ፕረዚደንት ነፋሪት ክድይብ ከሎ ዘርኢ ምስሊ ተፈንዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ከም ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት፡ ትራምፕ ናብታ ነፋሪት ካብ ዝደየበሉ መንገዲ ብኣንጻር፡ ናብታ ነፋሪት ተጸጊዓ ብዝነበረት ናይ መግቢ መጓዓዝያ ማኪና ኣቢሉ ናብታ C-32A ዝተሰምየት ንእሽቶ ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምስጢር ተሰጋጊሩ።

ምኒስተር ምክልኻል ፒት ሄግሰት፡ እቲ ጕዕዞ ንቡር ንምምሳል፡ ካልእ መደያይቦ ተጠቒሙ ናብታ C-32A ደይቡ።

ኣብታ "ኤር ፎርስ ዋን" ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ግን፡ መጋረጃታት መስኮት ነፋሪት ክዓጽዉ ተነጊርዎም ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ነፋሪት ከም ዘየሎ ኣይፈለጡን።

ሓደ ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ጋዜጠኛ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ኣባላት ሓለዋ ኵሉ ሰብ መጋረጃታት መስኮት ክዓጹ ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ።

ሓደ ሰኣሊ ንሓጺር ግዜ ክኸፍቶ ምስ ፈተነ፡ ብቕጽበት ክዓጽዎ ተነጊርዎ።

ብተክኒካዊ ኣጸዋውዓ፡ "ኤር ፎርስ ዋን" ዝብል ስም ንዝዀነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝጸዓነት ነፋሪት ዝወሃብ መጸውዒ ምልክት እዩ።

ኣብዚ ስርሒት'ዚ ግን፡ እታ ጋዜጠኛታት ዝጸዓነት ነፋሪት ነቲ ተንኮል ንምቕጻል "AF1" ዝብል ምልክት ክትጥቀም ከላ፡ እታ ትራምፕ ዝነበራ ነፋሪት ግን "Reach 18" ዝብል ምልክት ትጥቀም ነይራ።

ትራምፕ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ዳግማይ ናብታ ናይ ቀደም "ኤር ፎርስ ዋን" ተመሊሱ።

ካብታ ነፋሪት ወሪዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚልደንሃል ክርአ ከሎ፡ ካብታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ናብታ ናይ ቀደም ነፋሪት ብኸመይ ከም ዝተሰጋገረ ግን ኣይተፈልጠን።

ኣብ መወዳእታ ድማ በታ ቐጠር ዝሃበቶም ሓዳስ ነፋሪት ገይሩ ናብ ዋሽንግተን ተመሊሱ።

ትራምፕ እንታይ ይብል?

ትራምፕ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጕዕዞ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ኢራን ዝመጽኦ ሓደጋ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ብዛዕባ ምቕያር ነፋሪት ግን ዝበሎ ኣይነበረን።

ጋዜጠኛታት መጋረጃታት መስኮት ክዓጽዉ ስለምንታይ ከም ዝተነገሮም ምስ ተሓተተ፡ "ምስዞም እንገጥሞም ዘለና ሕሱማት ሰባት፡ እቲ ጕዕዞ ሓደገኛ ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ፡" ኢሉ መሊሱ።

ኣብ ህይወቱ ኵሉ ግዜ ሓደጋ ከም ዘሎን ኣብቲ ኢራን ዘውጽኣቶ ናይ ቅትለት "ዝርዝር" ድማ ንሱ ቀዳማይ ከም ዘሎን ገሊጹ።

ትራምፕ ድሒሩ ግን ብምስጢር ነፋሪት ከም ዝቐየረ ተኣሚኑ ኣሎ።

ትራምፕ ነዚ ሓበሬታ ንጋዜጠኛታት ክገልጽ ከሎ፡ "ብመሰረት መምርሒ ኣባላት ምስጢራዊ ኣገልግሎትን ሰራዊትን እየ ተንቀሳቒሰ። ብዝተፈልየ በረራን ብኻልእ ነፋሪትን ክጓዓዝ ስለ ዝደለዩ፡ ንመምርሒታቶም ክስዕብ ነይሩኒ፡" ኢሉ።

እዚ ድሕሪ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ዝተገብረ ለውጢ፡ እቶም ኣብታ ን"ምድንጋር" ዝተዳለወት ነፋሪት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕዶ ኣይኰነን ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

ትራምፕ ግን እታ ተሰጋጊሩ ዝተጓዓዘላ ወተሃደራዊት ነፋሪት "ዝለዓለ ስግኣት" ከም ዝነበራ እዩ ዝገልጽ።

ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ሓደ ካብ መንኵብ ዝትኰስ ሚሳይል ዝሓዘ ሰብ ኣብ ጥቓ እቲ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ቦታ ከም ዝተራእየ ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ጸብጺቡ ኣሎ።

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ብዛዕባ እዚ ኵነታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘየድሊ ሓደጋ ከየቃልዕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

"ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ዘጋጥም ስግኣት ጸጥታ ሓበሬታ ክወሃቦም ይግባእ፡" ክብል ድማ ጸዊዑ።