ንኽልከላታት ፈንጺሐን ድግሳት ተልሂት ዘድምቓ ዘለዋ ኢራናውያን 'ዲጄታት'

ነሳ

ምንጪ ስእሊ, NESA AZADIKHAH

Published

ኣብ ኢራን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ‘ዓይኒ ፖሊስ’ ሞራል ግልስ ኢለን እንተዘይኰይኑ፡ ክደርፋ ይኹን ዝዀነ መሳርሒታት ሙዚቃ ከጻወታ ኣይፍቀደለንን።

ገለ ካብተን ህዝቢ ክለሀ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ ዲጄታት ግን ነዚ ተሪር ክልከላት ይፍንጽሕኦ እየን ዘለዋ።

ነቲ ሱር ዝሰደዱ ባህላዊ ሓጹራት'ውን ሃደሽደሽ የብልኦ።

ኣብ 1979 ኣብ ኢራን ዝተኻየደ እስላማዊ ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ ባህላዊ ህይወት እታ ሃገር ሓያሎ ጽልዎ ኣሕዲሩ'ዩ።

‘ዘይሰውራዊ’ ተባሂሉ ዝግለጽ 'ፖፕ' ሙዚቃ ተኣጊዱ።

ብዙሓት ሙዚቀኛታት ህይወቶም ከትርፉ ሃዲሞም፤ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ክደርፋ ሓጢኣት ወይ ሓራም ተባሂሉ ተኣዊጁ።

ዘመናዊ ሙዚቃ ፖፕን ካባሬን ዳርጋ ኣብ ሓደ ለይቲ ሞይቱ፤ ተቐቢሩ ምባል ይክኣል።

እንተዀነ፡ ገለ ተብዓት ብሕቡእ ገለ ነገራት ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል ገይሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዘይእዱባት” ዝበሃሉ ካሴታትን ሲዲን ካብ ወጻኢ ሃገራት ብኮንትሮባንድ ናብ ሃገር ካብ ምእታዎም ዓዲ ኣየዕወዓሉን።

ብሕቡእ ድማ ናብ ሰባት ይበጽሑ ነይሮም። ድሕሪ ድራር፡ መብራህቲ ጠፊኡ ሳሎናት ናብ ምሸታዊ ተልሂት ይቕየሩ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መህሙኒ [ናይ ስድራቤት ድግስ] ኮኾብ ሳዕስዒት እየ ነይረ" ትብል ፓራሚዳ።

ሕጂ ኣብ በርሊን ዲጄ ወይ መጻወቲት ሙዚቃ እያ።

ኣደ ፓራሚዳ፡ ጓላ ኣብታ "ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረላ" ሃገር ክትነብር ስለ ዘይደለየት፡ ካብ ኢራን ወጺኣ ነይራ።

እቲ ግዱድ ምዕማም ሒጃብ፡ ሓደ ካብቶም ዘይትቕበሎም፡ ብርክት ዝበሉ ገደባት እዩ።

ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ጀርመን ናብራ ጀሚራ። እንተዀነ፡ ኣብ 2002 ብሰንኪ ስድራቤታዊ ጉዳያት ናብ ኢራን ተመሊሳ።

ፓራሚዳ ድማ፡ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቴህራን ተማሂራ፤ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ገዛ ትለሀ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት [underground] ብሕቡእ ኣብ ዝግበሩ ድግሳት ብንቕሓት ትሳተፍ ነይራ።

“ናብ ዝተፈላለያ መኪናታት ተበታቲንና፤ ኣወዳት ኣብ ገለ መካይን፡ ኣዋልድ ድማ ኣብ ካልእ። ካብኡ ካብ ከተማ ወጺእና። ድሕሪኡ ድማ ሙዚቃን መብራህትን ወሊዕና ኩሉ ሰብ ይለሀ ነይሩ" ትብል ፓራሚዳ።

ካብ መወዳእታ 1990ታት ጀሚሩ ግን ኣብ ኢራን ሓድሽ ዓይነት ባህሊ ክምዕብል ጀሚሩ።

ምስ ምምጻእ ‘ዘይሕጋውያን’ ሳተላይታት --ከም ኤምቲቪ ዝኣመሰላ ናይ ሙዚቃ ቻነላት -- ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሩ ዝነበረ ናይ ራፕ ትርኢት ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ መሰስ ክበል ጀመረ።

"ንመጀመርታ ግዜ ናብ ድግስ ከይደ፡ ሓደ ዲጄ ድማ ናይ ገዛ ሙዚቃ ይጻወት ነይሩ" ትብል ኣብ ቴህራን ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 40 ዓመት ነሳ ኣዛዲካህ።

"ኩሉ ግዜ ንዕኡ እናጠመትኩ፡ 'ከምኡ እንተዝኸውን' ኢለ ብልበይ እሓስብ ነይረ።"

ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ ሓንቲ ካብተን - ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝካየድ ናይ ብሕቲ "ናጻ ድግሳት" ሙዚቃ ሙዚቃ ዘጻውታ ዝገበራ ቀዳሞት ኢራናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኰይና።

እቶም ናይ ሙዚቃ ድግሳት ተዓዲምካ ጥራይ ኢኻ ትኸዶም።

ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ እቲ ድግስ መብዛሕትኡ ኣብታ ብስም ስጳኛዊት እትፅዋዕ ደሴት ‘ኢቢዛን’ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝዀኑ ክለባትን "ሺቢዛ" ዝብል ሳጓ ዝተሰምየት ሸምሻክ እትበሃል ቁሸት እዩ ዝካየድ ነይሩ።

ኣብ ኢራን ናይ ሙዚቃ ድግስ ምግባር ግን ተሪር ገበን እዩ።

ዋላ'ኳ ኣብ ሕጊ ዝተጠቕሰ ቅጽዓት እንተዘየለ፡ ሰባት ብተደጋጋሚ ኣብ ትሕቲ መሬት ካብ ዝግበሩ ሙዚቃዊ ምትእኽኻባት ይእሰሩ።

ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ወይ ምስ ኣንጻር-ጾታ ብሓባር ብምዃን ይኽሰሱ - እዚ ድማ ብመቕጻዕቲ፡ ብማእሰርቲ ወይ ብመግረፍቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ።

ኣብ ዓመት ብኸምዚ ክንደይ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ኣይፍለጥን፤ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሓደ ሕቡእ ድግስ ጥራይ፡ 300 ዕዱማት ከም ዝተኣስሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ።

ከምኡ’ውን ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ብ5 መጋቢት፡ ብውሕዱ 11 ተማሃሮ ካብ ሓደ ላዕለዋይ ዩኒቨርሲቲ፡ ካብ ናይ ሓባራዊ-ጾታ ድግስ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ክሳብ ሰለስተ ሰሚስተር ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ ነይሩ።

"ወለደይ ወትሩ ፖሊስ ኣብ ድግስ እንተረኺቦምኒ ሽግር ከም ዝፍጠር ይነግሩኒ። እዚ ድማ ኣዝየ ጥንቁቕቲ ክኸውን ገይሩኒ" ትብል ነሳ።

ንሳ ይኹን ፓራሚድያ ኣብ ራቭስ ተሳቲፈን ተባሂለን ተኣሲረን ኣይፈልጣን።

ቀጻሊ ናይ ሓደጋ ስምዒት ሒዝካ ምዕባይ ግን ንህይወት ኢራናውያን ኣፍረይቲ ሙዚቃ ዝቐረጸ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ፓራሚዳ

ምንጪ ስእሊ, PARAMIDA

እዘን ክልተ ዲጄታት፡ ምስቲ ንዝሓለፉ 45 ዓመታት ኣካል ናይቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ገስጋሲ ጻውዒት ለውጢ ዝዀነ ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ ምትእስሳር ዘለዎ ኰይኑ ዝስምዖም ኣለዉ።

ፓራሚዳ፡ ኣብ 2022 ኣብ መላእ ኢራን ተቓውሞታት ኣብ ዝሰፍሐሉ እዋን፡ "ጓል ኣንስተይቲ፣ ህይወት፣ ናጽነት" ኢለን ብዝጨርሓ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ከም ዝተተንከፈት ትዛረብ።

"እቲ [ምንቅስቓስ] ብሓቂ ኣብ መንጎ ኩላትና ደቂ ኣንስትዮ ምትእስሳር ከም ዘሎ ተስፋ ሂቡኒ" ትብል።

ንሳ ምስ ብፅይታ ኢራናዊት ዲጄ ኣይዳ ብምዃን፡ ብደቂ ኣንስትዮ ኢራናውያን ስነጥበባውያን ዝተዳለወ ፕሮጀክት ኤሌክትሮኒካዊ ሙዚቃ ‘ጓል ኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ሓርነት’ ጀሚራ ኣላ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ከም ኢራን ዝኣመሰለት ባህላውን ሃይማኖታውን ሃገር ኰይንካ ብ ኤሌክትሮኒካዊ ሕቡእ ድግስ ምኻድ ፖለቲካዊ መግለጺ ኰይኑ ይስምዐን።

"መብዛሕትኦም እቶም እንግደሰሎም ነገራት ክልኩላት ስለ ዝዀኑ፡ ነቶም ነገራት ክንገብር ምስ ጀመርና ብመሰረቱ ሕጋጋት ንጥሕስ ኣለና ማለት'ዩ። እቶም ተግባራት ናብ ዘይምእዛዝን ተቓውሞን ይቕየሩ" ትብል።

"ኣብ ኢራን ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸልከለ ክገብር ምኽኣለይ ብሓቂ ህያው ተቓውሞ ይገብረኒ" ትብል ፓራሚዳ።

ዓለምለኻዊ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ሳዕስዒት ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዕብለል ይፍለጥ።

ፓራሚዳን ነሳን ኣብ 2010ታት ዲጄ ክፃወታ ምስ ጀመራ ግን ቀሊል ኣይነበረን።

"እቲ ጾታዊ ፍልላይ ክሳብ ሕጂ ኣሎ፡ በቃ ዝተፈለየ'ዩ" ትብል ነሳ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ትሕቲ መሬት ራቭ ዓለም ብውሑዱ ካልኦት 10 ደቂ ኣንስትዮ ዲጄታት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

"ምሉእ ህይወተይ፡ ‘ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝኾንኪ ከምኡ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ' ተባሂለ'የ ዓብየ፡ ከምኡ'ውን 'ክኽእል እየ፡ ከርእየካ'የ' ድማ እየ" ትብል ፓራሚዳ።

ነሳ’ውን፡ ኣብ ኤውሮጳ ክትጻወት ትሓልም። ንሓያሎ ዓመታት፡ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ኢራናውያን ስነጥበባውያን ዘጋጥም፡ ናይ ቪዛ ሕቶኣ ተነጺጉ።

ኣብ መወዳእታ ግን ዕድል ረኺባ። "2017 እዩ ነይሩ፡ ኣብ የረቫን ኣርመንያ ክጻወት ተዓዲመ። እቲ ድግስ ዕሙር ነይሩ፡ ለብን ፍሉይ ግብረ መልሲ ድማ ረኺበ" ትብል።

ሕጂ ድማ ብናይ ግሎባል ታለንት ቪዛ ስኬም ኣቢላ ኣብ ፈረንሳ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ መንበሪ- ቪዛ ረኺባ ኣላ።

ኔሳ ኣብ ሊቨርፑል ንዝካየድ ምርኢት ትዳሎ ዘላ ኰይና፡ "ሕጂ ዝያዳ ክሰርሕ ዘለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ ኣሎ፤ ኣብዚ ዝያዳ ውድድር ኣሎ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሕልመይ ንድሕሪት ተመሊሰ ኣብ ቴህራን ድግስ ሙዚቃ ክፃወት ምርኣይ እዩ! ክሳብ ክንደይ ዘሕጉስ ምዀነ?” ትብል።