ኣቡነ ፍራንሲስን መራሕቲ ሃገራትን ንኣቡነ በነዲክት ይዝክሩ

Published

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ነቶም ዝተክእዎምን ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ኣቡነ በነዲክት ስነ ስርዓት ዝኽሪ ኣካይዶም።

“በነዲክት ወረጃን ለዋህን’ዮም ነይሮም” ዝበሉ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ድማ “ውህብቶ” ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ካብቶም፡ መግለጺ ዝኽሪ ኣቡነ በነዲክት ዘውጽኡ መራሕቲ ዓለም እዮም።

ኣቡነ በነዲክት ብሰንኪ ጥዕና ኣብ 2013 ብወለንታኦም ሓላፍነቶም ከምዝለቐቝ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ 600 ዓመታት እታ ቤተ ክርስትያን ንፈለማ ግዜ ዝተፈጸመ ክስተት’ዩ ነይሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሮም 5 ጥሪ ኣብ ቫቲካን ክፍጸም’ዩ።

ሞት ኣቡነ በነዲክት ብወግዒ ምስተፈልጠ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት መግለጺ ዝሃቡ ኣቡነ ፍራንሲስ መስዋእቶም ንዝሓሸት ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን ከምዘበረከተ ገሊጾም።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ጆን ኦፍ ኬነዲ ቀጺሉ ካልኣይ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ኣማኒ ካቶሊክ ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ብመገዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ሕልፈተ ህይወት ኣቡነ በነዲክት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ ኣቡነ በነዲክት፡ “ዝተፈለጡ ምሁር ስነ ሃይማኖት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብእምነትን ስርዓትን ምሉእ ህይወቶም ዘበጀዉ መራሒ” ኢሉዎም።

ሞት በነዲክት ምስ ሰምዐ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝጠሓለ ዝገለጸ ንጉስ ቻርለስ ብወገኑ፡ ንኣቡነ ፍራንሲስ ናይ ሓዘን መግለጺ ልኢኹ፤ “ንሰላምን ሰናይ ትምኒትን ደቂ ሰባት ዝጽዓሩ” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መንጐ ኣመንቲ ካቶሊክን ኣንጀሊካንን ዘሎ ዝምድና ክሕይል ከምዝሰርሑ ጠቒሱ።

ኣቡነ በነዲክት ኣብ 2010 ኣብ ብሪጣንያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንኣመንቲ ካቶሊክን ካልኦት ሃይማኖታትን ታሪኻዊ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ እቶም ኣቡን ዓብይ ምሁር ስነ ሃይማኖት ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ብዝሒ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘለወን ሃገራት ብመራሕተን ኣቢለን መግለጺ ሓዘን ክህባ እንከለዋ፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣሊያ ጆርጅያ ሜሎኒ “ታሪኾም ዘይሃስስ ዓብይ ሰብ” ክትብል ገሊጻቶም።

ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ኣቡነ በነዲክት ናይ መጀመሪያ ስሞም ጆሴፍ ራትዚንገር እዩ።

ኣብ 2005 ኣብ መበል 78 ዓመቶም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኰይኖም። በዚ ድማ ነቲ ሓላፍነት ዝሓዙ ዝዓበዩ ኣቡን ክዀኑ ክኢሎም።

ኣብ ዘመኖም፡ ክሲታት፡ ሕጋዊ ሕቶታትን ንዘመናት ብካህናት ዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ዘቃልዑ ጸብጻባት ዕላዊ ተገይሮም እዮም።