ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም 2022 ዝሳተፉ ተጻወትቲ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 18 ክሳብ 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ፡ ከተማ ዎሎንጎንግ፡ ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022 እትሳተፍ ሃገራዊት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተመሪጻ።
ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 መርሃዊ ቅዱስ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2022 ቢንያም ግርማይ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን መትከል እዮብን ብቐዳምነት እተሰልፎም ኰይኖም ተመሪጾም ኣለዉ።
ዳዊት የማነ፡ ናትናኤል ብርሃነን ሚኪኤል ሃብቶምን ኸኣ ከም ተቐየርቲ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ተጠርኒፎም ኣለዉ።
ኣብ ናይ ዓበይቲ [ኤሊት] ውድድር ክሮኖሜተር፡ ሚኪኤል ሃብቶም ንኤርትራ ብምውካል፡ 18 መስከረም ኣብ ዝካየድ ናይ 34.2 ኪሎ ሜተር ውድድር ክሳተፍ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ ንኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 19 ዓመት ዝውክሉ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩኤል ሃብተኣብን፡ 23 መስከረም 135.6 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ውድድር ክህልዎም’ዩ።
ኣብዚ ካብ 18 ክሳብ 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ንልዕሊ 70 ሃገራት ዝውክሉ ልዕሊ 1000 ተቐዳደምቲ ቀስተደበናዊት ማልያ ንምውናን ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድም ክወዳደሩ’ዮም።
ነዚ ውድድር ልዕሊ 300 ሚልዮን ሰብ ብኣካልን ብመሳኩቲ ተለቪዥንን ክዕዘቦ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ዩሴኣይ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ 8 መዓልታት ዝካየድ 11 ዓይነታት ውድድር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ኤሊት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ግዜ ውድድር ዘካትት እዩ።
ከምኡ’ውን ብደቂ ኣነስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ተሓናፊጹ ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ኤሊት ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ጁንየር ደቂ ኣነስትዮ ናይ ጽርግያ ውድድርን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ጽርግያ ውድድርን’ዩ።
እቲ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ 25 መስከረም ዘካይድዊ ናይ ጽርግያ ውድድር 266.9 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ተቐዳደምቲ 3945 ሜትሮ ብራኸ ክሓኹሩ’ዮም።
እዚ ብዩሲኣይ ዝካየድ ውድድር ቻምፕዮና ዓለም ካብ 1927 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብጀካ እቲ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ብሰንኪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምቡኳሩ፡ ዓመት ዓመት ብዘይ ምቁራጽ’ዩ ዝካየድ።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ [ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ]
2021፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳዊ]
2020፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ]
2019፡ ማድስ ፔደርሶን [ዴኒማርክ]
2018፡ ኣሌጃንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ]
2017፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ]
2016፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ]
2015፡ ፔተር ሳጋን [ ስሎቫክያ]
2014፡ ማይክል ክዋትኮወስኪ [ፖላንድ]
2013፡ ርዮ ኮስታ [ፖርትጋል]
2012፡ ፍሊፐ ጂልብርት [ቤልጂም]
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
