እስራኤል ጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑ ክልተ ሰባት ከምዘውጽአት ገሊጻ

ኣብ ራፋሕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

እስራኤል ኣብ ራፋሕ ኣብ ዘካየደቶ ወፍሪ ክልተ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያን ከምዝደሓኑ ገሊጻ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም ነጻ ዝወጽኡ ሰባት ኣብ "ጽቡቕ ኵነታት" ከምዘለዉን፡ ንሕክምናዊ መርመራ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም፡ ኣብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ይካየድ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ በቲ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቓዛ መጥቃዕቲታት ከምዘካየደት'ኳ እንተገለጸት፡ ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣይኤስኤ [ኤጀንሲ ጸጥታ እስራኤል - ሺን ቤት]ን ፖሊስ እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ስርሒት፡ ክልተ እስራኤላውያን- ፈርናንዶ ሳይሞን ማርማን (60) ) ከምኡውን ሉዊስ ሃር (70) ካብ ጅሆ ሓራ ከምዝወጽኡ ገሊጹ።

ሰበስልጣን እስራኤል ብዛዕባ እቲ ስርሒት ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፤ ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት ግን "ዝድነቕ" ክብል ገሊጽዎ።

ወሲኹ፡ "ብዝዀነ ይዅን መገዲ፡ ነቶም ዝተጨውዩ ንምድሓን ዝኣተናዮ ቃል ክንፍጽም ኢና፡" ኢሉ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ስርሒታቱ ዝጀመረ፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ልዕሊ 1200 ሰባት ብዕጡቓት ሓማስ ድሕሪ ምቕታሎምን ኣስታት 240 ሰባት ጅሆ ምስ ተትሓዙን እዩ።

ትማሊ ሰንበት፡ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ 112 ተወሰኽቲ ፍልስጤማውያን ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ብምግላጽ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 28,100 ሞይቶም፡ ልዕሊ 67,500 ድማ ቈሲሎም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ እስራኤል ኣብታ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሰባት ተዓቚቦምላ ዘለዉ ከተማ መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ኣጠንቂቑ ነይሩ። መብዛሕትኦም ካብ ካልእ ከባቢታት ቓዛ ሃዲሞም ዝመጽኡ እዮም።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕጂ ዝኸድዎ ዝዀነ ውሑስ ቦታ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ውሕስነት ከየረጋገጽካ ኣብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ክካየድ የብሉን ክብል ኣጠንቂቑ።

ሚስተር ባይደን እስራኤል ነቶም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ውሑስ ንምግባር፡ "ተኣማንን ተግባራዊን ውጥን" ከምዘድልያ ምዝራቡ፡ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

ሚስተር ነታንያሁ ግን፡ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑን ‘ውጥን ውሕስነት’ ይዳሎ ከምዘሎን ኣስሚሩሉ።