ዶናልድ ትራምፕ ብስሙ ዝፅዋዕ ሓድሽ ስኒከርስ ጫማ ኣላልዩ

Published

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ ዝፈረየን ብስሙ ዝተሰየመን ሓድሽ ስኒከርስ ጫማ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ መረፃ ንምዕዋት ዳግማይ ዝነሐናሕ ዘሎ ትራምፕ፡ ነዚ ሓድሽ ፍርያት ኣብ ምትእኽኻብ ኣፍቀርቲ ስኒከር ፊላደልፍያ ኣላልዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ ብ399 ዶላር ዋግኡ ወርቃዊ ሕብሪ ዝወቀበ፡ "ትራምፕ" ዝብል ሽም ዘለዎ ስኒከር ንምልላይ ናብ መድረኽ ኣብ ዝወፀሉ እዋን፡ ካብቶም እኩባት ናይ ድጋፍን ተቓውሞን ድምፂ ተስሚዑ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ኩባንያ ዝኾነ ስኒከር ዘላሊ ዘሎ ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ዋጋ ንብረት ኣጋኒኑ ብምንጋር ገበነኛ ኮይኑ ምስ ተረኽበ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ።

እቲ ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ ዳኛ፡ ትራምፕ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ሃብቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣጋኒኑ ብምንጋሩ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣስታት 355 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ኣዚዙ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ፡ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሰልፊ ሪፓብሊካን ወኪሉ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተደጋጋሚ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንግዲ ብምውፋር ሃብቲ ዝረኸበ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ፍርያት ጫማ ስኒከር’ውን ኣብ ትሕቲ ትራምፕ ብዝመሓደር ኩባንያ ዝፈሪ ኮይኑ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ምዝርጋሕ ናይቲ ጫማ ምስቲ ትራምፕ ንኽምረጽ ዝገብሮ ጎስጓስ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

እንተኾነ ኣብቲ ዝበዝሑ መንእሰያት ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ መድረኽ፡ ትራምፕ ሓድሽ ጫማኡ ኣብ ዘፋልጠሉ መድረኽ፡ ኣብ ዝቕጽል መረፃ ኩሉ ሰብ ወጺኡ ድምጹ ክህብ ክጽውዕ ተሰሚዑ።

እዚ ወርቃዊ ሕብሪ ዘለዎ ስኒከርስ ኣብ ድሕሪት ኣብ ባንዴራ ኣመሪካ ዘለዉ መስመራት ዘለዎ ኮይኑ፡ ከም ሓድጊ ኰይኑ ክቕመጥ፡ ብውሱን ቁጽሪ ከም ዝቐርብ ይንገር።