ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንስድራ ኡጋንዳዊት ተጣባቒት 10 ሚልዮን ዶላር ጋርነብሲ ክኽፈሎም ወሲኑ

ኤስተር ናካጂጎ

ምንጪ ስእሊ, EU International Partnerships

Published

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዩታ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንስድራቤት ሓንቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኣርቸስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞተት ኡጋንዳዊ ተጣባቒት መሰላት ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር (8 ሚልዮን ፓውንድ) ካሕሳ ክወሃቦም ምውሳኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

እቲ ብጋር-ነብሲ ክወሃብ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ካብቲ ስድራቤት ኤስተር ናካጂጎ ዝሓተትዎ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ድማ ተገሊፁ።

ስድራቤት ናይታ ብሓደጋ ዝሞተት ተጣባቒት መሰላት 140 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎም ሓቲቶም እንተነበሩ’ኳ፡ ቤት ፍርዲ ግን 10 ሚልዮን ዶላር ወሲኑ ኣሎ።

ካብቲ ዝወሃብ ጋር-ነብሲ በዓል ቤታ 9.5 ሚልዮን ዶላር ዝወስድ ኮይኑ ኣዲኣ 700 ሽሕ ዶላር ኣቡኣ ድማ 350 ሽሕ ዶላር ከምዝረኽቡ ተፈሊጡ።

ሓደስቲ መርዓውቲ ማለት ጓል 25 ዓመት ናካጂጎን በዓል ቤታ ሉዶቪችን ኣብ ምብራቓዊ ዩታ ንዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ይሪኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዩ እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እዞም መጻምድቲ ካብ ሃገራዊ ፓርክ ኣርቸስ ብመኪና ክወጹ ከለዉ ሓያል ንፋስ ነቲ ብኣግባቡ ዘይፀንዐ ብሓጺን ዝተሰርሐ ማዕፆ ገንፀሎ። ተሰኪሙ ኣምፂኡ ድማ ነቲ ተሳፋራይ ኮፍ ብዝብለሉ ገፅ ዘሎ ማዕፆ መኪና ሰይሩ ብምእታው ንርእሲ ናካጂጎ ቆረፆ።

ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሞት ናካጂጎን ኣብ ኡጋንዳ ኣምባሳደር ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምዃናን ድማ ዝለዓለ ቆላሕታ ክረክብ ኣኽኢሉዎ።