ጓሉ ኣመሪቝ ዝምለስ ዝነበረ ኣቦ፡ ምስ ጓሉ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, DEBRE LIBANOS COMM
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ሱሉልታ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ ኣብ ዩኒቨርሰቲ ጓሉ ኣመሪቍ ዝምለስ ዝነበረ ኣቦ ምስ ተመራቒት ጓሉ ህይወቶም ሓሊፉ።
ኣቶ ደረጀ ጌታቸው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ዝተመረቐት ጓሉ ሒዙ ናብ ዝነብረሉ ከተማ ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን ብዘጋጠሞም ሓደጋ እዮም ሞይቶም።
ወዲ 51 ዓመት ሰራሕተኛ ወረዳ ደብረ ሊባኖስ ዝዀነ ኣቶ ደረጀ፡ ኣብ ምረቓ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንምስታፍ ምስ ካልኣይ ወዱ ብ 13 ሓምለ 2015 [ኣግ] ናብ ሃዋሳ ተጓዒዙ።
ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓተ ምረቓ፡ ቀዳም 15 ሓምለ 2015 [ኣግ]፡ ኣቦ ምስ ክልተ ደቁ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሻራሮ ናብ ዝርከብ መንበሪኦም እናተመለሱ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 20 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሱሉልታ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዎም።
በቲ ሓደጋ ኣቶ ደረጀን ጓሉ ረድኤትን ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ክሓልፍ እንከሎ፡ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ወዱ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
መቕርብን ጎረቤትን ኣቶ ደረጀ ዝዀነ ኣቶ ኣሸናፊ ኣብዲሳ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ምረቓ ረድኤት ንምጽንባል ድግስ ተደጊሱ ቤተሰብን ፈተውትን ኣብ ገዛ ኰይኖም ምምጻኦም እናተጸበዩ እንከለዉ እዩ እቲ ዜና ሓደጋ በጺሕዎም።
"እዚ ሓደጋ ዘስካሕክሕ እዩ፤ ይትረፍ ንቤተሰብን ንጐረቤትን ንዝሰመዖ ሰብ ኵሉ ከቢድ እዩ። ጓሎም ኣመሪቘም ብታሕጓስ ናብ ገዛኦም ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣቦን ጓልን ብዝወጽእዎ ተሪፎም" ብምባል ዝተሰመዖ ዓሚቝ ሓዘን ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ወረዳ ሱሉልታ፡ እቲ ንሞት ኣቦን ጓልን ምኽንያት ዝኾነ ሓደጋ፡ ይጓዓዙላ ዝነበረት መኪና ምስ ካልእቲ መኪና ብምልታማ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ወለዲ ረድኤት ንናይ በዅሪ ጓሎም ምረቓ ኣቐዲሞም ይዳለዉ ከምዝነበሩ ጎረቤቶም ኣቶ ኣሸናፊ ይዛረብ።
"ንመመረቕታኣ ከብቲ ተሓሪዱ፡ ስዋ ተጸሚቝ ምድላው ተገይሩ ነይሩ። ኣነ እውን ከም ዓርኪን ጐረቤትን ይሳተፍ ነይረ። ኣደ ረድኤት ድማ ተመሪቓ ንእትመጽእ ጓላ ክትቅበል ትጽበ ነይራ፤ ኵሉ ጐረቤት ኣብ ገዛ ክበጽሑ ክንቅበሎም እናተጸበና ኢና መርድእ ሰሚዕና።"
እቶም ግዳያት ናብ ከባቢኦም ክበጽሑ 50 ኪሜ ክተርፎም እንከሎ፡ ቆሬ ሮባ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ረድኤት ደረጀ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብኬሚካል ኢንጂነሪን ዝተመረቐት ኰይና፡ ወለዳ ስራሕ ሒዛ ክትጥውረና እያ ዝብል ተስፋ ከምዝነበሮም መሓዛን ጐረቤትን እቲ መዋቲ ይገልጽ።
"ኣቦኣ ‘ጓለይ መመረቕታኣ ኣኺሉ እዩ፤ ተመሪቓ ስራሕ እንተሒዛ ክተዕርፈኒ እያ’ እናበለ ይዛረበኒ ነይሩ" ይብል ኣቶ ኣሸናፊ ብዝተሰበረ ልቢ እናዘከረ።
በዚ ዘስካሕክሕ ሓደጋ መኪና ህይወቶም ዝሓለፈ ኣቦን ጓልን፡ ስነ ስርዓት ቀብሮም ብሰኑይ 17 ሓምለ 2015 ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ተፈጺሙ።
በቲ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶ መንእሰይ ወዶም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ኣሸናፊ፡ ብዓንተዎ ጥዕና ዘይነበራ ኣደ ረድኤት ሓዘን ተወሲኽዋ ኵነታታ ኣስጋኢ ምዃኑ ይዛረብ።
እቲ ሓደጋ ኣቦ ምስ ደቁ ዝጓዓዙላ ዝነበረት መኪና ምስ ኣውቶብስ ምስተጋጨወት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቶም ኣቦን ጓልን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም። ብተወሳኺ ሰለስተ ሰባት ከቢድ፡ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ቀሊል ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
