ብድቅሱ ብልዕቱ ዝሓረደ ጋናዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሓደ ጋናዊ ሓረስታይ ኣብ ድቃሱ እንከሎ ብልዕቱ ሓሪዱ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝወደቐ ገሊጹ።
እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዘጋጥሞ ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ወዲ 47 ዓመት ኮፊ ኣታ ንቢቢሲ ቋንቋ ፒጂን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓካይም መጥባሕቲ ከም ዘድልዮ ከም ዝሓበርዎ ተዛሪቡ።
ነቲ ዘድሊ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ከም ዘሎ ኮፊ ኣታ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ሓደጋ፡ ኣብ መንበር ኰፍ ኢሉ ድቃስ ምስ ወሰዶ፡ ኣብ ሕልሙ ስጋ ዝመትር ዘሎ መሲልዎ፡ ንፍረ-ነብሱ ብምሕራድ ኣብ ብልዕቱ ጉድኣት ከም ዘውረደ'ዩ ኮፊ ዝዛረብ።
"ኣብ መንበረይ ኰፍ ኢለ እንከለኹ ድቃስ ወሲዱኒ። ኣብ ድቃሰይ ድማ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ስጋ እናቘረጽኩ ሓሊመ" ይብል።
ብዘደንጹ ኵነታት ድማ ኣብ ልዕሊ ህያው ስጋኡ ካራ ኣልዒሉ።
ግን፡ "ብኸመይ ካራ ከም ዘልዓልኩ ኣይዝከረንን'ዩ" ይብል።
ኣውያቱ ዝሰምዑ ጎረባብቱ ከም ዝረድእዎን፡ ናብ ገዛኡ ኣትዮም ምስ ርኣይዎ በይኑ ክደሚ ከም ዝጸንሖም የዘንቱ።
![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



