ሰሜን ኮርያ ፈተነ ትሕተ-ማያዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዘካየደት ኣፍሊጣ

Published

ሰሜን ኮርያ፡ ንወተሃደራዊ ልምምዳት ኣመሪካን ዞባውያን መሻርኽታን ግብረመልሲ ንምሃብ ፈተነ "ትሕተማያዊ ኑክሌራዊ ስርዓተ-ኣጽዋር" ከምዘካየደት ገሊጻ።

እቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዝተፈተነ ናይ ማይ ድሮን፡ ኑክሌር ክዓጥቕ ዝኽእል ምዃኑ'ዩ እቲ መግለጺ ዘመልክት።

እቲ ፈተነ፡ ኣመሪካ ምስ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣብዚ ሰሙን'ዚ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት ድሕሪ ምክያደን'ዩ ተኻይዱ ዘሎ።

ደቡብ ኮርያ ነቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ "ተዂታዂ" ብምባል ተቓውሞኣ ገሊጻ ኣላ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፈተነ "ንሰላም ወሽመጥ ኮርያን ዓለምን ዘስግእ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ሰሜን ኮርያ ብቐጥታ እንተ ትዂትዃትና፡ ህጹጽ፡ ሓያልን ናይ መወዳእታን ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝብል መትከልና ተመርኲስና ዓጸፋ ክንምልስ ኢና" ኢሉ።

እቲ ሰሜን ኮርያ ፈቲነዮ ዝበለቶ ስርዓተ-ኣጽዋር " ሃይኢል-5-23" (Haeil-5-23) ዝተባህለ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከተካይዶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ቅልጽም ናይ ምርኣይ ምንቅስቓሳት እዩ።

ብሰንበት'ውን፡ ማእከላይ ርሕቀት ዝውንጨፍ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከምዘዋፈረት ኣፍሊጣ ነይራ'ያ።

ኣብ ፈለማ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብተዂሲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር።

መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆን ኡን፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ካብቲ ሰላም ንክሰፍን ዝተበጽሐ ሓያለ ስምምዓት ብምስሓብ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣንጻር ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዝቐንዐ ፈተነታትን መግለጺታትን ክህብ ጸኒሑ'ሎ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ ሎሚ ኣብ ዘቃልሖ መግለጺ፡ እቲ ብዋሽንግተን፡ ሶልን ቶክዮን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ልምምዳት "ንኩነታት እቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ'ዩ" ክብል ነቒፉ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ 2024 ተወሳኺ ሰለስተ ሳተላይታት ስለያ ንምውንጫፍ መደብ ከምዘለዋ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝወንጨፈታ ሳተላይት፡ ኣሳእል ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ከም ዝወሰደት ገሊጻ ምንባራ'ውን ይፍለጥ።

ፒዮንግያን፡ ነቲ "ኣብ ዝኾነ እዋን ክውላዕ ዝኽእል ኲናት" ንምድላው ወተሃደራዊ ዓቕማ ተማዕብል ምህላዋ ኪም ጆን ኡን ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።