ሄኖክ ምሉእብርሃን ንሰለስተ ሰሙን ካብ ብሽክለታ ክወርድ ምዃኑ ተፈሊጡ

ሄኖክ ሙሉብርሃን ድሕሪ ዝተገበረሉ ዕዉት መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, ASTANA QAZAQSTAN TEAM

መግለጺ ስእሊ, ሄኖክ ምሉብርሃን ድሕሪ ዝተገበረሉ ዕዉት መጥባሕቲ
Published

ብቀዳም ኣብ መበል ራብዓይ መድረኽ ዙር ኣልኡላ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማማይ ክለብ ኣስታን ካዛኪስታን ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ትማሊ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ዕዉት መጥባሕቲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብ ልምምድ ክምለስ ከምዘይክእል ጋንታኡ ኣፍሊጣ።

ሄኖክ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ንመጀመርታ ግዜ ምስታ ሓዳስ ጋንታኡ ኣብ ስዑድያ ዙር ኣልኡላ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካልኣይ ብምውጻእ ንጋንታኡ ናይዚ ዓመት ቀዳመይቲ መዳልያ ከመጽኣላ ምኽኣሉ ይዝከር።

እታ ጋንታ ትማሊ ኣማስያኣ፡ ንዅነታት ጥዕና ሄኖክ ኣመልኪታ ብኤክስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ሄኖክ ሎሚ ኣብ ጸጋማይ ሓላቕምቱ ዕዉት መጥባሕቲ ኣካይዱ ኣሎ፡ ናብ ንቡር ልምምድ ንኽምለስ ሰለስተ ሰሙን ከድልዮ’ዩ” ብምባል ሄኖክ ምሉእ ምሕረት ክገብረሉ ተመንያ።

ሄኖክ ቅድሚ መጥባሕቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ “ቃንዛ ኣለኒ ግን ዘሰክፍ ኣይኰነን፡ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ንቡር’ዩ እንቋዕ ጥራይ ኣቕለሎ” ኢሉ።

ንሱ ምስ ጋንታኡን ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ዝካየድ ዙር ሩዋንዳ ክሳተፍ’ኳ መደብ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ግን ኣብ ዙር ሩዋንዳ ከምዘይሳተፍ ርግጽ ኰይኑ ኣሎ።

ዓሚ ኣብ ዝተኻየጸ ዙር ሩዋንዳ ምስ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያነ ብምዃን ኣብ ሳልሳይን ሻሙናይን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ከኸውን ዝኸኣለ ሄኖክ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ነቲ ውድድር ክዕወትሉ ካብ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ተባሂሉ’ዩ ተገሚቱ ነይሩ።

ሄኖክ ኣብ ቃል መሕተቱ ምስ ቢቢሲ፡ “ብርግጽ ናብ ዙር ሩዋንዳ 2024 ከርክብ ከምዘይክእል ርግጽ ኰይኑ ኣሎ” ብምባል ሕክምናኡ ወዲኡ ኣብ ካልእ ውድድራት ዓወታት ከምዝግብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ዓመተ 2023 ሄኖክ ዓበይቲ ዓወታት ዝተጓነጸፈላ ዓመት’ያ ነይራ።

ወዲ 24 ዓመት ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ጋና ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርማ ኣልሸኽ ዘመዝገቦ ዓወት ደጊሙ ብምዕዋት ኣከታቲሉ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ክኢሉ።

ቅድሚ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣብ ዙር ጋቦን’ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሳልሳይ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን መድረኽ ከኣ ራብዓይ ብምውጻእ ኣንጸባራቒ ብቕዓት ኣርእዩ’ዩ።

ሄኖክ ካብ 19 ክሳብ 26 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ’ውን ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ብምዃን ምስቶም ኣቐዲሞም ነቲ ውድድር ዝተዓወትሉ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት [እቲ ውድድር 2.2 እንከሎ ኣብ 2010] ፡ መርሃዊ ቅዱስን [2019] ናትናኤል ተስፋጽዮንን [2020 ከምኡ ከኣ 2022] ክመዓራረ ክኢሉ’ዩ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2023 ምስ ኮነ ብደገፍቱ ተሓንጊሩ ሓጎሱ እናጸንበለ
መግለጺ ስእሊ, ሄኖክ ሙሉብርሃን ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2023 ምስ ኮነ ብደገፍቱ ተሓንጊሩ ሓጎሱ እናጸንበለ

ኣብ ሰነ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ሳልሳይ ኰይኑ ነሓስ ሜዳልያ ዝተሸለመ ሄኖክ፡ ካብ 9 ክሳብ 16 ሓምለ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ዙር ኩንሃይ ሌክ’ውን ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ናይቲ ውድድር ተዓዋቲ ብጫ ማልያን ብነጥቢ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያን ክኸውን ክኢሉ።

ብዘይካ እዚ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዓመተ 2023 ብምዃን ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን ንዝወሃብ ሽልማት ክዓትር በቒዑ’ዩ።

እዚ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተወሃበሉ ናትናኤል ብርሃነ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2014 መኽሰብ ደበሳይ፡ 2015 ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ 2016 ተስፎም ዑቕባማርያም፡ 2020፡ 2021 ከምኡ ከኣ 2022 ቢንያም ግርማይ ተዓዊቶምሉ ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።

ተዓዋቲ'ቲ ሽልማት፡ ብኣቦ መንበርነት ንዙር ፈረንሳ ሓሙሽተ ግዜ ዝተዓወተሉ ፈረንሳዊ በርናልድ ሀናልት ዝምርሑ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣሰልጠንቲ፡ ኣዳለውቲ ውድድር፡ ኣፍሪቃውያንን ኣውሮጳውያንን ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 25 ሰባት ብዝሃብዎ ድምጺ’ዩ ተረቊሑ።

ድሕሪ እዚ ህጡር ዓወታት ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታን ክሳብ 2025 ክጻወት ክታሙ ዘንበረ ሄኖክ፡ ምስ ቢንያም ግርማይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ናትናኤል ተስፋጽዮንን ብምዃን ቍጽሪ ኣብ ዎርልድ ቱር ዝጻወቱ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ናብ ኣርባዕተ ክብ ከብሎ ክኢሉ ኣሎ።