ቅልውላው ሱዳን፡ ግብረመልሲ መራሕቲ ኣፍሪቃን ዓለምን

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ

ምንጪ ስእሊ, IGAD

መግለጺ ስእሊ, ህጹጽ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ግጭት ሱዳን
Published

ኣብ መንጎ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ብሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታትን ብቐዳም ዝተወልዐ ወግእ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ዓለም እቲ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብል ይጽውዑ ኣለዉ።

ኣብ ማእከል ርእሰከተማ ካርቱም ሎሚ ሰኑይ'ውን ከበድቲ ብረታት ዝተሓወሶ ድምጺ ተዂሲ ክስማዕ ከምዘርፈደ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ይሕብሩ ኣለዉ።

ዛጊት ብውሕዱ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ገሊጹ'ሎ። ነበርቲ ካርቱም ካብቲ ግጭት ንምኽዋል ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ከምዘለዉን፡ ኣብታ ከተማ ጸገም መሰረታዊ ቀረባት ከጋጥም ከምዝጀመረን ገለ ነበርቲ ሓቢሮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣገደስቲ ቦታታትን መዓስከራትን ከምዝተቖጻጸሩ'ኳ ይገልጹ እንተለዉ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ወግእ እቲ ኩነታት ብንጹር ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

"ነዚ ትራጀዲ ደው ኣብልዎ ንኣፍሪቃ መሰሓቒ ጌርኩማ '

ዝተፈላለዩ መራሕቲ፡ መንግስታትን ውድባትን ኣፍሪቃ እቲ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ-ሓድሕድ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዖም ኣለዉ።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ፡ ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጸዊዑ።

ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቶም መራሕቲ "ነቲ ኩነታት ብህጹጽ ንምህዳእ ብምልኦም ተሰማሚዖም" ክብል ገሊጹ።

"ንህዝቢ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኢጋድ መበል 40 ህጹጽ ዋዕላ ምክያዶም አመስግን" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢጋድ፡ ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ንፕረዚደንት ጂቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ሱዳናዊ መዘናኦም ሳልቫ ኪር ናብ ርእሰከተማ ካርቱም ክሰድድ ወሲኑ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ'ቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብኸመይ ናብቲ ናብ ዓውደ-ውግእ ተቐዪሩ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ናይታ ከተማ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብቲ ብማንዛ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢጋድ፡ መራሕቲ ዩጋንዳ፡ ጂቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣባልነታ ኣብቲ ውድብ ዘሐደሰት ኤርትራ ግን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይተሳተፈት መግለጺ ናይቲ ውድብ የመልክት።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መራሕቲ ናይቲ ዞባ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምዕራፍ ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ተማሕጺኑ።

ዩጋንዳዊ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹ ብምጽዋዕ፡ "ነዚ ትራጀዲ ደው ኣብልዎ ንኣፍሪቃ መሰሓቒ ጌርኩማ ' ክብል ነቒፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ'ውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ "ምስቲ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ዓሚቚ ሰረት ዘለዎ ባህልን ክብርን ሱዳን ዝጋጮ'ዩ" ክብል ግብረመልሲ ሂቡ።

ብኩነታት ሱዳን ከምዘተሻቐለት ዝገለጸት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጾም ሮሞዳን ኣብ ዘለወሉ እዋን ውግእ ከካይዱ የብሎምን ኢላ።

ብሰንኪ'ቲ ኩነታት ዶባታ ክትዓጹ ዝተገደደት ጎረቤት ሃገር ጫድ ኸኣ፡ ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ጉዳዮም ብልዝብ ክፈትሕዎ ተላብያ።

ኣቦመንበር ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢኮዋስ፡ ዝኾነ ፕረዚደንት ጒኒ-ቢሳው፡ ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ብወገኑ፡ ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ሓይልታት ነቲ ግጭት ብምህዳእ ልዝብ ክጅምሩ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ንክልቲኦም ወገናት ከተዓርቕ ድልዉ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዛዕባ'ቲ ቅልውላው ክመክር ዝቐነየ ማሕበር ሃገራት ዓረብ'ውን ንመራሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንምዝርራብ ጻዕርታት ከካይድ ምቕናዩ ገሊጹ ነይሩ። ሱዳን፡ ኣባል ናይቲ ማሕበር ምዃና ይፍለጥ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ግጭት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ካልኦት ወገናት ዓለምከ እንታይ በሉ?

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን (ጸጋም) ምስ ብሪጣንያዊ መዘናኡ ጄምስ ክለቨርሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን (ጸጋም) ምስ ብሪጣንያዊ መዘናኡ ጄምስ ክለቨርሊ

ካልኦት ወገናት ዓለም'ውን በቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ወግእ ከምዝተሻቐሉን፡ ብህጹጽ ደው ክብልን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ረጽሚ ዝኾነ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ክልቲኦም ሓይልታት ተጻብኦታት ከቋርጹ ጸዊዑ።

"ንኹሎም ኣብቲ ጉዳይ ጽልዋ ዘለዎም፡ ሰላም ንምስፋን ክጥቀምሉ፡ እቲ ጎንጺ ደው ንኽብል ዝግበር ጻዕርታት ክድግፉ፡ ምርግጋእ ከስፍኑ፡ ከምኡ'ውን ናብ መንገዲ ስግግር ክምለሱ" ክሕግዙን ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተማሕጺኑ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቢ ሱዳን ሰራዊት ናብ መዓስከራቱ ክኣቱ'ዩ ዝደሊ" ብምባል፡ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

ብሪጣንያዊ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክለቨርሊ ብወገኑ፡ "ኣብ መወዳእታ፡ መጻኢ ሱዳን ኣብ ኢድ እዞም ኣብ ወግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል፡ ንሰላም ቀዳምነት ክህቡ ተማሕጺኑ።

ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ዝገለጸት ቻይና ድማ፡ ኩሎም "ወገናት ሱዳን፡ ዘካይድዎ ልዝባት ብምብራኽ፡ ንፖለቲካዊ መስርሕ ምስግጋር ብሓባር ክደፍእዎ" ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

እታ ምስ ጀነራል ሕመድቲ ድሓን ርክብ ከምዘለዋ እትግለጽ ሩስያ'ውን፡ "ድራማቲካዊ ፍጻሜታት ሱዳን" ከምዘሻቐላ ብምሕባር፡ ተጻባእቲ ወገናት ትዕግስቲ ክገብሩን ፖለቲካዊ ሰናይ ድሌት ክህልዎምን ጸዊዓ።

ጀርመን ብወገና፡ ህጹጽ ኮሚተ ብምቛም ነቲ ኩነታት ብተገዳስነት ትከታተሎ ከምዘላ ኣፍሊጣ'ላ።

ሕቡራት ሃገራት ኸኣ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ትማሊ ሰንበት ሓጺር ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ንዝኣተውዎ መብጽዓ ብምፍራሶም ነቒፉ።