ቅልውላው ሱዳን፡ 'በጃኹም ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስድራና ሓግዙ'

ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም
Published

ካብ ምብራቓዊ ሱዳን፡ ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጅዳ ብሰላም ከም ዝሰገሩ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣስታት 500 ቻይናውያንን ፓኪስታናውያንን ዜጋታት ዝሓዘት ወተሃደራዊት መርከብ ቻይና ነቲ ባሕሪ ሰጊራ እያ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝመጹ ሰባት ካብ ከተማ ፖርት ሱዳን ናብ ጅዳ ከም ዝሰገሩ ይግለጽ ኣሎ።

መብዛሕትኦም፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት መንግስቲ ሃገሮም ብዝተዳለዎ በረራታት ናብ ዓዶም ክምለሱ ትጽቢት ይግበር።

ሓይልታት ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ካብ ሱዳን ዝሃደሙ ሰባት ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንጉስ ፋይሳል ብስርዓት ከም ዝኣተዉ ኣረጋጊጾም።

እቶም ሰባት ብኸመይ ካብቲ ቅልውላው ከም ዝሃደሙ ዝገልጹ ዘስካሕክሑ ዛንታታት ኣለዎም።

“ኣብ ሰገነትና’ኳ ኮፍ ክንብል ኣይከኣልናን፤ እቲ ተኹሲ ኣብ ኩሉ ቦታ እዩ” ክትብል ናዝሊ ዝተባህለት ምስ በዓል ቤታ ዝሃደመት ጓል 32 ዓመት ኢራናዊት ሲቪል መሃንድስ ትገልጽ።

እዞም ኢራናውያን ስድራቤት ኣብታ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ጸላኢ ኢራን ዝነበረት ሃገር’ዮም በጺሖም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝተራእየ ምቅርራብ ስዒቡ፡ ዲፕሎማሰኛታት ኢራን ምስ ካልኦት ዲፕሎማሰኛታት ባንዴራታት ሃገሮም እናወዛወዙ ይጽበዩ ነይሮም።

"ምናልባት እዚ ንሓጺር እዋን ሰላም ከምጽእ ይኽእል ይኸውን" ትብል ናዝሊ።

ራሻ ዝተባህለት ሱዳናዊት ኣሜሪካዊት ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ድማ፡ "በጃኹም በጃኹም ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ስድራና ሓግዙ" ክትብል እናበኸየት ተማሕጺና።

ንሳ፡ ንሰለስተ መዓልታት ተሓቢኣ ከም ዝነበረት ትዛረብ። "ዓለም ንሱዳን ክትከላኸለላ እጽውዕ" ብምባል፡ ኩሎም ወጻእተኛታት ዜጋታት ምስ ሃደሙ፡ እቲ ውግእ ክሕይል'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ ኣስሚራ።