ኣሜሪካ ካብ ሑቲ ዝተተኮሰ ሚሳይል ጸረ-መርከብ ኣውዲቓ

Published

ሰራዊት ኣሜሪካ ሑቲ ካብ ዝቈጻጸሮ ከባቢ የመን ናብ ሓንቲ መርከብ ኲናት ዝተተኮሰ ሚሳይል ከምዘውደቐ ገሊጹ።

እቲ ጸረ-መርከብ ክሩዝ ሚሳይል ናብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዩኤስኤስ ላቡን ገጹ ዝተተኮሰ ኰይኑ ብነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሑደይዳ ከምዝወደቐ ተገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝዀነ መጉዳእቲ ኣይወረደን።

ኣሜሪካን ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይቶም ብቀይሕ ባሕሪ ሓሊፈን ንዝኸዳ መራኽብ ዘጥቅዑ ዘለዉ ተዋጋእቲ ሑቲ ንምድኻም ዝዓለመ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈታ ዝፍለጥ እዩ።

እዘን ምዕራባውያን ሃገራት ብዓርቢ ኣብ የመን ኣስታት 30 ቦታታት ከምዝወቕዓን እዚ ድማ መኽዘናት ኣጽዋር፡ ማእከላት ሎጀስቲክስን ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ከምዘጠቓለለ ይግለጽ።

ኣሜሪካ ትማሊ ሰንበት ኣብ ራዳር ሑቲ ካልእ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ከም ኣድላይነቱ ድሕነት ህዝብና ንምውሓስን ናጻ ዋሕዚ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምሕላውን ተወሳኺ ስጕምትታት ካብ ምእዛዝ ንድሕሪት ከምዘይብል" ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ተወሳኺ ስጕምቲ ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ።

ፍሉጥ ደጋፊ ሑቲ ሑሴን ኣልቡካይቲ ትማሊ ሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ ኣብ ልዕሊ የመን ዝግበር መጥቃዕቲ ዝቕጽል እንተዀይኑ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ መራኽብ ውግእ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዒላማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጹ።

ሑቲ ንርእሰ ከተማ የመን ዘጠቓልል ሰፊሕ ክፋልለታ ሃገር ዝቈጻጸር ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጕጅለ እዩ። ቀንዲ መሓዛ ሓማስ ኰይኑ ካብታ ቀንዲ ጸላኢት እስራኤል ከምዝዀነት ዝዝረበላ ኢራን ኣጽዋር ከምዝቕበል ይግመት።

ካብ 19 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ጽዕነት ብውሕዱ 27 መጥቃዕትታት ኣካይዱ።

እቲ ጕጅለ፡ ምስ ህዝቢ ቓዛ ዘለዎ ሓድነት ንምርኣይ፡ ናብ እስራኤል ዘምርሓ ወይ ብእስራኤል ዝውነና መራኽብ ዒላማ ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

እንተዀነ ገለ ካብተን ዝወቕዐን መራኽብ ምስ እስራኤል ንጹር ምትእስሳር የብለንን።

እቲ መጥቃዕቲ ዓበይቲ ትካላት መራኽብ ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ሓዲገን ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ዝነውሐ መስመር ክኽተላ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ድሮ ኣብ ቍጠባ ዓለም ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ። ዓቢ ትካል መራኽብ ማርስክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ታሕቲ ንዝርከቡ ዓማዊል እንከይተረፈ ዝጸሉ እዩ ኢሉ።

ትካላት መካይን ተስላን ቮልቮን ገለ ካብ ፍርያቶም ደው ዘበሉ ኰይኖም፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትካል መግቢ ቴስኮ ገለ ዋጋታት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ኢኬያ ድማ ቀረብ ክጽሎ ከምዝኽእል ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ሑቲ "ኣብ ሓደ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓቢ ምዝንባዕ ከስዕብን ዋጋታት ኣቑሑት ክውስኽን'ዩ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ ዝብል ስግኣት ወሲኹ።