ዒራቕ፡ ደገፍቲ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር ንቤተመንግስቲ ወሪሮም

ምንጪ ስእሊ, AHMED JALIL/EPA-EFE/REX/Shutterstock
ኣብ ዒራቕ፡ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝጸንሐ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቅልውላው ሓደ ካብ ቀንዲ ተጠመትቲ ሰባት ኰይኑ ዝጸንሐን ኣብ ፖለቲካ 'ታ ሃገር ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ፖለቲከኛታት ዝዀነን ሞቕታዳ ኣ'ሳድር፡ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ጥሮታ ይወጽእ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ደገፍቱ ንቤተመንግስቲ 'ታ ሃገር ዳግማይ ወሪሮም።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎ ተሪር መራሒ ሺዓ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ውሳነኡ ብትዊተር'ዩ ኣፍሊጡ።
ነዚ ስዒቡ ደገፍቱ ንቤተመንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምውራሮም ብዝተፈጥረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ መንግስቲ ብዛዕባ ምቛም ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ንህንጻ ፓርላማ ዒራቕ ብምውራር፡ ንሰሙናት ኣብቲ ኣፍደገ ዓሪዶም ተቓውሞኦም ክገልጹ ተራእዮም እዮም።
ሞቕታዳ ነዚ ሓድሽ ውሳነኡ ዘፍልጥ ዘሎ፡ ንዅሎም ‘ቶም ድሕሪ’ቲ ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራር ዒራቕ ስዒቡ ኣብ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ህይወት ዒራቕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ፖለቲካዊ መላፍንቱ ዝበዝሐ ወንበር ክረክብ እንከሎ፡ ድሒሩ ግን ኣባላት ባይቶኡ ምስ ሓደ ተቐናቓኒ ሰልፊ ሺዓ ብዛዕባ 'ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ምምራጽ' ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ስለዘይከኣሉ ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ይፍለጥ።
ንውሳነኡ ኣመልኪቱ ኣ’ሳድር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢደይ ከየእቱ ወሲነ ኣለኹ፣ መወዳእታ ምውጻእ ጥሮታይን ምዕጻው ኵለን ትካላት “ሳድሪስት” ኸኣ እእውጅ" ኢሉ። ገለ ምስ ምንቅስቓሱ ዝተኣሳሰራ ሃይማኖታዊ መርበባት ሓበሬታ ግን ክፉታት ኰይነን ክጸንሓ እየን።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዒራቕ ድሒሩ ከምዝሓበሮ፡ ኣ’ሳድር ክሳብ እቲ ዓመጽን ምጥቃም ኣጽዋርን ደው ዝብል ኣድማ ምሕሳም መግቢ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።
ወዲ 48 ዓመት ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዕቝድ ኣብ ህዝባውን ፖለቲካውን ህይወት ዒራቕ ዓብላሊ ሰብ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ‘ማህዲ’ ዝተሰምየ ሰራዊቱ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴን ንኣሜሪካን ንሓይሊ ልፍንታዊ መንግስቲ ዒራቕን ካብ ዝተዋግኡ ሓያላት ሚሊሻታት ኰይኑ ተቐልቂሉ።
ድሒሩ ድማ ነቲ ሓይሊ፡ ‘ብርጌድ ሰላም’ ኢሉ ዳግማይ ክሰምዮ እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንሓይልታት ምክልኻል ዒራቕ ዘቘሙ ዕጡቓት ሓይልታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ሰራዊት ማህዲ ምስ ኢራን ርክብ’ኳ እንተነበሮ፡ ኣ’ሳድር ኣብቲ ዳሕረዋይ እዋን ብፍላይ ካብታ ጐረቤት ዒራቕ ዝዀነት ሺዓ -ኢራን ብምርሓቕ፡ ሃገሩ ካብ ዝዀነ ጽልዋታት ኣሜሪካን ኢራንን ሓራ ክትከውንን ምትእትታው ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ዒራቕ ከብቅዕ ዝቃለስ ‘ሃገራዊ’ ኰይኑ ነብሱ ደሪቱ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ምትህልላኽ ኣ’ሳድር ዝነበሮ ተቐናቓኒ ፖለቲካዊ ውድብ ሺዓ ዝዀነ ‘ስርዓት ምውህሃድ’ ብቐንዱ ብኢራን ዝድገፉ ሰልፍታት ዘወሃሃደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ገዚፍ፡ ከቢብ ጸሊም ዕማመት ዘዘውትር፡ ጸሊም ሕብሪ ዓይኑን ግሩምን ዒራቓዊ ፖለቲከኛ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ነቶም ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ቀጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብልሽውናን ዝሳቐዩ ዘለው ተራ ዒራቓውያን ዝሕለቕን ናታቶም ተሪርን ሰፊሕን ደገፍ ዘለዎን እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ዒራቕ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ብቕጽበት ናብ ጐደናታት ከውሕዝን ከንቀሳቕስን ዝኽእል ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ እዩ።
ኣብ ሓምለን ነሓሰን ፓርላማ ዒራቕ ክልተ ግዜ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቱ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ንህንጻ ፓርላማ ወሪሮም ንሰሙናት ኣብኡ ዓስኪሮም እዮም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

