ሰለስተ ፍልስጤማውያን ተምሃሮ ኣብ ጥቓ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ብጥይት ተሃሪሞም

ምንጪ ስእሊ, HUSAM ZOMLOT/X
ስድራቤት ናይቶም ብቐዳም ኣብ ቨርሞንት ብጥይት ዝተሃርሙ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ተምሃሮ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ‘ናይ ጽልኢ ገበን’ ክምርምሮ ኣተሓሳሲቦም።
ሂሻም ኣዋርታኒ፣ ታሕሲን ኣሕመድን ኪናን ዓብደልሓሚድን ኣብ ጥቓ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ቨርሞንት ብሓደ ሰብኣይ ብጥይት ከምዝተሃርሙ ፖሊስ በርሊንግተን ገሊጹ።
መበገሲ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝዀነ ዝምርምር ዘለዉ ፖሊስ፡ እቶም ተምሃሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሎም እዋን፡ 'ኬፊየህ' ዝበሃል ባህላዊ ሻርባ ተኸዲኖምን ዓረብኛ ይዛረቡን ምንባሮም ገሊጾም።
ፖሊስ ነቲ ጥርጡር እቲ ገበን ኣብ ምድላይ ይርከብ።
ሓላፊ ፖሊስ በርሊንግተን ጆን ሙራ፡ ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ርጉእ ኩነታት ከምዘለዉ፤ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣዝዩ ዝኸበደ መጉዳእቲ ከምዝበፅሖ ገሊፁ።
ሰለስቲኦም ግዳያት፡ ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ቤት ትምህርቲ ራማላ ፍሬንድስ ስኩል ከምዝተማህሩ ኣባላት ስድራቤቶም ይዛረቡ።
ኮሌጅ ሃቨርፎርድ፡ ዓብደልሃሚድ፡ ሓደ ካብ ተማሃሮኡ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቶም ካልኦት ክልተ ድማ፡ ኣዋርታን ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ብራውን፡ ኣሕመዲን ድማ ተማሃራይ ትሪኒቲ ኮሌጅ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣኮ ሓደ ካብቶም ግዳያት ሪች ፕራይስ፡ እቶም ሰለስተ ግዳያት - ኩሎም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም- ኣብ ድግስ ልደት ሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
"እቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና ዘይንሓስቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ጥቓ ገዛውትና፡ ኣብ ሰጣሕ ጽርግያ እናኸዱ እዚ ከጋጥሞም እዩ ኢልካ ምሕሳብ እዩ" ኢሉ።
"ካብ ገዛና ምስ ወጹ [ድሕሪ] ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ድምፂ ዘስመዓን መብራህቲ ዘብራህን ናይ ፖሊስ መኪና ብገዛና ክሓልፉ ርኢና። ገለ ይኸውን ኣሎ ኢልና ሓሲብና።"
"እቶም ግዳያት ወዲ ሓወቦይን ኣዕሩኽቱን ክኮኑ እኦም ኢለ ኣይገመትኩን።"
ኣቐዲሙ፡ ስድራ ግዳያት ብመንገዲ እቲ ንፍልስጤም ዝድግፍ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ሚድል ኢስት ኣንደርስታንዲንግ ኣቢሎም ከምዝተፈትሑ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
"ኣኽበርቲ ሕጊ ነዚ ከም ናይ ጽልኢ ገበን ምሕሳብ ሓዊሱ፡ ዕሙቕ ዝበለ መርመራ ከካይዱ ንጽውዕ" ኢሎም።
"እቲ ገበነኛ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዘይቀረበ ግን ውሕስነት ኣይክስመዓናነን"።
ቤት ምኽሪ ርክባት ኣመሪካን-እስልምናን፡ ብዛዕብ እቲ ጥርጡር ሓበሬታ ንዝሃበ 10 ሽሕ ዶላር ሽልማት መዲቡ ኣሎ።
እዚ ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣመሪካ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዓመጽ ዝመልኦ መጥቃዕትን ብኢንተርነት ሓዊሱ ዝረአ ዘሎ፡ ጽልኢ-እስልምናን ጸረ-ሴማውያን ፍጻመታትን ኣብ እትገጥመሉ ዘላ እዋን'ዩ።
ሰነተር ቨርሞንትን ሕጹይ ፕረዚደንት ዲሞክራትን ነበር በርኒ ሳንደርስ፡ ነቲ ዓመጽ ዝኹንን ጽሑፍ ጽሒፉ።
ሚስተር ሳንደርስ፡ ኣብ ኤክስ [ናይ ቀደም ትዊተር]፡ "ሰለስተ መንእሰያት ፍልስጤማውያን ኣብዚ ኣብ በርሊንግተን፡ ቨርሞንት ብጥይት ምህራሞም ዘሰንብድን ኣዝዩ ዘሕርቕን'ዩ። ጽልኢ ኣብዚ፡ ይኹን ኣብ ዝኾነ ካልእ ከባቢ፡ ቦታ የብሉን" ኢሉ።
ሓላፊ ቆንስላ ፍልስጤም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣምባሳደር ሑሳም ዞምሎት ብወገኑ፡ ስእሊ ናይዞም ሰለስተ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ፡ "ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ዘሎ ናይ ጽልኢ ገበናት ደው ክብል ኣለዎ" ክብል ፅሒፉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
