ቅልውላው ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ቱርኪ ተተኲሱ

Published

ዜጋታት ንምግዓዝ ኣብ ከባቢ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓከር ኣየር ትዓልብ ዝነበረት ነፋሪት ቱርኪ ከምዝተተኮሰላ ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ኣረጋጊጹ።

እተኾነ ግን፡ እታ ነፋሪት ኣብቲ ካብ ካርቱም ከባቢ 22 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ መደበር ኣየር ዋዲ ሰይድና ብደሓን ክትዓልብ ከምዝኸኣለት ተገሊጹ።

ሰራዊት ሱዳን፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ከምዝተኮሰን ኣብ ስርዓተ ነዳዲ ጉድኣት ከምዘብጽሐን ወንጂሉ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (RSF) ግና ነቲ ክሲ ክነጽጎ እንከሎ ነቲ ተናዊሑ ዘሎ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ከምዘኽብር ሓቢሩ።

እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ዝጸንሐ ምቍራጽ ተኹሲ ካብ ሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ንተወሳኺ ሰለስተ መዓልትታት ክቕጽል ተሳማሚዖም ኣለው።

ነፈርቲ ኲናት፡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ደብዳብ ምክያድ ቀጺለን ብምህላወን ግና እቲ ጽልዋኡ ድሩት ኮይኑ'ሎ።

በቲ ኣቐዲሙ ዝተገበረ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ብዙሓት ሃገራት ስርሒታት ምግዓዝ ክውድባ እንከለዋ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብደሓን ካብታ ሃገር ክወጹ ክኢሎም ኣለው።

ንዜጋታት ቱርኪ ካብ መደበር ኣየር ዋዲ ሰይድናን ከተማ ፖርት ሱዳንን ንምግዓዝ ጻዕርታት ክቕጽል ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ቅድሚ 14 መዓልትታት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

እቲ ኲናት ኣብታ ከባቢ 10 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለዋ ዝግለጽ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ከቢድ ዕንወት ከውርድ እንከሎ ነበርቲ ብዘይ ቀረባት መግቢ፡ ማይን ነዳድን ይርከቡ።