ኣብ መቕለዊ ባዴላን ሜክኣፕን ዝርከቡ 'ጐዳእቲ ከሚካላት'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ፡ ናብ 'ፒኤፍኤኤስ' [PFAS] ናብ ዝተባህለ ከሚካል ምቅላዕ፡ መንሽሮን ጸገማት ወሊድን ዝኣመሰለ ከቢድ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ከም ዘኸትል ገሊጾም።
እዚ ከሚካል፡ ካብ መቕለዊ ባዴላን ሜክኣፕን [መመላኽዒ] ዝኣመሰሉ መዓልታዊ እንጥቀመሎም ኣማኢት ነገራት ዝርከብ ኰይኑ፡ ማይ ዘይትን ቀለምን ዝጸዓወር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ይገብሮ።
እዞም ኣቝሑ ድማ፡ እቲ ኬሚካል ከምዘይጠፍእ ይገብርዎ።
ሕጂ ግን ተመራመርቲ፡ ነዚ ‘ፎርኤቨር ኬሚካል’ ብትሑት ወጻኢ ንምጥፋእ ዘኽእሎም ሓድሽ ሜላ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም ኣለው።
ፒኤፍኤኤስ፡ ንጥረ ነገራት ‘poly- and perfluoroalkyl’ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ካብዞም ፍሎራይን ዝተመስርሑ ኣስታት 45 ሽሕ ዝዀኑ ውሁዳት ኣለው።
እዚኦም ኣብ ገዛና እንረኽቦም ፍርያት መዐሸጊ መግቢ፡ ዘይጣበቕ መብሰሊ መግቢ፡ መከላኸሊ ዝናብ፡ ወረቐትን ቀለማትን ዝኣመሰሉ እዮም።
ብተወሳኺ፡ እዞም ንጥረ ነገራት ብደረጃ ዓለም ብዝተሓተ መጠን ካብ ዝናብ ኣብ ዝርከብ ማይ’ውን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ’ዩ።
ይዅን’ምበር፡ ብዝለዓለ ደረጃ ናብ ውሽጢ ማይ ወይ መሬት ዘሪቘም እንተኣትዮም ጐዳእቲ ክዀኑ ይኽእሉ።
ብሰንኪ እዚ ዝህሉ ተቓላዕነት ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍላጥ ከኣ ቀጻሊ መጽናዕታት ይግበሩ ኣለው።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫድ ፕሮፌሰር ከሚስትሪ ከባቢ ዝዀነት ኤልሲ ሰንደርላንድ፡ “ኣብ ኵሉ ኣካላትና፡ ኣብ መንጐ ተቓላዕነትን ጐዳኢ ሳዕቤንን ዝዀነ ዓይነት ዝምድና ኣሎ’ዩ” ትብል።
ፒኤፍኤኤስ ንምጥፋእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጸንሐ ኣገባብ፡ ምቅጻል ኰይኑ ኣዝዩ ልዑል ሙቐት ዝጠልብን ክቡርን ኰይኑ፡ ኣመና ውጽኢታዊ ኸኣ ኣይኰነን።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ግን፡ ሕጂ ብዝተሓተ ወጻእን ዝተሓተ ሙቐትን ተጠቒምካ እዞም ኬሚካላት ምጥፋእ ይከኣል እዩ ይብሉ ኣለው።
ፒኤፍኤኤስ፡ ብዙሕ ካርበንን ፍሎራይንን ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ንምጥፋእ ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ። ሕጂ፡ ሶዲየም ሃይድሮክሳይድ ብምጥቃም ክጠፍእ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለው።
ሶድየም ሃይድሮክሳይድ፡ ኣብ ከም ሳሙና፡ መዐገሲ ቃንዛ ዝበሉ ኣብ ገዛና እንረኽቦም ምህርታት ዘሎ ከሚካል እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
