ኣመሪካ፡ ሂላሪ ክሊንተን ‘ካማላ ሃሪስ ነቲ ሓጹር ተፍርሰሉ እዋን ሕጂ’ዩ’ ኢላ

ሂላሪ ክሊንተር 2024

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኸፈተ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ንካማላማ ሃሪስ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ።

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ መደረኣ፡ ንሳ ንፕረዚደንትነት ኣብ እትውዳደረሉ ዝነበረት እዋን ቀዳመይቲ ጓል ኣንስትይቲ ፕረዚደንት ንምዃን ተቓሪባ ምንባራ ብምዝካር፡ እቲ ሽዕኡ ዝነቐዐ ሓጹር ሕጂ ካማላ ሃሪስ ዓነውነው ከተብሎ ከምእትኽእል ገሊጻ።

“እቲ ሓጹር ንገሌና ምስ ፈረሰልና፡ እቲ መንገዲ ንኹልና ጣጢሕልና’ዩ” ብምባል ምስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ እዋን ጎስጓስ ትዛረቦ ዝነበረት ሓረጋት ደጊማቶ።

ሄላሪ ክሊንተን: ኣብ 2016 ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን’ኳ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ተወዳዲራ እንተነበረት ክትዕወት ግን ኣይክኣለትን።

ትማሊ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ ከኣ እቲ ሽግ ናብ ካማላ ሃሪስ ዝርከበሉ እዋን ምዃኑ ብምዝካር መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጓል ኣንስተይቲ እትኾነሉ እዋን ሕጂ ምዃኑ ገሊጻ።

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2016 ንፕረዚደንትነት ኣብ እትወዳደረሉ ዝነበረት እዋን ምስ ናይ ሕጂ ብምውድዳር ዝተፈለየ መድረኽ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

ሂላሪ ክሊንተን: ኣብ እዋን ጎስጓስ ኣብ እተስመዓሉ ዝነበረት እዋን፡ ጾታኣ ማእከል ዝገበረ መደረ’ያ ተስምዕ ነይራ። ካማላ ሃሪስ ግን ጾታኣ ማእከል ገይራ ኣይኮነትን ጎስጓስ ትገብር ዘላ።

ማሎሪ ማክሞሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣደ መንበር ኮሚቴ ዋዕላ ሃገራዊ ዲሞክራስ ዝኾነት ሚንዮ ሙር ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሂላሪ ክሊንተን ንፕረዝደንትነት ዝተወዳደረት ቀዳማይቲ ጓል ኣንስትይቲ ብምዃን “ንብዙሓት መንገዲ ጸሪጋ’ያ” ድሕሪ ምባል “እንተኾነ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ኩነተ ኣእምሮ ሰባት ንምቕያር ኢና ንጽዕር ዘለና” ኢላ።

ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ዘካየዳ ብዙሓት ፖሎቲከኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖሎቲካ ብዙሕ ማሕለኻታት ከምዘጋጥመን’የን ገሊጸን።

ማሎሪ ማክሞሮ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚቺጋን ሰኔተር ኮይና ዝተመረጸት ፖሎቲከኛ’ያ፡ ንሳ ኣብ 2018 ኣብ እትወዳደረሉ ዝነበረት እዋን ሓንቲ ጓል ኣንስትይቲ: ቆልዑ ናይ ምውላድ መደብ እንተሃልይዋ ከምዝሓተታ ትዝክር።

“ናባይ ቅርብ ኢላ፡ እዚ ስራሕ ንኣዴታት ዝኸውን ኣይኮነትን ኢላትን” ትብል።

ማሎሪ ማክሞሮ ኣብ ታሪኽ ሚቺካን እታ ካልኣይቲ ኣብ ንጡፍ ፖሎቲካዊ ስራሕ እንከላ ቆልዓ ዝወለደት ፖሎቲከኛ ክትከውን’ውን ክኢላ።

ጁዲ ማውንት፤ ኣፍሪካዊት ኣመሪካዊት ኣደ መንበር ስልፊ ዲሞክራትስ ኣብ ፍሎሪካ ክትከውን ዝበቐዐት ፖሎቲከኛ’ያ።

ንሳ ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ በጺሐነኦ ዘለዋ ደረጃ ንኽበጽሓ ዓመታት ከምዝወሰደ ብምሕባር “ሰባት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ክህልዋ ኣይደልዩን’ዮም፡ በቃ ኣይደልዩን’ዮም” ትብል ብነድሪ።

ጁዲ ማውንት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2016 ንፕረዚደንትነት ኣብ ትወዳደረሉ ዝነበረት እዋን ብዙሕ መሰናኽላት የጋጥማ ከምዝነበረ ይንገር።

ሰባት ብኣቃውማኣን ብኣከዳድንኣን ካብኡ ሓሊፎም’ውን ብድምጻ እንከይተረፈ ይወቕስዋን የላጉጹላን ነይሮም።

ገለ ሰባት’ውን ብዓል ቤት ሂላሪ ክሊንተን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ምስ ሞኒካ ልዊንስኪ ሕቡእ ጾታዊ ርክብ ከምዘለዎ ኣብ ዝተኣመነሉ ከመይ ገይራ ምስኡ ሓዳራ ትቅጽል ኢሎም ይነቕፍዋ ነይሮም።

ሂላሪ ክሊንተን ብዶናልድ ትራምፕ ምስ ተሰዓረት ግን ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፖሎቲካዊ መድረኻት፡ ክወዳደራን ክስዕራን ተራእየን’የን።

ኣብ 2017 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ 19.1 ሚኢታዊት ዝነበረ ሕጂ ናብ 28.5 ሚኢታዊት ደይቡ ይርከብ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዩኒቨርስቲ ቺካጎ ብዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እቲ ካብ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ፖሎቲካ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበለጹ’ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ከምኡ ኢሉ ይቅጽል ከምዘሎ ይሕብር።

እንተኾነ፡ ካማላ ሃሪስ ክንድቲ ንሂላሪ ክሊንተን ዘጋጠመ መሰናኽላት ከጋጥማ ከምዘይክእል ማክሞሮ ትሕብር።

“ካብኡ ጀሚርና [ሂላሪ ክሊንተር ዝተወዳደረትሉ ዓመተ 2016] ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደራን ክስዕራን ርኢና ኢና፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ ንሕና ኮይንና ብነጻ ብተዓጻጻፍነትን ንኽንወዳደር ዘኽእለና መድረኽ ጣጢሑ’ዩ” ትብል።

ካማላ ሃሪስ ኣብ ክንዲ ኣብ ጾታኣ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገበቶ ዓወታት ኣቶኲራ’ያ ትጎስጉስ ዘላ።

ካማላ ሃሪስ ጓል 59 ዓመት’ያ፡ እቲ መወዳድርታ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ ትራምፕ ከኣ 78 ዓመት መሊኡ ኣሎ፡ ብዙሓት ከኣ ንዕድሚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝካየድ መረጻ ካማላ ሃሪስ ጸብለልታ ክህልዋ ከምዝኽእል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።