እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣርሰናል ንቪላ ረቲዓ ሕነኣ ክትፈዲ’ዶ ትኸውን? - ግምታት ክሪስ ሱተን እነሆ
ኣርሰናል ዓሚ ኣብ መዛዘሚ ግጥማት ፕሪምየርሊግ፡ ኣብ ሜድኣን ቅድሚ ደገፍታን ብቪላ እንተዘይትስዓር ነይራ ምናልባት እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ጻምእ ዋንጫ መልሲ ምረኸበትሉ ነይራ።
"ነዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ክከታተሎ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣለኹ" ይብል ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን።
ማንቸስተር ዩናይትድ እውን እንተዀነት ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ግጥማት ፕሪምየርሊግ ናብ ሜዳ ብራይተን ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ዘጋጠማ ከቢድ ስዕረት ዝርሳዕ ኣይኰነን።
ክሪስ ሱተን ኣብ ካልኣይ ሰሙን ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግዘዝ ግምታቱ ሂቡ’ሎ።
ብራይተን ኣንጻር ዩናይትድ
ብራይተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ጸወታ ንኤቨርተን ብቐሊሉ ከምዝረትዓታ ይዝከር። ኪሮ ሚቶማን ሓድሽ ፈራሚ ሚንቴን ኣብቲ ጸወታ ብሉጻት ነይሮም።
ብራይተን ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ፈላማይ ዓወት ምርካባ ጽቡቕ ጅማሮ እዩ።
ዩናይትድ እውን ብዘእምን መንገዲ እኳ እንተዘይኮነ ብዓወት ጀሚራቶ ኣላ። ኣብዚ ጸወታ ነጥቢ ክማቐላ እየን ዝብል ግምት ከምዘለዎ ሱተን ይገልጽ።
ግምት፡ ብራይተን 1 - 1 ዩናይትድ
ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ዌስትሃም
ክሪስታል ፓላስ ምስ ብሬንትፎርድ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ጽቡቕ ተጻዊታ እኳ እንተነበረት ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ተሳዒራ።
ኣብ ዌስትሃም ድማ ሓድሽ ምንቕቓሕ ተፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ጸወታ ግን ብማዕረ ዝውዳእ ይመስለኒ።
ግምት፡ ፓላስ 2 - 2 ዌስትሃም
ፉልሃም ኣንጻር ሌስተር
ፉልሃም ኣንጻር ዩናይትድ ኣብ ዝነበረ ግጥም ጽቡቕ ተጻዊታ እኳ እንተነበረት ካብ ስዕረት ግን ኣየምለጠትን። ተጻወትታ ካብቲ ጸወታ ነጥቢ ሒዞም ክወጽኡ ይግብኦም ከምዝነበረ ከምዝሓስቡ ርግጸኛ እየ።
ብኣንጻሩ ሌስተር ኣብ ዝሓለፈ ጸወታኣ ብቶተንሃም ተበሊጻ’ኳ እንተነበረት ኣብ ካልኣይ እብረ ግን ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ነጥቢ ተማቒላ እያ ካብ ሜዳ ወጺኣ።
ጄሚ ቫርዲ ናብ ፕረምየርሊግ ተመሊሱ ሸቶታት ከመዝግብ ምርኣይ ዘሕጕስ እዩ።
ኣብዚ ጸወታ እታ ኣብ ሜድኣ እትጻወት ፉልሃም ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ፉልሃም 2 - 0 ሌስተር
ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኢፕስዊች
ኢፕስዊች ከም በዓል ኣርማንዶ ብሮሃ፣ ሳሚ ስዛሞዲች፣ ሊያም ደልፍን ኦማሪ ሃቺሰንን ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ ዘፈረመት ጋንታ እያ።
ድሕሪ ዓመታት ናብቲ ሊግ ዝተመልሰት ኢፕስዊች ከይወረደት ክትጸንሕ ተስፋ እገብር።
ኣንጻር ሊቨርፑል ኣብ ዝነበረ ጸወታ ክሳብ መበል 60 ደቂቅ ዘርኣየቶ ብቕዓት ነዚ ዘረጋግጽ’ዩ።
ሕጂ ግን ኣንጻር እታ ሻምፕዮን ዝዀነት ሲቲ ትጻወት ስለዘላ፡ ብሰፊሕ ፍልልይ ክትስዓር እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ሲቲ 4 - 0 ኢፕስዊች
ሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት
ሳውዝሃምፕተን ኣንጻር ኒውካስል ኣብ ዝነበራ ግጥም ኣዝያ ጽብቕቲ እያ ነይራ። ግን ድማ ተኸላኻላይ ኒውካስል ብቀይሕ ምስ ተባረረ'ውን ሸቶ ከተመዝግብ ኣይከኣለትን።
ሳውዝሃምፕተን ካብቲ ጸወታ ዝዀነ ውጽኢት ክትረክብ ነይርዋ።
ብኣንጻሩ ፎረስት ንዳኒሎ ብማህሰይቲ ስለዝኸሰረቶ ከቢድ ሳዕቤን ሒዙላ ክመጽእ’ዩ። ይኹን እምበር ፎረስት ኣብዚ ጸወታ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ሳውዝሃምፕተን 0 – 1 ኖቲንሃም ፎረስት
ቶተንሃም ኣንጻር ኤቨርተን
ቶተንሃም ኣብ ቀዳማይ እብረ ኣንጻር ሌስተር ዝገበረቶ ጸዋታ ብውሑዱ 8 ሸቶታት ከተመዝግብ ዘኽእልዋ ዕድላት ረኺባ ነይራ።
ይኹን እምበር፡ ነቲ ዝረኸበቶ ዕድላት ክጥቀመሉ ኣይከኣለን። ነቲ ጸወታ ማዕረ እኳ እንተዛዘመቶ ኣነ ግን ከም ዝተሳዕረት እየ ዝቖጽራ።
ኤቨርተን እውን ድኹም ብቕዓት ብምርኣይ ብብራይተን ተሳዒራ። ቶተንሃም ነዚ ጸወታ ብሰፊሕ ፍልልይ ክትዕወተሉ እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት፡ ቶተንሃም 3 - 0 ኤቨርተን
ኣስቶንቪላ ኣንጻር ኣርሰናል
ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ዎልቭስ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ምስ ምሉእ ቁጽጽር ተዓዊታ ምውጽኣ ይዝከር።
ቪላ ድማ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ንዌስትሃም ብምስዓር ንጋነርስ ኣብ ሜድኣ ከተአንግዳ ተዳልያ ኣላ።
እዚ ጸወታ ብማዕረ ዝውዳእ እኳ እንተመሰለኒ፡ ኣርሰናል ግን ብጸቢብ ፍልልይ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣለዋ።
ግምት፡ ቪላ 1 - 2 ኣርሰናል
ዎልቭስ ኣንጻር ቸልሲ
ብዙሓት ተጻወትቲ ዘለዎ ኣሰልጣኒ ቸልሲ ነዚ ጸወታ ኣየኖት ተጻወትቲ ክመርጽ ከምዝኽእል ክርእይ ተሃንጢየ ኣለኹ።
ዎልቭስ ኣብ ሜድኣ ስለ እትጻወት ምስ ቸልሲ ነጥቢ ክትካፈል ዘጸግመላ ኣይመስለንን።
ግምት፡ ዎልቭስ 1 - 1 ቸልሲ
ሊቨርፑል ኣንጻር ብሬንትፎርድ
ብሬንትፎርድ ኣብ ልዕሊ ፓላስ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ተዓዊታ ምውጽኣ ከም ዕድለኛ እየ ዝቘጽራ። ቁልፊ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ዝዀነ ኢቫን ቶኒ ናብ ልምምድ ተመሊሱ ኣሎ። እንተኾነ ቶኒ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸይድ እዩ ዝብል ወረታት ይስማዕ ኣሎ።
ሊቨርፑል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸዋትኣ ጽቡቕ እያ ነይራ። ሞ ሳላሕ ኣብቲ ጸወታ ንጡፍ ነይሩ። ብሬንትፎርድ ንመስመር ምጥቃዕ ሊቨርፑል ክትገትኦ እትኽእል ኣይመስለንን።
ግምት፡ ሊቨርፑል 3 - 1 ብሬንትፎርድ