መቐለ፡ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ጸዲፉ ንስክላ ዝደሓነ መንእሰይ

ፊልሞን ይርጋ

ምንጪ ስእሊ, SM

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓደ መንእሰይ ትማሊ ምሸት ኣብ መቐለ ከባቢ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ጨልዓንቋ ኣብ ዝበሃል ፀድፊ ሸተት ኢሉ ወዲቑ።

ተምሃሮ ክህነት እንዳ ገብርኤል ብገመድ ከውፅእዎ እኳ እንተ ፈተኑ ኣይካኣሉን። ብድሕሪኡ ሓያል ማይን በረድን ስለ ወቐዐ ድማ ውሕጅ ንቝልቍል ወሲድዎ።

እቲ ገደል ኣስታት 200 ሜትሮ ንውሓት ከም ዘለዎ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይገልጹ።

እቲ መንእሰይ ኣብ ፍርቂ እቲ ገደል ኣብ ሓደ መንቀርቅሮ ኣትዩ፡ ህዝቢ ደብሪን ከባቢኣን ዝገብርዎ ሓርቢቱዎም። ኣደታት ክምህለላ ኣምስየን። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ደብሪ ክረይይን ኣብ ምእላሽ እኳ እንተ ተጓየዩ፡ ኣብ እዋኑ ዘርክበሎም ግን ኣይተረኽበን።

ሓያል ዝናብ ዝፈጠሮ ማይጫዕጫዕታ ተሓዊስዎ ፀልማት ምስ ኮነ መንእሰያት ደብሪ ነዊሕ ላምባዲና እናብርሁ ክከታተልዎ ከም ዝሓደሩ መንእሰይ ዳኒኤል ደስታኣለም ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ::

ሎሚ ለይቲ እቲ ከባቢ ፀፈፍ ምስ በለ፡ መንኣሰይ ናብ ታሕቲ ወሪዶም፡ ነዊሕ ኣስካላ ብምጥቃም ከውፅእዎ ፅዒሮም። ነዊሕ ገመድ ሰዲዶም ድማ መግቢ ኣብፂሖምሉ። እቲ መንእሰይ ኢዱ ስለ ዝተሰብረ ክወሳወስ ኣይከኣለን። ቀልቡ ስለ ዝሰሓተ እውን ድምፁ ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ መወዳእታ ፃዕሪ መንኣሰይ ደብሪ ሰሚሩ፡ እቲ መንእሰይ ብህይወት ክወፅእ ክኢሉ።

ህዝቢ ደብሪ ህይወት እቲ መንእሰይ ንምድሓን ዝገበሮ ፃዕሪ ቀፂሉ፡ ገንዘብ ኣዋፂኡ ናብ ሆስፒታል ሪምና ክወስዶ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስም መንደራት መቐለ ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት፡ እቲ ሓበሬታ ናብ ኵሉ ክባፃሕ ልዑል ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዓዲሓቂ እውን ሎሚ ንግሆ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ናብቲ ከባቢ ብምኻድ፡ ነቲ መንእሰይ ናብ ሆስፒታል ከብፅሖ ክኢሉ ኣሎ።

ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት፡ እቲ መንእሰይ ቀልቡ ስለ ዝተመለሰ መንነቱ ኣነፂሩ ኣሎ። ፊልሞን ይርጋ ይበሃል። ወዲ 22 ዓመት እዩ። ኣብ መቐለ ተቐማጢ ከባቢ ደብረዳሞ ቀጠና ሓደ ከም ዝዀነ ካብ ኣንደበት እቲ መንእሰይ ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ገሊፁ ኣሎ።

ኣደ ፊልሞን ኣብ ሽረ ከም እትርከብ'ውን ተገሊፁ። እነ እምበይትኡ ወ/ሮ ታደለች ገብረማርያም ምስ ወዲ ጓለን ተራኺበን ኣለዋ።

ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሓድነት፡ ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብቲ ፀድፊ ሰባት ሓደጋ ከም ዝወረዶም ብምዝኽኻር፡ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ኣብ መንጎ እቲ ገደል ተቐርቂሩ ሓዲሩ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጎ እቲ ገደል ተቐርቂሩ ሓዲሩ