እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ዕሸላት ንሰለስተ መዓልቲ ካብ ዝንሳፈፉሉ ቀላይ 'ብተኣምራት' ድሒኖም
ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ክልተ ዕሸላት ኣብ ጥቓ ገማግም ቀላይ ኪቩ እናተንሳፈፉ ተረኺቦም።
ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ከም ዝቐተለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዕሸላት ግን ብህይወት ከም ዝደሓኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
"ተኣምር'ዩ፡ ኵላትና ተገሪምና ኢና" ክብል መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ደልፊን ቢሪምቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወለዲ እቶም ዕሸላት ሞይቶም እዮም፤ እቲ ሕብረተሰብ ግን ምስ ከዕብይዎም ዝኽእሉ ሰባት ንምርኻቦም ይጽዕር ከምዘሎ ቢሪምቢ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቶም ዕሸላት ኣብቲ ቀላይ ንሰለስተ መዓልታት ብኸመይ ከይሞቱ ክጸንሑ ከም ዝኸኣሉ ንጹር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ተዓዘብቲ ግን ኣብ ልዕሊ ፍርስራስ ይንሳፈፉ ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
እቶም ዕሸላት ትማሊ ሰኑይ ከምዝደሓኑ - እቲ ሓደ ኣብ ብሹሹ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ንያሙኩቢ እዮም ተረኺቦም፤ እተን ክልተ ዓድታት በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ውሕጅ ኣዝየን ከምዝተሃስያ ሚስተር ቢሪምቢ ይዛረብ።
እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ዘሕዝን ዕልቕልቕ፡ ኣብ ኣቝሻት ብርክት ዝበሉ ሬሳታት ተደራሪቦምን ብኮቦርታ ተሸፊኖም ዘጨንቕ ትርኢታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ወኪል ሕክምናዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሜዲሲንስ ሳንስ ዶብ (MSF) ምስ መደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እተን ኣቝሻት "ሰብኣዊ ቅልውላው" የጋጥመን ኣሎ ክብል መጠን እቲ ሓደጋ ገሊጹ።
ሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ዝደሓኑ ዕሸላት እቲ ሓደ እግሩ ብኸቢድ ከም ዝተጐድአ ክትዛረብ ይስማዕ።
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኸበን "ንጥፈታት ምድሓን ህይወት ገና ይቕጽል" ከም ዘሎን መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ደልፊን ቢሪምቢ ሓቢሩ።
ጕጅለታት ሲቪል ማሕበራት እቲ ከባቢ ከም ዝሕብርዎ፡ 200 ዝቘሰሉ ሰባት ኣብ ማእከላት ጥዕና እቲ ከባቢን ኣብ ሓደ ሆስፒታልን ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
1300 መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ’ውን "ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ትሕተ ቅርጺ ማይን” ዓንዮም እዮም።
ግዳያት እቲ ውሕጅ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ ገሊጾም ነይሮም።
ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ደኒስ ሙክዌገን ካልኦት ብዙሓት ደቂ እቲ ከባቢ፡ ግዳያት ውሕጅ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ምቕባር ኰኒኖም እዮም።
እቲ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሩዋንዳ ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ልዕሊ 130 ሰባት ድሕሪ ምማቶም፣ ድሕሪ ሒደት መዓልታት’ዩ ኣጋጢሙ።
ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ውሕጅ ውጽኢት ምቅልጣፍ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ገሊጹ።
ሙቐት ዓለምና፡ ካብቲ ኣብ ዘመነ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ድሮ ብኣስታት 1.2 ሰልሺየስ ወሲኹ ኣሎ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንግስታት ኣብ ልቀት ትኪ ብርቱዕ ምንካይ እንተዘይገይረን ድማ እቲ ሙቐት እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።