ኢትዮጵያ፡ ንኣንበጣ ዝተነጽገ ጸረ-ባልዕ ኣብ 76 ቢልዮን ኣናህብ ጉድኣት ኣብጺሑ

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2019-2021 ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝተነጸገ ጸረ-ባልዕ ኣብ ልዕሊ 76 ቢልዮን ኣናህብ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መጽሔት ኣግሮኖሚ ዝተዘርግሐ መጽናዕቲ፡ ብሰንኪ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ዝተነጽገ ኬሚካላት፡ 76 ቢልዮን ንህቢ ካብ ቆፎኦም ክሃድሙ ወይ ክሞቱ ከም ዝገበረ ይሕብር።

ካብ 2019 ክሳብ 2021 ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕስለ ኣንበጣ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ዝነበረ እኽሊ ኣጥፊኡ ንውሕስነት መግቢ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ’ዩ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ዝዀነ ኣዲስ ቢሆነኝ፡ "ኣንበጣ ኣብ ተኽሊ ርኡይ ጉድኣት እንከብጽሕ ንህቢን ዕምበባታት ዝቐስሙ ካልኦት ነፍሳትን ብተዘዋዋሪ ይጎድእ’ዩ፤ ምኽንያቱ ብዘይ ተኽሊ ንህቢን ካልኦት ነፍሳትን ክነብሩ ኣይኽእሉን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2019 ክሳብ 2021 ዕስለ ኣንበጣ ንምጥፋእ ዝተነጽጉ ኬሚካላት ኣንበጣ ካብ ምቕታል ሓሊፉ ንህቢ ከምዝጎድእ ዝተረጋገጸ ከም ዝዀነ’ውን ኣመልኪቱ።

"እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ክንደይ ሄክታር መሬት ዘራእቲን ካልኦት ኣትክልትን ጉድኣት ከም ዘውረደ መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ንህቢ ዝወረደ ዘይቀጥታዊ ጉድኣት ከነርኢ ፈቲንና" ይብል።

ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ሶማልያ፡ ዓፋር፡ ምብራቓዊ ኣምሓራን ኣብ ዶባት ትግራይ'ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንህቢ ዝወርድ ጉድኣት ከም ዘጠቓልል ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንገለ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምጥፋእ እትጥቀመሎም ጸረ-ባልዕ መድሃኒታት ኣብ ቀጻሊ ኣብ ከባቢ ዘስዕቦ ከቢድ ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ተኣጊዶም ምህላዎም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እዚ ጸረ-ባልዕ ክነጽግ ከሎ፡ ንህቢ እውን ግዳይ ናይቲ ኬሚካል ይዀኑ እዮም።

"ማላቲዮንን ክሎርፓይሪፎንን ዝበሃሉ ኬሚካላት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምስ ኣየር፡ ሓመድን ማይን ይሕወሱ፡ ስለዚ እቶም ዝተረፉ ንህቢ ኣብቲ ዝሰርሕዎ መዓር እቲ ኬሚካል ክህልዎም ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣሎ።"

ኣብ ሶማልያ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ዘጋጠመ ዕስለ፡ እታ ዝተመሓየሸ ዓይነት ኬሚካል ከም ዝተጠቐመት እቲ ክኢላ ይሕብር።

ኣብዚ መጽናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምህርቲ መዓር ካብ 2017 ክሳብ 2021 ብ80 ሚእታዊት ከምዝነከየን እዚ ድማ ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዝዀነን ተጠቒሱ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምቍጽጻር እኳ እንተተዓወተት፡ እቲ ዝተነጽገ ኬሚካል ብተዘዋዋሪ መንገዲ ጉድኣት ከየብጽሕ ዝሓሸ ዓይነት ኬሚካል ክትጥቀም ከም ዝነበራ እቲ ምሁር ተዛሪቡ።

ኣቶ ኣዲስ እቲ ጉድኣት ንምምካት ንህቢ ከም ብሓድሽ ምርባሕን ተኽሊ ምትካልን መፍትሒ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።