እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓማስ፡ ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም ናይ ዝበሎም ጅሆ ዝጸንሑ ሰባት ቪድዮ ዘርጊሑ
ሓማስ፡ ብደብዳብ ኣየር እስራኤል ተቐቲሎም ናይ ዝበሎም ክልተ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያን ሬሳ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።
ሓማስ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እቶም እስራኤላውያን ብህይወት እናሃለዉ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ ዝነበረ ኰይኑ፡ እስራኤል ደብዳብ እንተቐጺላ ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እስራኤል ነቲ ዜጋታታ ብደብዳበ ነፈርቲ ተቐቲሎም ዝብል ነጺጋቶ ኣላ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ንሓማስ “ስነልቦናዊ መጥቃዕቲ” ብምፍጻም ከሲሱ።
ወተሃደራዊ ጸቕጢ ተወሰኽቲ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክፍትሑ ከምዝሕግዝ እውን ገሊጹ።
እቲ ብሰኑይ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ሓንቲ ኖዋ ኣርጋማኒ ዝተባህለት ብጸቕጢ እትዛረብ ኣንስተይቲ፡ ምስኣ ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ትዛረብ።
ካብቶም መወትቲ ሓደ ዝዀነ ወዲ 38 ዓመት “ብመጥቃዕቲ ናይ ባዕልና ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል” ተቐቲሉ ክትብል እውን ትስማዕ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሰባት ኣብ ፍስራስ ከምዝተቐበሩ ብምሕባር ተዋጋእቲ ሓማስ “ህይወተይ ኣብ ምድሓን ተዓዊቶም” ኢላ።
እቲ ቪድዮ መዓስ ከምዝተቐደሐ ኣይፍለጥን።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ ነቲ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብሰራዊት እስራኤል ኣይተቐተሉን ኢሉ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ናይ ሓማስ ሓሶት እዩ” ኢሉ።
“እቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ህንጻ ዒላማ ኣይተገበረን።”
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮቭ ጋላንት ብግደኡ፡ “ሓማስ ብሓይልታት እስራኤል ተወቒዑ እዩ፤ ተሪፍዎ ዘሎ ንቤተሰባት በቲ ድኹም፡ ስነ ኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ምፍጻም እዩ” ኢሉ።
ቀጻሊ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
“ገለ ኣብ ዝደልዩሉ ጥራይ እዮም ንዓና ዘዛርቡና” ይብል።
“ብዘይ ዋጋ ተዅሲ እንድሕር ደው ኣቢልናሎም፡ ኣይከዛርቡናን እዮም።”
እቲ ብሰንበት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ጓል 26 ዓመት ኣርጋማኒ ምስ ካልኦት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ብህይወት እንከለዉ ዘርኢ እዩ። ሰራዊት እስራኤል መጥቃዕቲ ደው ኣቢሉ ከፍተሖም ድማ ይጽዋዕ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ቪድዮ፡ “ብዛዕባ ዕጫኦም ጽባሕ (ሰኑይ) ክነፍልጠኩም ኢና” ዝብል ጽሑፍ ነይሩ።
ኣርጋማኒ፡ ሲቪርኪን ሳልሳዮምን ካብቶም ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ጅሆ ሒዙ ዝወሰዶም 240 ሰባት እዮም።
ዝበዝሑ ሰላማውያን ዝዀኑ ኣስታት 1200 ሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም። ኣስታት 132 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ሕጂ እውን ኣብ ቓዛ ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ክትጅምር ዝገበረ ኰይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 24 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለት ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።
ካብ ነበርቲ ቓዛ እቶም 85 ሚእታዊት ከምዝተፈናቐሉ ሰብመዚ ፍልስጤም ይሕብሩ።
ዋላኳ ኣብዚ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ይኣቱ እንተወሃለወ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ግን ነቲ ኵነታት “ዘይጽወር” ክብል ይገልጾ።
ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰኑይ ደብዳባት ቀጺሎም ዝወዓሎ ኰይኖም፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ቓዛ ምስ ሚልሻታት ተዋጊኦም።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ጽዕጹዕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ቀረባ ከምዝዛዘም ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።