ኬንያ 2500 ምሁራን ሰራሕተኛታት ናብ ስዑድ ዓረብ ክትልእኽ እያ

ቅድሚ ሕዚ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝተልኣኹ ኬንያውያን ሓኻይም

ምንጪ ስእሊ, OUH

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕዚ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝተልኣኹ ኬንያውያን ሓኻይም
Published

ኬንያ ክእለት ዘለዎም ሸቃሎ ናብ ስዑድ ዓረብ ንምልኣኽ፡ ምስ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ከም ዝተሰማምዐት ተገሊፁ።

ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ፡ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት፡ ኬንያ ኣብ ፈላማይ ዙር ንሰብሞያ ጥዕና ሓዊሱ 2500 ምሁራት ሸቃሎ ናብ ስዑድ ዓረብ ከም ትልእኽ ኣፍሊጡ።

ሩቶ፡ “ቅድሚ ሕዚ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ኢና ንልእኽ ነይርና። ሕዚ ግና ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ናብ ስዑድ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ክንልእኽ ኢና” ኢሉ።

ዊሊያም ሩቶ፡ እቶም ናብ ስዑድ ዓረብ ዝለኣኹ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ኣብ ወርሒ 200 ሽሕ ሽልንግ (1 ሽሕን 300 ዳላር) መሃያ ከም ዝኽፈሎም ሓቢሩ።

ኬንያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነዘ፡ ሓኻይም ናብ ኣውሮጳ ትልእኽ ኣላ፡ ካልኦት ንምልኣኽ’ውን ምስ መንግስታት ስምምዓት ኣብ ምኽታም ትርከብ።

ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝኸተመቶ ስምምዕ፡ ዛጊድ ኣስታት 100 ኬንያውያን ሓኻይም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተላኢኾም።

ፕረዝደንት ዊልያም ሩቶ፡ ን 200 ሽሕ ኬንያውያን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብ ጀርመን ከም ዝኸደ ይዝከር።

እቲ ፕረዝደንት ኣብ ዓለም ትጉሃት ሰራሕተኛታት ብምዃን ፅቡቕ ሽም ዘለዎም ዜጋታት ኬንያ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣማራፅታት ክርእይ ከም ዝፀንሐ ገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ’ውን ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ሃገራት ወፃኢ ዕድል ስራሕ ብምድላይ፡ ናብ ኬንያ ሸርፊ ወፃኢ ክልእኹን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁፅሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ንክንክዩ ድሌት ከም ዘለዎምመ ተዛሪቡ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኬንያ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታታ ኣብ ሕርሻ ንክዋፈሩ ናብ እስራኤል ከም ትልእኽ ወግዓዊ ገይራ።

ኵናት እስራኤል-ጋዛ ምውልዑ ስዒቡ ግና፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ንእስራኤል ራሕሪሖም ወፂኦም።

ብዝሒ ነታ ሃገር ራሕሪሖም ዝወፅኡ ድማ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ታይላንዳውያን ሸቃሎ ከም ዝኾኑ ይግለፅ።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣለሻ ሸቃሎ ገፃ ናብ ኣፍሪቃ ክትገብር ተገዲዳ። ሚኒስትር ሰራሕተኛ ኬንያ ምስ መንግስቲ እስራኤል ብመሰረት ዝኸተሞ ስምምዕ፡ ንስራሕቲ ሕርሻ ናብ እስራኤል ዝኸዱ ኬንያውያን፡ ኣብ ሰለስተ ዓመት ብዝሕደስ ውዕሊ፡ ወርሓዊ 1500 ዳላር ኣሜሪካ እናተኸፈሎም ክሰርሑ እዮም።