አብ ሻምናይ ውድድር ኣፍሪማ ኢትዮጵያውያን ደረፍቲ ተዓዊቶም

ኢትዮጵያውያን ደረፍቲ ኣብ ሽልማት ሙዚቃ መላእ ኣፍሪቃ (ኣፍሪማ) እዚ ዓመት ብዝተፈላለየ ዓውዲታት ከምዝተዓወቱ ተገሊጹ።
ኣብ ሻምናይ ሽልማት ኣፍሪማ ብዝተፈላለየ ጅር ተሓጽዩ ዝነበረ ካስማሰ፡ ‘ሰዋሰው’ ብዝብል ደርፊ ኣብ ዓውዲ ብሉጽ ኣርቲስት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዓዊቱ።
ካስማሰ ብሉጽ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣርቲስትን ብሉጽ ኣነቓቓሒ ሙዚቃ ኣፍሪቃን ኣብ ዝብሉ ጅራት እዩ ሕጹይ ኰይኑ ቀሪቡ ነይሩ። ‘ሰዋሰው’ ብዝብል ደርፉ ድማ ብዓውዲ ብሉጽ ቪድዮ ሙዚቃ ማራናታ ተገኘ ተሓጽያ።
ካልእ ኢትዮጵያዊ ጉቱ ኣበራ እውን ‘ዴሚ’ ብዝብል ደርፉ ብሉጽ ናይ ኣፍሪቃ ጃዝ/ብጕጅለ ኣብ ዝብል ዓውዲ ተዓዊቱ።
ጉቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ነቲ ሽልማት ብምዕዋቱ ከምዝተሓጐሰ ገሊጹ።
“ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኸበረ ሽልማት ምዕዋት ክብሪ እዩ” ክብል እውን ጽሒፉ።
ኣብዚ ዓውዲ ኣዲስ ለገሰ “እንጃ’ ብዝብል ደርፉ፡ ጃኖ ባንድ ድማ ‘ዘብናናው’ ብዝብል ሙዚቃ ሕጹያት ኰይኖም ቀሪቦም።
ኣብቲ ኣብ ሰኔጋል ዳካር ዝተሳለጠ ሻምናይ ‘ኦል ኣፍሪካ ሚዩዚክ ኣዋርድ’ ወይ ኣፍሪማ፡ ቴዲ ኣፍሮ፡ ቤቲ ጂ፡ ሄዋን ገብረወልድ፡ ኣዲስ ለገሰን ሌንጮ ገመቹን ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ሕጹያት ኰይኖም ዝቐረቡ ኢትዮጵያውያን እዮም።
ኣብዚ ውድድር ቤቲ ጂ ‘ሰማይ’ ብዝብል ደርፋ ንብልጽቲ ደራፊት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣዲስ ለገሰ ድማ ‘እንጃ’ ብዝብል ደርፉ፡ ንደራፋይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሕጹያት ኰይኖም ቀሪቦም።
ሄዋን ገብረወልድ እውን ‘ሼሙና’ ብዝብል ደርፋ ኣብ ሕጹያት ብልጽቲ ደራፊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣትያ።
ኣብ ብሉጻት ባንድታት ኣፍሪቃ ጃኖ ባንድ ‘ዘብናናው’ ብዝብል ደርፊ፡ ብብሉጽ ጕጅለ ሬገ፡ ራጋን ዳንሶልን ኣፍሪቃ ድማ ቴዲ ኣፍሮ ‘ናዕት’ ብዝብል ደርፉ ሕጹያት ኰይኖም።
ኣብ ጕጅለ ብሉጽ ባህላዊ ሙዚቃ ኣፍሪቃ፡ ቤቲ ጂ፡ ሌንጮ ገመቹ ከምኡ ድማ ሄዋን ገብረወልድ ብ ናይዚ ዓመት ሓድሽ ፍሉጥ ሕጹያት ኰይኖም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ናይጀርያውያን ደረፍቲ ኣሳኪ፡ በርና ቦይን ደቪዶን ብዙሓት ሽልማታት ሓፊሶም ኣለዉ።
ኣሳኪ ብናይዚ ዓመት ሓድሽ ፍሉጥ፡ በርና ቦይ ብሉጽ ደራፋይ እዚ ዓመት፣ ዶቪዶ ናይዚ ዓመት ኣነቓቓሒ ደራፋይ ኣፍሪቃ፣ ዊዝኪድ ድማ ብሉጽ ስነ ጥበባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብምዃን ተዓዊቶም።
‘ታላ’ ዝብል ናይ ኣይቮሪኮስታዊ ዲቢ ቢ ደርፊ ፡ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ደርፊ ኰይኑ ተሓርዩ።
ሰኔጋል ውድድር ኣፍሪማ ብምድላው ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላማይቲ ኰይና።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
