ሬሳ ክልተ ዕሸላት ኣብ ገዛ ተረኺቡ፡ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ሓደ ገዛ ሬሳ ክልተ ቈልዑ ድሕሪ ምርካቡ፡ ፖሊስ ብሪድገንድ ንሰለስተ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሲሩ።
ሰብመዚ ፖሊስ፡ ዊልድሚል ብሪድገንድ፡ደቡብ ዌልስ ቀቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ኣብ ብሪድገንድ ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ደዊሎም።
ክልተ፡37 ከምኡ'ውን 47 ዝዕድመኦም ሰብኡትን ሓንቲ 29 ዝዕድመኣ ጓለንስተይትን ንምውላድ ናይቶም ዕሸላት ክሓብኡ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ተጠርጢሮም ተኣሲሮም።
ሳፕት ማርክ ኣትወል ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ደቡብ ዌልስ፡ “ዘሰቅቕ” ክብል ነቲ ኵነታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝዀነ ብዛዕባ’ዚ ተጓንፎ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንፖሊስ ክሕብር ተማሕጺኑ’ሎ።
"ሰፊሕ መርመራታት ስለዝቕጽል ኣብቲ ከባቢ ህላወ ፖሊስ ክቕጽል'ዩ፤ ዝዀነ ሓበሬታ ወይ ስክፍታ ዘለዎ ሰብ ምስ መኮንናት ፖሊስ ክዘራረብ ነተባብዕ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

