'ወተሃደራት ኤርትራ ንኣኰይ ቀቲሎሞ' - ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

Published

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብታ ብኵናት ዝዓነወት ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ንኣኮኡ ከም ዝቐተልዎ ኣፍሊጡ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቁሸት ካልኦት 50 ሰባት ብወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን'ውን በዚ ዘጋጠሞ ኵነታት ከም ዝተናወጸ ዝርአ እዚ ካብ ተጋሩ ስድራ ዝመጽአ ዳይረክተር፡ “ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣይነበርኩን” ክብል ተኣሚኑ።

ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ቀሪቡላ ዘሎ ክሲ ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።

እንተዀነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ‘ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንመድረኽ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣፈኛ ወጻኢን ተሓላቕን ህወሓት ኰይኑ ብኽልቲኡ ይጥቀመሉ’ሎ’ ክብል ንዶክተር ቴድሮስ ክኸሶ ምጽንሑ ይዝከር።  

ዶክተር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተዛረበሉ፡ “ብቐዳም፡ ኣኰይ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐተለ ተረዲአ” ኢሉ።

“ንኣደይ ኣዛሪበያ፡ ካብ ስድራኦም እቲ ናይ መወዳእታ (ንእሽተይ) ስለዝነበረ ብጣዕሚ እያ ሓዚና።  ምሳይ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ኢና ነይርና” ዝበለ እቲ ወዲ 57 ዓመት ዳይረክተር ጀነራል ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቁሸት ይዅን እዋን ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ዶክተር ቴድሮስ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ “ክጸንዕ’ዩ፡ እዚ ዕብዳን ከኣ ደው ክብል’ዩ” ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ እቶም መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ጐረቤት ክልል ኣምሓራን ኣካል እቲ ስምምዕ ኣይኰኑን።

ኵናት ትግራይ ኣብ መወዳእታ 2020 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ሰሜን ብሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልላዊ ሓይልታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ድሕሪ ምእዛዙ’ዩ ተባሪዑ።

ኣብ መንጐ'ቲ ብኣቢይ ዝምራሕ መንግስትን መራሕቲ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ ትግራይ ዝዀነ ህወሓትን ዝነበረ ምትፍናን ድሕሪ ምዕራጉ እዩ እቲ ኵናት ተወሊዑ።

ብሰንኪ እዚ ደማዊ ኵናት፡ ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፤ ካልኦት 350 ሽሕ ዜጋታት ድማ ኣብ ኵነታት ጥሜት ይርከቡ።