'ንዝናብ ክረምቲ፡ ንኣምላኽ ንጽበ ኣለና' - ቃልሲ ባርዕ በረኻ ፈረንሳ

ናይ 34 ዓመታት ውህሉል ልምዲ ዘለዎ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ጂሮንደ ዝዀነ ሄርቨትሬንቲን፡ ኣብ ወሰን ሓደ ብሓዊ ዝተቓጸለ ክፋል ጫካ ደው ኢሉ ንብዓቱ ክጸርግ ይርአ። ትሬንቲን፡ ኣብታ መዓልቲ ንግሆ ጥራይ ንኻልኣይ ግዜ እዩ በኽዩ።
"ሓዚነ፡ እዚ ጫካና እዩ። ክቃጸል ምርኣይ ልብኻ ዝሰብር'ዩ፡" ይብል።
ትማሊ ቀዳም ንግሆ፡ ትሬንቲን ሒደት ኣባላት ዘለውዋ ጕጀለኡን ኣብ ዞባ ጂሮንደ ካብ ትርከብ ፈረንሳዊት ከተማ ቦርዶ ንደቡብ ገጽ ነቲ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ቦታ ዝተዘርግሐ ባርዕ በረኻ ክቈጻጸሩ ይቃለሱ ነይሮም።
እቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፡ እቲ ባርዕ ካብቲ ጫካ ንኸይዝርጋሕ ዝዓግት ክፉት ቦታ ምፍጣር እዩ። እዚ፡ ንዓመታት ዝሰልጠኑሉ ሜላ እዩ።
ትሬንቲን ግን ብውልቁ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝዓበየ፡ እቲ ባርዕ ስምዒታዊ ክኸውን ገይርዎ።
"ነዚ ጫካ ከምቲ ዝነበሮ ዳግማይ ኣይክርእዮን እየ፣ ክሓስቦ እንከለኹ ጥራይ ከቢዱኒ፡" ይብል። "ዕድመይ 53 ዓመት እዩ፡ እዚ ጫካ ድማ ንኽሓዊ ልዕሊ 30 ዓመት ከድልዮ'ዩ።"

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ባርዕ በረኻ ኣጋጢሙ ነይሩ። ሽዑ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝኣተወ መሲሉ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ሙቐት ስለ ዘይቀነሰ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ደረቕ ኵነታት ዝልዓል ሓዊ፡ ዳግማይ ሓደስቲ ባርዕ ስለዘቀላጠፎ፡ 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ተቓጺሉ እዩ።
ህዝቢ ጂሮንድ፡ ካብቲ ሽዑ ዘጋጠመ ናይ መወዳእታ ባርዕ በረኻ ትንፋስ ከይረኸበ እንከሎ እዩ ሕጂ’ውን ምስ ባርዕ ዝቃለስ ዘሎ።
ትሬንቲን፡ ኣብቲ ናይ ሓምለ ባርዕ እውን ክሳብ 48 ሰዓታት ከይዓረፈ ኣብ ማእከል ሃልሃልታ ኰይኑ ተቓሊሱ እዩ። "ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ባርዕ ርእየ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ። "ኣብ 1991ን 1997ን ዘጋጠሙ ዓበይቲ ባርዕ እዝክር'የ። ግን ክንድዚ ብቕልጡፍ ኣይተዘርግሑን።"
እዚ ሓድሽ ባርዕ ዝኸፍአ እዩ። እቶም ኣግራብ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ደሪቘም ነይሮም። "እቶም ተረርቲ ኣዕጻው ከይተረፉ ከም ሓሰር ተቓጺሎም፡" ይብል ትሬንቲን። "መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ተሪር ዕንጸይቲ ኣንጻር እቲ ባርዕ ንኽሕግዘና ኢና ንጥቀመሉ።"
ቀዳም ንግሆ፡ ትሬንቲንን ኣባላት ጕጅለኡን፡ እቲ ባርዕ ንኸይዝርጋሕ ዕንቅፋት ዝዀነ ክፉት ቦታ ንምፍጣር ኣብ ዙርያ ሓያሎ ኣባይቲ፡ ንገለ ክፋል ጫካታት የቃጽሉ ነይሮም። ቅድሚ እቲ ባርዕ ዝርከብ ክፋል ጫካ ብምቅጻል፡ ዝዀነ ተቓጻጺሊ ንብረት ድማ ይኣልዩ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት፡ ትሬንቲንን ጕጅለኡን ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን፡ ንፋስ ኣንጻሮም ተገልቢጡ። እቲ ቀዳማይ ምልክት፡ ብእግሮም ኣቢሉ ዝሓለፈ ዝሑል ኣየር ከምዝነበረ ይገልጽ። እቲ ሓዊ እናቐረበ ክመጽእ ከሎ ነቲ ኣየር ስለ ዝመጥጥ እዩ ከምኡ ዝኸውን።
ስለዚ ቐልጢፎም ናብቲ ድሮ ዘቃጸልዎ ቦታ ኸይዶም ተንበርኪኾም። ኣብ ማእከል እቲ ሓፊስ ትኪ ኰይኖም ህድእ ኢሎም ከስተንፍሱ ፈተኑ። እቲ ሃልሃልታ ብቐሊሉ ክኸቦም ይኽእል እዩ። ትሬንቲን፡ "እቲ ኵነታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ኰይኑ። እቲ ሓዊ ናባና ከም ዝመጽእ ተረዲኡና፡" ይብል።
ሕጂ ኣብ ጂሮንደ፡ ልዕሊ 1000 ፈረንሳውያን መጥፋእቲ ሓዊ ይርከቡ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጹ መሳርሕቶም ነቲ ባርዕ ኣብ ምቅላስ ይሕግዝዎም ኣለዉ። ኵሎም ክንዲ ናይ ትሬንቲን ዝኣክል ልምዲ የብሎምን። ንገሊኦም ድማ፡ ካብኦም ብዝቐልጠፈ ዝስጕም ኣዝዩ ገፊሕ ባርዕ በረኻ ክርእዩ ንመጀመርታ ግዜኦም እዩ።
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ባርዕ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ትሬንቲንን መሳርሕቱ ክሪስቶፍ ዱቦይስን ኣብቲ ጫካ እናሰርሑ ከለዉ፡ ከም ኵዕሶ ዝኸብብ ሓዊ ናብኦም ገጹ ክበርር ርእዮም። "ከም ማዕበል ኣብ ልዕለኻ ዝመጽእ'ዩ፡ ክትብድሆ ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል ዱቦይስ። "ናብ መሬት ወዲቕካ ተዘርጊሕኻ ክትድቅስ ኣለካ።"

ኣርባዕተ መናእሰይ መሳርሕቶም ግን ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ተሪፎም። ዱቦይስን ሓደ መሳርሕቱን ማይ ክነጽግዎምን ንታሕቲ ክስሕብዎምን ተጓይዮም። ግን ካልኢታት'ኳ ነዊሕ ስለዝነበረ፡ ካብቶም ኣርባዕተ እቶም ክልተ ኣብ እግሮምን ገጾምን ካልኣይ ደረጃ መጕዳእቲ ባርዕ ኣጋጢምዎም።
"ነዚ ስራሕ ፍቕሪ እንተዘይሃልዩካ ክትሰርሖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ተሪርቲ ደቂ ተባዕትዮ ክንመስል ንኽእል ኢና ግን ስምዒታውያን ኢና። ንጫካ፡ ንተፈጥሮ ፍቕሪ ኣለና። ክቃጸል ክትዕዘቦ ቃንዛ'ዩ፣ ዘሕምም ቃንዛ።"
ድሕሪ ነዊሕን ከቢድን ንግሆ፡ እታ ጕጅለ ናብቲ ኣማኢት መጥፋእቲ ሓዊ ዝርከብሉ መዕረፊ መዓስከር ተመሊሶም።
ምሳሕ እናበልዑ ብዛዕባ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ባርዕ መሬትን ኣብ ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዝተቓጸለ ኣስታት 6200 ሄክታርን ኣዕሊሎም።
ሓላፊ ታክቲክ መጥፋእቲ ሓዊ ዞባ ሃውት-ጋሮን ዣን-ፒየር ሌ ካንፍ፡ "ን40 ዓመታት ኣብ መጥፋእቲ ሓዊ ሰሪሐ እየ፣ ከምዚ ዓይነት ባርዕ ግን ርእየ ኣይፈልጥን፡" ይብል። "ንዝናብ፡ በረድ፡ ክረምቲ፡ ንኣምላኽ ኢና ንጽበ ዘለና።"
ክሊማ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ኵሎም ይሰማምዑ። "ብዛዕባ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ብርግጽ ንዘራረብ ኢና፡" ይብል ሌ ካንፍ። "ንርእዮ ኣለና፡ ይስመዓና። ሎሚ ዓመት፡ ዝገርም'ዩ። ኣብ ኣኽራናት ድሕሪ ሕጂ በረድ የለን፡ ኵሉ ደረቕ'ዩ፡ መጓሰ ዝበልዕዎ የብሎምን።"
ድሕሪ ምሳሕ፡ እታ ጕጅለ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰ ብኸቢድ ተቓጺላ፡ ነበርታ ዝጠንጠንዋ ወሰን ቁሸት ቤሊን-ቤልየት ናብ ዝርከብ ከባቢ ጫካ ተጸዊዓ።
ክላውዲ ዲኮርኔዎ ትበሃል ነባሪት፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ጥቓ ገዛኣ ልዑል ሃልሃልታ ኣብ ዘምጽኣሉ እዋን፡ ካብ ገዛኣ ክትወጽእ ተነጊርዋ'ኳ እንተነበረት፡ ንሳ ግን ምኽሮም ነጺጋ ኣብቲ ጥሪት ተዕብየሉን ዕንጸይቲ ትሸጠሉን ገዛኣ እያ ጸኒሓ። ቀዳም፡ ኣብቲ መሬታ ተወሳኺ ክፋል ከቃጽሉ እንከለው ደው ኢላ ትዕዘቦም ነይራ።
"እንስሳታተይ ገዲፈ ክኸይድ ኣይደልን፡ ኣብዚ ድማ ሓደስቲ ባርዕ ከይልዓል ክከታተል ስለ ዝኽእል፡ ዝያዳ ረብሓ ዘለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ" ትብል ዲኮርኔዎ። ትሬንቲንን ጕጅለኡ ነቲ መሬት ከቃጽልዎ ክትርኢ እንከላ ግን በኽያ።

መሬት ዲኮርኔዎ ክቓጸል ከሎ እቲ ሙቐት ብርቱዕ ነይሩ። እቲ ሃልሃልታ ኣብቶም ኣግራብ ምስ በጽሐ፡ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ብቕልጡፍ ኣጥፊኦምዎ። እቲ ሃብታም ጫካ ዝነበረ ከባቢ ግን ምሉእ ብምሉእ ተቓጺሉ ምድረበዳ ኰይኑ ክተርፍ እዩ።
ሓዊ ስርሖም ምስ ወድኡ፡ እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ናብ መኻይኖም ተመሊሶም ብዛዕባ ጽባሕ ምሸት ከውግዑ ጀሚሮም። ህቦብላ ከም ዝመጽእ ይግምቱ፤ ልዑል ንፋስ፡ ምናልባት በርቂ፡ ግን ውሑድ ዝናብ ከምዝህሉ ትጽቢት ይገብሩ።
"ዘፍርሕ'ዩ" ይብል ትሬንቲን። "ዝናብ ክዘንብ ድዩ ኣይዘንብን ኣይንፈልጥን። ንፋስ እንተሃልዩ፡ ከምኡ'ውን በርቂ እንተሃልዩ፡ እቲ ሓዊ ክገድድ'ዩ።"
እቲ ህቦብላ፡ ኣስታት ፍርቂ ለይቲ ከምዝጅምር ተገሚቱ ነይሩ። ከባቢ ሰዓት 11 ምሸት፡ በርቅን ነጎዳን ጀሚሩ፡ ዝናብ'ውን ከምኡ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
