ኣብ ኲናት ዓዲ ኣውዓላ ዝተታሕዙ ምሩኻት ኲናት ዶ ግዳያት ፕሮፓጋንዳ ዝዀኑ ሲቪል?

ሰመረን ገብሩን

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV

መግለጺ ስእሊ, ሰመረ ገብረሂወትን ገብሩ ኣልኣዛርን
Published

ኣዝማድ ናይ ‘ቶም ብመደበር ተለቪዥን ትግራይ ከም ኤርትራውያን ምሩኻት ዝቐረቡ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ፈጺሞሞ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ ሰብኣዊ ግህሰት ተቓዊሞምዎ።

ብ30 ግንቦት፡ ተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣውዓላ ምዕራብ ትግራይ ተማሪኾም ዝበሎም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ሚድያ ምስ ኣቕረቦም፡ እቲ ዛንታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። 

ተሌቪዥን ትግራይ፡ "[ብ24 ግንቦት] ክልተ በራጌድ ናይ ክፍለሰራዊት 57ን፣ ሓደ በጦሎኒ ናይ መበል 21 ክፍለሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ጥቓ ዓዲ ኣውዓላ ኣብ ዝርከብ ገዛ ጊለ ዝበሃል ቦታ ንሓይልታት ትግራይ ኣጥቂዖም" ክትብል ጸብጺባ።

እታ ተሌቪዥን፡ እቶም ሰመረ ገብረሂወት፡ ገብሩ ኣልኣዛር፡ ዑመር ዑስማንን የዕብዮ ክፍላይን ዝተባህሉ ምሩኻት ዝበለቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ወተሃደራት፡ ኢትዮጵያውያን ከም ዝቐተሉን ከም ዝጋፍዑን ገሊጻ።

ክልተ ኣባላት ስድራ ናይቶም ምሩኻት ተባሂሎም ኣብ ቲቪ ትግራይ ዝቐረቡ ሰባት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ንኣዝማዶም ዝቐረበሎም ክሲ ነጺጐምዎ።

ንሰመረ ንእሽቶ ሓው ሕሩይ ገብረሂወት፡ “ሰመረ፡ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኣእምሮኣዊ ድኻም ዘለዎ ስንኩል እዩ።  ኵነታቱ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ ሕማም ምንፍርፋር (ኢፕለፕሲ) ኣለዎ። ብዘይ መድሃኒት ዋላ ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይክእልን’ዩ፡" ኢሉ።

ክፍሎም ገብረሂወት ዝተባህለ ካልእ ሓው እውን፡ ሰመረ ብምኽንያት ጥዕናኡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኣቱ ከም ዘይበቅዕ ዝሕብር ሰነዳት ናብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ልኢኹ። ስድራ ቤት ሰመረ ክፍሎም፡ ስድራኡ ተወለድቲ ሸሸቢት እትበሃል ኣብ ኤርትራ እትርከብ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ  ዘላ ዓዲ ከምዝኾነ’ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ሓጋይ፡ ሸሸቢት ኣብ እትበሃል ቊሸትና እትርከብ ንእሽቶ ሓጽቢ ስለእትነቅጽ ሰባት ማሎም ንኸስትዩ፡ ናብቲ ቀንዲ ፈለግ ክወርዱ ኣለዎም። ብ8 ሚያዝያ 2022 ከኣ፡ ተቐማጦ ሸሸቢት፡ ሰመረ ገብረሂወት፡ ገብሩ ኣልኣዛር፡ ኢሳይያስ ምሕረትኣብን ሃብቶምን፡ ማሎም ንኸስትዩ ናብ ሩባ ሸሸቢት ወሪዶም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ሩባ ከኣ ሽዱሽተ ኣባላት ጸጥታ ትግራይ ንበዓል ሰመረ ሒዞምዎም። ሓደ ካብኦም ግን ኣምሊጡ ንዓዲ ከይዱ እቲ ዘጋጠሞም ከምዝነገረ ክፍሎም ይሕብር።

ቢቢሲ ነቲ ካብ ኣሕዋት ሰመረ ንዝረኸቦ ሰነዳት ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ባረንቱ ንዝርከብ ተወካሊ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስንኩላን ኤርትራ ኣቶ ከበዶም ኣስመላሽ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ሰመረ ካብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣባል እቲ ማሕበር ከም ዝዀነ እዩ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ዝተመሓላለፈ ቃለመሕትት፡ ሰመረ፡ 41 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለን ልዕሊ 35 ኣንስትን ኣዋልድን ከም ዝዓመጸን ገሊጹ።

ሓው ክፍሎም ግን፡ "ጠባይን ባህርን ሰመረ ስለዝፈልጥ እቲ ንሱ ዝበሎ ብፍርሒ ከምዝኾነ እዩ ዘረድኣኒ" ብምባል ነቲ ኑዛዜ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ።

ቲቪ ትግራይ፡ ገብሩ ኣልኣዛር ሂብዎ ንዝተባህለ ኑዛዜ እውን ኣቃሊሓ ነይራ። ገብሩ ሲቪልን ብውሕዱ ን10 ምሩኻት ኵናት ከምዝቐተለን ተዛሪቡ።

ኣብ ጀርመን ዝነብር ገብረማርያም ማርቆስ ዝበሃል ንገብሩ ወዲ ሓወቦኡ ክኸውን እንከሎ፤ ገብሩ፡ ብ1993 ኣብ ሸሸቢት ከም እተወልደን ብሰንኪ ጸገማት ስድራቤት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ ምዃኑን ሓቢሩ።

"ገብሩ ኣብ ስድራኡ ብዘጋጠመ ጸገማት ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ ክኣሊ ንማሉ እናጓሰየ ንወለዱ ክድግፍ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ገብረማርያም፡ "ሰመረን ገብሩን ምስ ጠፍኡ ነበርቲ ዓድን እቲ ከባብን ንወለዶም የጸናንዑዎም ነይሮም” ኢሉ ።

ቲቪ ትግራይ ኣብ ናይ 30 ግንቦት ፈነውኡ፡  ሰመረ፡ ገብሩ፡ ዑመር ዑስማንን የዕብዮ ክፍላይን ኣብ ጥቓ ዓዲ ኣውዓላ ኣብ ዝነበረ ግጭት ከም ዝተማረኹ ገሊጹ ።

ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ ኣዝማድ ሰመረን ገብሩን ንዝሃቡዎ ምላሽ ኣመልኪትና ሓበሬታ ካብ ሓለፍቲ ሰራዊት ትግራይን ቲቪ ትግራይን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።