ብሰብመዚ ትግራይ ተኣሲሮም ዘለዉ 5 ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሲፒጄ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, facebook
ትካል ተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት ዝዀነ ሲፒጄ፡ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብ መዚ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴለቪዥን ትግራይ ኣሲሮም ምህላዎም ብምግላጽ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ።
ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንሰራሕተኛታት ተለቬዥን ትግራይ ዝኾኑ ተሾመ ጠማለው፡ ምስግና ስዩም፡ ሓበን ሓለፎም፡ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ከምኡ’ውን ዳዊት ሞኮነንን ንዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ኣሲረሞም ከምዘለዉ እቲ ትካል ገሊጹ።
ቢቢሲ ትግርኛ’ውን ንምእሳር እዞም ጋዜጠኛታት ዝምልከት ኣብ 14 ሰነ 2022 ዜና ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር።
ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ነቶም ጋዜጠኛታት “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ብምባል ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝኣሰርዎም ሲፒጄ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ገሊጹ።
ንሲፒጄ ምስክርነቶም ዝሃቡ፡ ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ላዕለዋይ ጋዜጤኛ ዝነበረ ኢሳቕ ወልዳይን ምስቶም ጋዜጠኛታት ቅርበት ዘለዎን፡ እቶም ጋዜጠኛታት ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ምስ ሰልፊ ብልጽግናን ተሓባቢርኩም ብዝብል ምኽንያት ከምዝተኣሰሩ ይገልጹ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ምስግና ስዩምን ተሾመ ጠማለውን ምስ'ቲ ትካል ተሌቪዥን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ‘ብገምጋም’ ተኣጊዶም ከም ዝጸንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሓበን ሓለፎም፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን’ውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ’ኳ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም እንተነበሩ፡ እቲ መስርሕን ውሳነን ቤት ፍርዲ ግን ንጹር ከምዘይኮነ ሲፒጄ ገሊጹ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ሲፒጄ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝኾነት ሙቶኪ ሙሞ “ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ብዝኾነ ፖለቲካዊ ድፍኢት ግዳያት ክንከውን ኢና ካብ ዝብል ፍርሒ ናጻ ኮይኖም፡ ብናጻ ክሰርሑን ክነብሩን ክፍቀደሎም ኣለዎ” ምባላ ኣብቲ ብሲፒጄ ዝወጽአ መግለጺ ተሓቢሩ።
ንሳ ብምስዓብ “እዞም ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ኣለዎም፡ ሰብመዚ ትግራይ’ውን ንኣባላት ፕረስ ካብ ምስርጣይን ምእሳርን ደው ከብሉ ኣለዎም ጎኒ ጎኒ እዚ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ’ውን ጋዜጠኛታት ከም ድላዮም ስርሖም ከይሰርሑ ዓጊትዎም ዘሎ ምዕጻው ቴሌኮሙኒኬሽን ናብ ንቡር ክመልስዎ ኣለዎም” ኢላ።
ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚራ ንዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ መራኸቢታት ዝርከቦ ህዝባዊ ኣግልግሎታት ተሓሪምዋ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብክልላዊ መንግስቲ ዝውነን ተለቬዠን ትግራይ፡ መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቲ ሓይልታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸርዋ ክሳብ ሰነ 2021 በቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ’ዩ ዘመሓድራ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ዳግማይ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸርዎ እቲ ተመስሪቱ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሰሞ።
ኣብ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ሓበን ሓለፎም ከም ኣቕራቢ መደባትን ላዕለዋይ ጋዜጠኛን፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ናይ ኦንላይን ኤዲተር፡ ምስግና ስዩም ዳይረክተር ትምህርታዊ መደባት፣ ተሾመ ጠማለው ዳይረክተር ኣገልግሎትን ካልኦት ቋንቋታት ኢትዮጵያን ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ሲፒጄ ይጠቅስ።
ሓበን፣ ዳዊትን ሃይለሚካኤልን ቅድሚ ምእሳሮም ካብ ስራሕ ደው ከምዝብሉ ተገይሮም ነይሮም’ዮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
