እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሱዳን፡ ስድራታት ዶብ ንክሰግሩ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ይሕተቱ'ለዉ
ካብ ሱዳን ዝሃደሙ ስድራቤት፡ መራሕቲ መካይን ኣውቶቡስ ተኻሪዮም ናብ ግብጺ ንምስጋር 40 ሽሕ ዶላር (31,810 ፓውንድ) ይሕተቱ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ፍሉይ ፍቓድ ዘለዎም ብኣውቶቡሳት ዝጓዓዙ ሰባት ጥራይ እዮም ነቲ ዶብ ክሰግሩ ዝኽእሉ። ብእግሪ ምሕላፍ ክልኩል እዩ።
ኣብ ዶብ ግብጺ ተዓጽዮም ካብ ዘለዉ ኣሽሓት ሰባት፡ ስድራቤት ፋዲ ኣቲባኒ ይርከቦም።
ሰለስተ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈት እዛ ስድራቤት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ካብ ዝነበረ ውግእ ኣምሊጣ ወጺኣ።
ፋዲ ኣታባኒ፡ ሓንቲ ጓል 88 ዓመት ሰበይቲ ዝርከብዎም ስድርኡ ኣብ ሕማቕ ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ኣብዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣለዉ። መሕደሪ ገዛ የለን። ሰባት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ [ኣብ] ፍራሽ ይድቅሱ ኣለዉ" ክብል ካብ ዶባዊት ከተማ ወዲ ሓልፋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ኣባላት እታ ስድራቤት ዜግነት እንግሊዝ ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣታባኒ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ይውከስ ኣሎ።
"ኣብዚ ኣብ ማእከል በረኻ ኢና ዘለና። ንጥዕና ደቀይ ውሑስ ኣይኰነን። መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ምውጻእ ክሕግዘኒ ወይ ድማ ዶብ ክትሰግር እትኽእል ኣውቶቡስ ክሰደለይ እደሊ" ኢሉ።
ኣታባኒ፡ መራሕቲ ኣውቶቡሳት ውሽጢ ዓዲ፡ ነቶም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዝርከቡ ተጓዓዝቲ ይብለጹሎም ኣለዉ፡ ክብሉ ከሲሱ።
"ኣብ ንቡር መዓልቲ ኣውቶቡስ ንምክራይ ዝወጽእ ወጻኢታት 3000 ዶላር እዩ። ሎሚ ሰባት ናብ ዶብ ኣውቶቡስ ንምክራይ 40 ሽሕ ዶላር ይኸፍሉ ኣለዉ፡ ን30 ኪ.ሜ ጥራይ" ይብል።
"መን ክንድዚ ዓይነት ገንዘብ ኣለዎ? ባንክታት ተዓጽየን ነይረን፡ ኤቲኤም ማሽናት ኣይሰርሓን እየን" ይብል፡ እቲ ወዲ 53 ዓመት።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ስማ ክትገልጽ ዘይደለየት ነባሪት ካርቱም ሆስና፡ ክልተ ደቃ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ተዓጽየን ከምዘለዋ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ናብ ዶብ ንምኻድ ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ 400 ዶላር ክፍሊት ከምዝተሓተታ ገሊጻ። እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ እቲ ጉዕዞ ኣስታት 25 ዶላር ወጻኢታት ጥራይ ዝሓትት እዩ ነይሩ።
ሆስና ቅድሚ እቲ ግጭት ምጅማር ከተማ ኣስዋን ግብጺ ኣትያ።
"ደቀይ ኣብ ከባቢና ቁርፅራፅ መዳፍዕ ክወድቕ ርእየን እየን። ናብዚ ከምጽአን ኣይከኣልኩን። ዝሕግዘን በዓል ቤት ይኹን ወዲ የብለይን። ገንዘብ ንምቑጣብ መዓልታዊ እየ ዝሰርሕ" ትብል።
ነቲ ገንዘብ ክትረክብ ንምፍታን፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ኣስዋን ማእከል ስደተኛታት ዝኾነት መደበር ኣውቶቡስ ኣብ እንዳ ሻሂ ናይ ምግልጋል ስራሕ ጀሚራ ኣላ ።
"ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ዓንያ እያ። ንሳቶም [ተዋጋእቲ] ኣብ ገዝኦም ንዝርከቡ ሰባት ዒላማ ይገብሩ ኣለው" ትብል ሆስና።
ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ህፁፅ ደገፍ ሓይልታትን (RSF) ግጭት ብ15 ሚያዝያ ጀሚሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም እዮም።
ብሰኑይ ክልቲኦም ወገናት ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ተሰማሚዖም፡ ብሓሙስ ድማ እቲ ውግእ ደጊስዎ።
እቲ ውግእ ነታ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ ከተማን ከባቢኣን የዕንዋ ኣሎ። ህዝቢ ድማ ብዘይ ቀረብ ምግቢ፣ ማይን ነዳድን ይተርፍ ኣሎ።
ሚስተር ኣታባኒ፡ ውሑዳት ኣቑሑት ክዳውንቲ ጥራይ ሒዙ ካብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ገዝኡ ከምዝወጸ ገሊጹ።
"ኩሉ ክቡር ንብረተይ ኣብ ገዛይ ገዲፈ እየ ካብ ካርቱም ወጺአ። ኣብኡ ገዛ ኣለኒ ድዩ? ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። በቃ ዝከኣልና ጥራይ ሒዝና ኢና ወጺእና" ኢሉ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣዝማድ፡ ካብ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሓገዝ ንምርካብ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከምዝገበሩ ይዛረቡ።
ዜጋታት ብሪጣንያ ካብቲ ኣብ ጥቓ ካርቱም ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ወዲ ሰይድና ጥራይ ክወጹ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮምዎም።
ሚስተር ኣታባኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ኢሉ።
"ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓደጋ ትኸይድ ይብሉኻ፡ ስለምንታይ ንስድራይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ?"
ብሓሙስ ቱርኪ ኣብ ወዲ ሰይድና ክትዓልብ እትኣቱ ዝነበረት ናይ ምውጻእ ነፋሪት ከምዝተተኰሰላ ገሊጻ።
ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ሱዳን እግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ዘይርጉእን ሃዋህው፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ንምውጻእ ብጽዑቕ ክሰርሕ ጸኒሐ" ኢሉ።
"ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ብሪጣንያ ቀዳምነታትና እዮም፡ ካብታ ሃገር ክወጹ ዝደልዩ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ናብ ማእከል ምውጻእ ብሪጣንያ ክገሹ ንላቦ። ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዝኾነ ሓገዝ ክንሰርዕ ኣይንኽእልን ኢና" ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ።
ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ፡ ክሳብ ሓሙስ ምሸት 897 ሰባት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ወዲ ስዒድና ብነፋሪት ከምዝወፁ ኣፍሊጡ።