እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕታት 40 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ሰብኣዊ ዞባ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕትታት፡ ብውሑዱ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ብዙሓት ከም ዝተጐድኡን፡ ብሓማስ ዝምራሕ በዓልስልጣን ሲቪላዊ ምክልኻል ኣፍሊጡ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ነፈርቲ ኲናት እቲ ሰራዊት ኣብ ከሃን ዩኒስ “ንማእከል ስርሒታት ሓማስ” ከም ዝደብደባ ብምሕባር ኣብ ሰላማውያን ሰባት “ጉድኣት ከይወርድ ናይ ምክልኻል ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ” ኢሉ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሰለስተ መጥቃዕትታት እስራኤል ነቲ ኣብ ከተማ ከሃን ዩኒስ ንኣንፈት ምዕራብ ዝርከብ ሰብኣዊ ዞባ ኣል-ማዋሲ ንዝርከብ መጽለሊ ተመዛበልቲ ዒላማ ከም ዝገበሩን፡ ገዚፍ ጐዳጕዲ ከም ዝፈጠረን ገሊጾም።

ዳይሬክተር ስርሒታት በዓልመዚ ሲቪላዊ ምክልኻል ፍልስጤም፡ በዚ መጥቃዕቲ “40 ሰባት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 60 ተጐዲኦም፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተደብዮም” ብምባል ንቢቢሲ ገሊጹ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ከቢድ ነትጕ ንከባቢ ኣል-ማዋሲ ከም ዘናወጾን ሃልሃልታ ናብ ሰማይ ክድይብ ከም ዝረኣዩን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ዝነብር ገባሪ ሰናይ ኻልድ መሓመድ፡ ንሱን ካልኦት ወለንተኛታትን ንምሕጋዝ ተጓይዮም ከም ዝኸዱን ብመጠን እቲ ዝወረደ መዓት ከም ዝሰምበዱን ገሊጹ።

መሓመድ፡ “እቶም መጥቃዕትታት ሸውዓተ ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎም ሰለስተ ዓበይቲ ሃጓፋት (ጐዳጕዲ) ፈጢሮም፤ ልዕሊ 20 ተመዛበልቲ ዘጽለልሎም ቴንዳታት ድማ ተደብዮም” ኢሉ።

ዘይተረጋገጹ ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል፡ ሰላማውያን ሰባት ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተደበዩ ፍልስጤማውያን ንምድሓን ነቲ ብመጥቃዕትታት ኣየር ዝተፈጠረ ጕድጓድ ብኢዶም ክዅዕቱ የርእዩ።

ወሃቢቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ሰራዊት “ ኣብቲ ሰብኣዊ ዞባ ዝዀነ ከሃን ዩኒስ ይንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣሸበርቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ቅድሚ እቶም መጥቃዕትታት ድማ ኣብ ሲቪላት ጉድኣት ከይወርድ ስጕምትታት ተወሲዶም’ዮም” ኢሉ።

ሓማስ፡ኣብቲ ሰብኣዊ ዞባ ይንቀሳቐሱ ነይሮም ንዝብል ክሲ እስራኤል ጻዕዳ ሓሶት ብምባል ነጺግዎ።

እዚ ምንቅስቓስ፡ “ኣባላቱ ኣብ ሲቪላት ሰባት ከም ዘይሕብኡን መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ዝዀኑ ከባቢታት ንወተሃደራዊ ዒላማ ከም ዘይጥቀመሎምን” ብምግላጽ ንዝቐርቡ ክስታት ብተደጋጋሚ ነጺግዎም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኲናት ቓዛ-እስራኤል ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ከሃን ዩኒስ ከም ዝሃደሙ ይፍለጥ።

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ፡ ኲናት ቓዛ-እስራኤል ተወሊዑ።

እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ትገልጽ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ድማ፡ እዚ ኲናት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ 40,900 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ’ዩ።