ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ሄኖክ ሰኣን ክትትል ከም ዝሞተ ኣብ ዝገለጸሉ፡ እታ ነርስ ይቕረታ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, Family
ኤርትራዊ ሄኖክ ዛይድ ብ12 ነሓሰ 2021 ኣብቲ ዝእለየሉ ዝነበረ ሆስፒታል 'ነብሱ ቀቲሉ' ካብ ዝበሃል፡ ቤት ፍርዲ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ክሰምዕ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቅንያት ቤት-ፍርዲ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ሰራሕተኛታት "ብቐረባ ስለ ዘይተኸታተልዎ" ከም ዝሞተ ገሊጹ።
በቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ክትትል ክግበረሉ ይግባእ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሰለስተ ሰዓታት ደሃዩ ዝገበረ ሰብ ከም ዘይነበረ እቲ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።
ነቲ መሳለጥያ ዘካይድ ኤን ኤች ኤስ ትራስት፡ ነቲ ጥዕና ዘይነበሮ መንእሰይ 'እኹል' ክንክን ከም ዘይገበሩን ምሉእ ብምሉእ ይቕረታ ከም ዝሓተቱን ገሊጹ።
እቶም ነባሮ ቤት-ፍርዲ ብተወሳኺ፡ እታ ተማሃሪት ነርስ ንምሕጋዙ ኰነ ምክትታሉ ዝኣክል ከም ዘይገበረት፣ እዚ ድማ ንሞቱ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ገሊጾም።
ካልኦት ሰራሕተኛታት'ውን፡ ነቲ ሕሙም ከምቲ ክገብሩዎ ዝግባእ ጽቡቕ ገይሮም ከም ዘይተኸታተሉዎን ከም ዘይሓገዙዎን ደምዲሞም።
ኣብቲ ኣብ ኮቨንትሪ ዝተኻየደ መርመራ ቤት-ፍርዲ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ነቲ ሕሙም ዘይመርመሩዎ ክንሶም ክንክን ከም ዝገበርሉ ንኸምስሉ ወረቓቕቲ ከም ዝሰንዑ ተገሊጹ።
እታ ንመወዳእታ ግዜ ንሄኖክ ዝመርመረቶ ተማሃሪት ነርስ ኤሚ ኤድዋርድስ ንቤት-ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጸቕጢ ደሙን ምቘቱን ክትዕቅን ከባቢ ሰዓት 1፡55 ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ክፍሉ ከም ዝተላእኸት ገሊጻ።
ኣብ ኣፍደገ ኰይና ክትዕዘቦ ከላ፡ "ኪድ ርሓቒ፣ ግደፍኒ፡" ከም ዝበላ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ።
ኣብቲ እዋን፡ "ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ከም ዝደሊ፡" ከም ዝገለጸላ ከኣ ሓቢራ።
እቲ ኣብ ቤት-ፍርዲ ዝተራእየ ቪድዮ፡ ሄኖክ ካብ ዓራቱ ርሒቑ ኣብ ምድሪ-ቤት ናይቲ ክፍሊ ኮፍ ኢሉ ይርአ። ነርስ ኤሚ ኤድዋርድስ ድማ ኣብ ካልእ ሸነኽ ኣብ ጥቓ ዓራት ደው ኢላ ከም ዝነበረት ኣረጋጊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ድሕሪ ሰዓት 2:00 ድሕሪ-ቐትሪ ከም ዝሞተ ቤት-ፍርዲ ሰሚዑ። እቶም ሰራሕተኛታት ከኣ ድሕሪ ሰዓት 5፡00 ድ.ቐ ኣብ ክፍሉ በጺሖም።
እታ ክትትል ክትገብረሉ ዝነበራ ነርስ፡ ኣብታ ዝሞተላ ድሕሪ-ቐትሪ፡ ደሃይ ሄኖክ ኣይገበረትን። ኣብ ጸገም ከይትኣቱ ብምስጋእ ድማ ትዕዝብትታታ እተስፍረሉ ወረቐት ዳግማይ ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ከም ዝነበራ ኣሚና።
ካልእ ሰራሕተኛ "ተጋግየ" ከም ዝበለት ክትገልጽ ከላ፡ ሳልሳይ ሰራሕተኛ ከኣ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ሓሶት መዘኻኸሪታት ክጽሕፍ ከም ዝነገሮ ገሊጹ።
እዚ ኣዝዩ ኩዕሶ እግሪ ዝፈቱ ዝነበረ ሄኖክ፡ ሕያዋይን ተጫራቓይን ከም ዝነበረ ስድራቤቱ ይምስክርሉ። ገና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ናብ ስደት ብምምራሕ፡ ኣብ ግንቦት 2020 እዩ ምድረ-በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።
ነቲ ማእከል ዘካይድ ትራስት ኤን ኤች ኤስ፡ ብዛዕባ ሞት ሄኖክ ኣብ ዝገበሩዎ መርመራ ዝተረኽቡ ጸገማት ንምእራም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ኣገባብ ኣሰራርሓኦም ብምምሕያሽ፡ እቲ ክፍልታት ውሑስ ክኸውን እውን ገይሮም ኣለዉ።
እቲ ማእከል ሕክምና ወሲኹ፡ "ንስድራቤት ሄኖክን ፈተውቱን ብዝተሰምዖም ጓሂ ኣዚና ንሓዝን፡" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
