ኣመሪካ፡ ንጕጅለታት ገበን 'ክትድምስስ' ምዃና ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ንጕጅለታት ገበን ወጻኢ "ክትድምስስ" እያ ክብል ኣጠንቂቝ።
ሩቢዮ ኣብ ኢኳዶር ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ "ሕጂ ነዞም ሰባት ረኺብና ክንድምስሶም ክሕግዙና እዮም፡ ከምኡ ዝድለ እንተዀይኑ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ነቶም 'ሎስ ሎቦስ' ከምኡ'ውን 'ሎስ ቾነሮስ' ዝተባህሉ ክልተ ካብ ዓበይቲ ጕጅለታት ገበን ኢኳዶር "ትካላት ግብረሽበራ ወጻኢ" ኢላ ክትብይን ምዃና ኣፍሊጡ።
እዚ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ስርሒታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ዝወሃብ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ መንነቶም'ኳ እንተዘይገለጸ፡ 11 ነጋዶ ዕጸፋርስ ከምዝቐተለ ግን ገሊጹ ነይሩ።
ሩብዮ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ከም በዓል ሜክሲኮን ኢኳዶርን ዝኣመሰላ መሓዙት ኣመሪካ ዝመጹ ኣሰጋገርቲ ብሓይልታት ኣመሪካ "በይናዊ መጥቃዕቲ" ከጋጥሞም ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ እንክምልስ፡ "መሻርኽቲ መንግስታት" ኣስገርቲ ኣብ ምልላይ ክሕግዙና እዮም ክብል መሊሱ።
እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ወሲኹ፡ "ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ እዞም ጕጅለታት ኲናት ክካየድ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ እዩ፤ ምኽንያቱ ን30 ዓመታት ኣብ ልዕሌና ኲናት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም፣ ዋላ ሓደ ድማ ግብረመልሲ ኣይሃበን፡" ኢሉ።
"እንተዀነ ከምዚ ዓይነት ስጕምታት ምስ መሓዙት መንግስታት ኣድላይነት የብሉን፤ እተን መንግስታት ባዕላቶም ክሕግዙና'ዮም።"
እዚ ተባሂሉ ግን፡ መንግስታት ኢኳዶርን ሜክሲኮን ኣብ ከምዚ ዝበለ ወተሃደራዊ ስርሒት ክሕግዙ ብዛዕባ ምዃኖም ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ኣብ ደቡባዊ ካሪብያን ኣብ ልዕሊ'ታ መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ነቶም ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ናብ ኣመሪካ የጓዕዙ ነይሮም ዝበሎም ኣባላት ቬንዙዌላዊ ጕጅለ 'ትረን ደ ኣራጉዋ'፡ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ስጕምቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርን ዝጥሕስ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ሓሙስ ኣጋምሸት ድማ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ቬንዙዌላ ናብ ጥቓ መርከብ ኣመሪካ ቀሪበን ከም ዝበረራ፡ እዚ ድማ "ኣብ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ-ዕጸፋርስ ዝተገብረ ምትእትታውን ዝለዓለ ምትዅታዅን እዩ፡" ክብል ከሲሱ።
ቬንዙዌላ ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት መልሲ ኣይሃበትን።
ብተወሳኺ ሩቢዮ ሃገሩ፡ ንኢኳዶር ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ክትጭፍልቕ ንምሕጋዝ 13.5 ሚልዮን ዶላር ንጸጥታ፡ 6 ሚልዮን ዶላር ንቴክኖሎጂ ድሮን ከተወጽእ ምዃና ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኢኳዶር ጕጅለታት ገበነኛታት ነቲ ገዚፍ ኣታዊ ዘለዎም መስመራት ኮኬይን ንምቍጽጻር ኣብ ዝቃለሱሉ እዋን ዝፍጸም ገበናት ኣዝዩ ወሲኹ እዩ።
ብመሰረት መረዳእታ መንግስቲ፡ ኣስታት 70% ናይ ዓለምና ኮኬይን ካብ ከም ኮሎምብያን ፔሩን ዝኣመሰላ ኣፍረይቲ ሃገራት ናብ ዕዳጋታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ብኢኳዶር ኣቢሉ እዩ ዝመሓላለፍ።
ፕረዚደንት ኢኳዶር ዳኒኤል ኖቦኣ፡ እቶም ዕሉላት ጕጅለታት ገበን 'ሎስ ሎቦስ' ከምኡ'ውን 'ሎስ ቾነሮስ' ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ክኣትዉ ዝብል ውሳነ ኣመሪካ ደስ ክም ዝብሎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ ነቲ ኣንጻር እዞም ጕጅለታት ገበን ዘካይዶ ዘሎ "ኲናት" ሓይልታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ክጽንበርዎ ከምዝደሊ እዩ ዝጽውዕ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ንሕገ መንግስቲ ኤኳዶር ብምቕያር ዳግማይ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ወጻኢ ክፍቀድ ጻዕሪታት ይገብር ኣሎ፤ ኣብታ ሃገር ዝነበረ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ 2009 ከምዝተዓጽወ ይዝከር።
ነዞም ጕጅለታት ከም ግበረሽበራውያን ምስያም፡ ንኣመሪካ ሃብትን ንብረትን ናይ ዝዀነ ምስቶም ጕጅለታት ዝተኣሳሰር ሰብ ይዅን ጕጅለ ዒላማ ክትገብር፣ ምስ መንግስቲ ኢኳዶር ብዘይ ገደብ ስለያዊ ሓበሬታ ክትለዋወጥን ከኽእላ እዩ ማለት እዩ። በዚ ድማ "ቀታሊ ክኸውን ዝኽእል" ስጕምቲ ክትወስድ ክትክእል እያ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

