ፍርያቱ ን'መቐተል ሰብ' ዘገልግሉ ዘለዉ ትካል፡ 35 ሽሕ 'ዞምቢ' ካራን ጐዞምን ኣረኪቡ

ካራ ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Ben Schofield/BBC

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፍርያቱ ኣብ ብዙሓት ቅትለታት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ጅምላ ኣከፋፋሊ ካራ፡ ልዕሊ 35 ሽሕ "ዞምቢ" በላሕቲ ነገራት ኣረኪቡ።

ፖሊስ፡ እቶም ካራሩን ጎዘሞታትን "ንቕትለትን ስንክልናን" ብዝጥዕም ዝተዳለዉ ምዃኖም ገሊጹ።

ብመሰረት መንግስቲ ዘፈጽሞ ዘሎ መስርሕ ምርካብ፡ እቲ ኣብ እንግሊዝ ከተማ ሉተን ዝመደበሩ ስፖርቲን ጅምላ ኣከፋፋሊ ንነፍሲ ወከፍ ካራ 10 ፓውንድ ካሕሳ ክወሃቦ እዩ።

እቲ ኩባንያ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ’ሎ።

ኣብ ፖሊስ ቤድፎርድሻየር ምስ ምቍጽጻር ገበን ካራ ብዝተሓሓዝ ንዝሰርሕ ክፍሊ ዝመርሕ ሱፕተር ኣሌክስ ሃውስ፡ እቶም ካራሩን ጎዞሞታትን ካብ ኣጽዋርነት ወጻኢ "ካልእ ረብሓ ከምዘይብሎም" ሓቢሩ።

"ካልእ ጥቕሚ የብሎምን፤ ቅዲ ኣዘራርሓኦም እንተርኢኻዮ ዕላማኦም ንምቕታልን ምጕዳል ኣካልን እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

‘ዞምቢ’ ብዝብል ዝጽውዑ ዓይነታት ካራ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2016 ተኣጊዶም እኳ እንተነበሩ፡ ተወሰኽቲ በላሕቲ ነገራት ንምእጋድ ዝተዳለወ ሓድሽ ሰፊሕ ትርጕም ሕጊ ካብ 24 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ካብቲ ዕለት ጀሚሩ ልዕሊ 8 ኢንች (20 ሴ.ሜ) ዝንውሓቶም ፍልይ ዝበለ ቅርጺ ብልሒ ዘለዎም ካራሩ ምውናን ዘይሕጋዊ ክኸውን እዩ፤ ዝስዕቡ ተወሰኽቲ ትሕዝቶ ዘለዎም እውን ይግድብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

• መጋዝ ዝመስል ስኒ ዘለዎም

• ኣብቲ ካራ ካብ ሓደ ንላዕሊ ነዃል እንተሃልዩ

• ኣሻዅ እንተዀይኑ

• ኣብቲ ካራ/ጎዞሞ ልዕሊ ክልተ በሊሕ ክፍልታት እንተሃልይዎ

እቶም ብምኽንያት ሕጊ ዝውረሱ በላሕቲ ነገራት ተቐጥቂጦም ናብ ካልእ ረብሓ ክውዕሉ ክግበር’ዩ።

ኣብ ፖሊስ ቤድፎርድሻየር ምስ ምቍጽጻር ገበን ካራ ብዝተሓሓዝ ንዝሰርሕ ክፍሊ ዝመርሕ ሱፕተር ኣሌክስ ሃውስ "ዘስካሕክሕ መጠን ካራታት እዩ። ሕጂ ዝተረከብናዮም ኵሎም ክዓንዉ ምግባር ህይወት ዘድሕን'ዩ” ክብል ገሊጹ።

ኣብ ንግዲ ናውቲ ስፖርት ዝነጥፍ እቲ ኩባንያ ካራሩ ብጅምላ ካብ ወጻኢ ብምእታው ንቸርቸርቲ ብምሻጥ እውን ይፍለጥ ። ብፍላይ ‘ኣንግሎ ኣርምስ’ ዝበሃል ካራ ኣብ 2021 "ብጕጅለታት ገበን ዝና" ከም ዝረኸበ ተኣሚኑ ነይሩ።

እቲ ኩባንያ "ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመታት ገበን ካራ ወሲኹ" ክብል ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣፍሊጡ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ንመሸጣ ኣንግሎ ኣርምስ ከምዝነከየ ሓቢሩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኩባንያ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ "ንልዕሊ 20 ዓመታት ፍርያት መቝረጽን ቀስቲን ድሕሪ ምቕራቡ መሸጣ እዞም በላሕቲ ኣቝሑ ደው ከምዘበሎ ይሕብር” ኢሉ።

እዚ ከኣ ኣብ ከተማ ሉተን ንዝተፈጸመ ቅትለት ዑመር ካንን ፍርዲ ራይስ ኒቤልን ዝምልከት መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስተወሃበ ዝተወሰደ ስጕምቲ እዩ።

ወዲ 16 ዓመት ኒቢል ኣብ 2023 ካብ ዲኤንኤ ሌዘር 79 ካራን ጎዞሞን ካብቲ ዲ.ኤን.ኤ ብዝብል ዝፍለጥ ትካል ገዚኡ ነይሩ። ንሱ መለለዪ መንነት (ታሴራ) ሓደ ኣባል ስድራቤት ተጠቒሙ እዩ 13 ዝተፈላለዩ ዕድጊብኢንተርነት ፈጺሙ።

ትካል ዲኤንኤ ሌዘር፡ ኒቢል "ምድንጋር" ከምዝፈጸመን፡ እቲ ኩባንያ ግን "ዕድመ ዘረጋግጸሉ መስርሕ" ተጠቒሙ ነቲ ምብጻሕ ዝተዓደገ ኣቑሑ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ንሚስተር ካን ዝቐተለ ካራ ድማ ከም ኣካል ናይ ሓደ ጽምዲ ብዲኤንኤ ሌዘር ዝተሸጠ እዩ ነይሩ።

ካራሩ

ምንጪ ስእሊ, Ben Schofield/BBC

ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ኒውካስል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝቘሰለ ወዲ 14 ዓመት ጎርደን ጎልት ዝሞተ ኰይኑ፡ በቲ ኣንግሎ ኣርምስ ዝበሃል ዓይነት ካራ ብዝወረዶ መጕዳእቲ ከምዝሞተ’ውን ተፈሊጡ። ክልተ መንእሰያት ከኣ ብቅትለት ተኣሲሮም።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበረ ዓቃባዊ መንግስቲ ዝተነድፈ ሓድሽ እገዳ መሸጣ ሓደገኛ ካራሩን ጎዞሞታትን ርሑቕ ዝኸደ ኣይኰነን ዝብል ነቐፌታታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ብ9 መስከረም መንግስቲ ሰልፊ ሌበር ኣብ ገበን ካራ ዘተኮረ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣስያፍ ኒንጃ ተወሳኺ እገዳ ንምግባርን ዕድጊ ሓደገኛ ኣጽዋር ብኢንተርነት ጽኑዕ ንምግባርን ይሓስብ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

ፖሊስ ቤድፎርድሻየር፡ ብጸሊም ዕዳጋ ዝፍጸም መሸጣ ንምምካት ይሰርሕ ከምዘሎን እዚ ድማ በቲ ዝኸበደ እገዳ ክድልድል ከምዝኽእልን ይሕብር።