ደቡብ ሱዳን፡ ወረ ዕልዋን ምብራር ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገርን

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም ንሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር ሌ/ጀነራል ማጃክ ኣከክ ማሎክ ካብ ስልጣኑ ኣባሪሩ።

ብሰሉስ ምሸት ኣብ መንግስታዊ ተለቪዢን ዝተነበበ ኣዋጅ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ሓላፊ ብሌ/ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ከም ዝተተክአ ይሕብር።

ሳልቫ ኪር፡ ኣብ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ኣብ ሪያድ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ብ11 ሕዳር እዮም ወረታት ዕልዋ መንግስቲ ተሰሚዖም።

ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ጸጥታ ዝተኻየደ ናይ ምእሳር ወፍሪ ስዒቡ ድማ እቲ ሓላፊ ፖሊስ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣሎ።

ሰበስልጣን ጸጥታ ነቶም ዝተዘርግሑ ወረታት ዕልዋ መንግስቲ ዘቃለሉ’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግን መርበብ ሓበሬታ ሱዳንስ ፖስት 27 ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሓለፍቲ ስለያን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ጸብጺቡ።

ኣብታ ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንፈለማ እዋን መረጻ ንምክያድ ትሸባሸብ ዘላ ደቡብ ሱዳን፡ ጸጥታ ዝምልከት ንነዊሕ እዋን ዝተደናጐየ ምምሕያሽ ይግበር ኣሎ።

ኣብ መንጎ እቲ ፕረዚደንትን ምክትሉ ዝነበረ ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ሪክ ማቻርን ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብታ ሃገር ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት-ሓድሕድ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ግን፡ ሓይልታት ክልቲኦም ወገናት ስሙር ሃገራዊ ሰራዊት ብምቛም ተዛማዲ ምርግጋእ ፈጢሮም ነይሮም።

ብካልእ ሸነኽ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ይግባኣና’ዩ ዝብልኦ ዞባ ኣብየይ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ስልጣኑ ንተወሳኺ ዓመት ኣናዊሑ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓያለ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ብዙሓት መራሕቲ እታ ኣህጉር ተመሳሳሊ ስግኣት ብምፍራሕ ስጉምትታት ክወስዱ ተራእዮም እዮም።

ቅድሚ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ጋቦን ዝተፈጸመ ዕልዋ ጥራይ፡ ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕዉትን ዝበርዓነን ፈተነታት ዕልዋ ተኻዪዶም ነይሮም።

ንነዊሕ ዓመታት ዕልዋ ኣብታ ኣህጉር ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2020 ኣብ ማሊ ዳግማይ ተቐልቂሉ።

ኣብ 2021 ኣብ ጫድ፡ ማሊ፡ ጒኒ፡ ሱዳንን ኒጀርን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ብዕልዋን ሓውሲ-ዕልዋን ስልጣን ጨቢጦም።

ኣብ 2022 ድማ፡ ሓሙሽተ ፈተነታት ዕልዋ ከምዝተኻየዱን፡ ክልተ ካብኦም (ኣብ ቡርኲና ፋሶ ዝተፈጸሙ) ከምዝተዓወቱን ይዝከር።

ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ዕልዋታት ዝተፈጸመላ ሃገር እታ 17 ዘመዝገበት ሱዳን ክትከውን እንከላ፡ ቡሩንዲ ድማ 11 ዕልዋታት ብምክያድ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።

ቡርኲና ፋሶ፡ ጋናን ሴራልዮን'ውንነፍሲ ወከፈን 10 ዕልዋታት ዘአንገዳ እየን። ሓያለ ካልኦት ሃገራት'ውን ካብ 7 ክሳብ 9 ተመሳሳሊ ተሞክሮታት ዘሕለፋ እየን።