ኢራን፡ ንእስራኤል ብትሪ ኣጠንቂቓ

Published

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ውግእ ናብ ዞባዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ዘመላኽት፡ ዛጊድ እቲ ዝሓየለ መጠንቀቕታ’ዩ።

ሑሴን ኣሚር ዓብዶላሂያን፡ እቲ “ግንባር መኸተ” ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት “በርቃዊ መጥቃዕቲ” ክፍፅም ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ኣሎ።

“ግንባር መኸተ” ዝበሃል፡ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ጕጅለ ሊባኖስ ‘ሕዝቦላህ’ ዘጠቓለለ ምሕዝነት ሓይልታት እቲ ዞባ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህን ሰራዊት እስራኤልን ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ተዅሲ ብምልውዋጦም እዚ ካልእ ግንባር ኲናት ከይከውን ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ሕዝቦላህ ከቢድ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት እስራኤል ኣዕሚቝ ክሃርም ዝኽእል ሚሳይላት፡ ከምኡ’ውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ጽዑቕ ስልጠና ዝወሰዱን ሓያላትን ተዋጋእትን ኣለዉዎ።

እቲ “ግንባር”፡ ኢራን ኣብ ሶርያ ከምኡ’ውን ዒራቕ እትድግፎም ጕጅለታት’ውን የጠቓልል።

ምዕራባውያን ሃገራት ቴህራን ነቲ ኵነታት ከይተጋድዶ የጠንቕቓ ኣለዋ።

ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ስግረ-ዶባዊ ጎንጺ ኣይሰፍሐን ኣሎ። ገሊኦም ግን እስራኤል ናብ ቓዛ መጥቃዕቲ መሬት እንተቐጺላ እዚ ክቕየር ከምዝኽእል ይኣምኑ።

እንታይ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣለዉ?

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ትጽቢት ይገብር።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዑደት ባይደን ንእስራኤል፡ ነቲ ዞባን ንመላእ ዓለምን ኣብ ወሳኒ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብሊንከን ብተወሳኺ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝሕይለላ ዘሎ ቓዛ ምፍቃድ፡ ካብ እስራኤል መረጋገጺ ከምዝረኸበት እኳ እንተገለጸ፡ መዓስን ብኸመይን ግን ዝርዝር ኣይሃበን።

ኣብ መንጐ ግብጽን ቓዛን ዝርከብ መሳገሪ ራፋ ዳግማይ ክኽፈት ከምዝኽእል ዝገልጽ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ገና ይቕጽል ኣሎ።

ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ ማይክል ኩሪላ እውን ኣብ እስራኤል ዕላዊ ዘይተገብረ መገሻ የካይድ ኣሎ። ንሱ፡ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ዝመርሕን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ዝከታተልን እዩ።

ሓይሊ ኣየር እስራኤል፡ ኣብ ሊባኖስ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሕዝቦላህ ዝዀነ ዒላማታት ከምዝሃረመ ገሊጹ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን እስራኤላውያን ካብቲ ቦታ ከም ከዘግዐዘ ክሕብር እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።