ቅዱስ መጽሓፍ፡ ‘ጽዩፍን ጐነጻውን’ ትሕዝቶ ኣለዎ’ዩ ብምባል ዝኸልኸለት ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዩታ ዝርከብ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ "ጽዩፍን ዓመጽን" ዝሓዘ እዩ ብምባል ካብ መባእታን ማእከላይን ኣብያተ ትምህርቲ ክወጽእ ገይሩ።
እዚ ስጉምቲ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ‘ኪንግ ጀምስ’ ንህጻናት ዘይምቹእ ትሕዝቶ ኣለዎ ዝብል ጥርዓን ሓደ ወላዲ ስዒቡ ዝተወስደ እዩ።
ሪፓብሊካን መንግስቲ ዩታ ኣብ 2022 "ስእሊ ግብረ ጽዩፍ ወይ ዘይጭዋ" ዘለዎም መጻሕፍቲ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝእግድ ሕጊ ከም ዘጽደቐ ይዝከር።
መብዛሕትኦም ክሳብ ሕጂ ዝተኣገዱ መጻሕፍቲ፡ ከም ዝንባለታት ጾታዊ መንነትን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ዝሓዙ እዮም።
እዚ ምእጋድ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ዝርከቡ ዓቃባውያን ኣመሪካውያን፡ ከም መሰል ኤልጂቢቲን ዓሌታዊ መንነትን ዝኣመሰሉ ኣካታዕቲ ኣርእስታት ዝምልከት ትምህርቲ ንምእጋድ ዝዓበየ ጻዕሪ ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን ዝተወስደ'ዩ።
ኣብ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳ፣ ሚዙሪን ደቡብ ካሮላይናን እውን ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ኣጸያፊ ተባሂሎም ዝተቘጽሩ መጻሕፍቲ እገዳታት ተገይሩ ኣሎ።
ገለ ሊበራላውያን ግዝኣታት እውን ዓሌታዊ ኣጸያፊ ዝዀነ ትሕዝቶ ብምጥቃስ ኣብ ገለ ኣብያተ ትምህርትን ቤተ መጻሕፍትን ገለ መጻሕፍቲ ኣጊደን ኣለዋ።
ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ግዝኣት ዩታ ምምሕዳር ዴቪስ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዴቪስ ስኩል ዲስትሪክት ሰሜን ሶልት ሌክ ሲቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ድሕሪ ዝቐረበሉ ጥርዓን ንቅዱስ መጽሓፍ ኣጊዱ ኣሎ።
ሰበስልጣን፡ እቲ መጽሓፍ ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ኰይኑ ከም ዘይፈልጥ ብምጥቃስ ድሮ ነቲ ኣብ መደርደሪኦም ዝነበረ ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ቅዳሓት ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዘልገሱዎ ይዛረቡ።
እቲ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ኮሚተ ድማ፡ ብዛዕባ ምኽንያታቱ ወይ ኣየኖት ክፍልታት ቅዱስ መጽሓፍ’ዮም "ጽዩፍ ወይ ዓመጽ" ኣለዎም ዝብል ዝርዝር መግለጺ ኣይሃበን።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ሶልት ሌክ ትሪቡን፡ እቲ ጥርዓን ዘቕረበ ወላዲ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝወጽአ ሕጊ እገዳ መጽሓፍቲ ብምጥቃስ ቅዱስ መጽሓፍ ኪንግ ጀምስ "ብሓድሽ ኣተረጓጉማ ትሕዝቶ ግብረ ጽዩፍ ስለ ዘለዎ 'ንትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዕቱብ ክብርታት የብሉን' " ኢሉ።
እቲ ብ2022 ዝወጽአ ሕጊ ዝጸሓፈ ኣባል ባይቶ ግዝኣት ዩታ፡ ቅድሚ ሕጂ ንሕቶ ምእላይ ቅዱስ መጽሓፍ “ላግጺ” ኢሉ ነጺግዎ'ኳ እንተነበረ፡ ንንኣሽቱ ህጻናት "በዳሂ ንባብ" ድሕሪ ምጽዋዑ ግን ኣብዚ ሰሙን መርገጺኡ ቀይሩ ኣሎ።
እታ ግዝኣት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ትሕዝቶ ቅዱስ መጽሓፍ ነቲ ናይ 2022 ሕጊ ከም ዘይጥሕስ፡ ግን ከኣ "ንናኣሽቱ ተመሃሮ ዘይምቹእ ጽዩፍ ቃላት ወይ ዓመጽ" ከም ዘጠቓልል ወሲና።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ተምህርቲ ግን ኣይተኣገደን።
ምምሕዳር ዴቪስ ኣብ ኣሜሪካ ንቅዱስ መጽሓፍ ዝኣገደት ፈላመይቲ ምምሕዳር ኣይኰነትን።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቴክሳስ እትርከብ ሓንቲ ምምሕዳር ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ቤተ ንባብ ክእለ ገይራ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፡ ኣብ ካንሳስ ዝርከቡ ተመሃሮ፡ እቲ መጽሓፍ ካብ ቤተ መጻሕፍቲ ቤት ትምህርቶም ክእለ ሓቲቶም ነይሮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
