'መዓልታዊ ስቅያት' ኣብ መንበሪ ህጻናት

ፖል ማክዶናግ
Published

ኣብ ሓደ መዕቆቢ ህጻናት ስኮትላንድ (ብሪጣንያ) ኣካላውን ኣእምሮኣውን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ሰብኣይ፡ እቶም ክልተ ተሓተትቲ ሰባት ነዊሕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ነይርዎም ኢሉ ይኣምን።

ማቲው ጆርጅን ጆን ሙልዱንን ኣብ ኣየርሻየር ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኬረላው ይሰርሑ ነይሮም፡ ኣብኡ ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ግዳያቶም ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ክልቲኦም ብ13 ብድምር ን28 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

ፖል ማክዶናግ፡ "ዳርጋ መዓልታዊ ይቕጥቀጥ ነይረ። መዓልታዊ ናይ ኣእምሮ ስቅያት እዩ ነይሩ" ይብል።

ንሱ፡ "እዚ ብቐጻሊ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ሃዋህው ጥራይ እዩ ነይሩ"።

ሕጂ ኣብ ኬንት ዝነብር ማክዶናግ፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤት ክንክን ህጻናት ክውሰድ ከሎ፡ወዲ 8 ዓመት ዝተቓልዐ ቆልዓ ነይሩ።

ኣብ ከረላው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ጾታዊ ዓመጽከም ዝተፈጸሞ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ እቶም ቆልዑ ከም ዘይግደሱ ጥራይ” ይፈልጥ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

‘ስለምንታይ ኣባይ ተፈጺሙ?’

ሕጂ ወዲ 49 ዓመት ዝኾነ ማክዶናግ፡ ስሙ ክግለጽ ኣፍቂዱ'ሎ።

ወዲ 13 ወይ 14 ዓመት ከሎ ናብ ከረላው ከም ዝኸደን፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ 1989 ካብኡ ከም ዝወጸን ይዛረብ።

"ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ቀጥቂጡኒ። ብድሕሪኡ በቃ እናገደደ ከይዱ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ድማ ይቕጥቀጥ ነይረ።

"ኣብ ሓባራዊ መደቀሲ ክፍሊ ነይረ፡ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኣትዮም ዝደለይዎ ክገብሩ ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲዶምኒ"።

"እዚ መዓልታዊ ኣብ ርእሰይ ዝነብር’ዩ፡ ነዚ ንክርስዖ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን"።

"ንምንታይ ተፈጺሙ? ስለምንታይ ኣባይ ተፈጺሙ? ስለምንታይ እዚ ክፍጽሙ ከለው ስቕ ኢለ?"

ማቲው ጆርጅን (ጸጋም) ጆን ሙልዱንን (የማን) ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, SPINDRIFT

መግለጺ ስእሊ, ማቲው ጆርጅን (ጸጋም) ጆን ሙልዱንን (የማን) ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ተፈሪዶም

ወዲ 69 ዓመት ጆን ሙልዱን፡ ንማክዶናግ ብተደጋጋሚ ይሃርሞ ነይሩ። ወዲ 73 ዓመት ማቲው ጆርጅ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቆልዓ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሙልዱን ን12 ዓመታት ክእሰር ተፈሪድዎ። ጆርጅ ድማ ኣብ ልዕሊ 28 ህጻናት ብዝተፈጸመ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ ን16 ዓመታት ተኣሲሩ።

ክልቲኦም ኣብ ከረላው ብዝፈጸምዎ ገበናት ክእሰሩ ንካልኣይ ግዜ እዩ ነይሩ።

'ዝባኸነ ህይወት'

ማክዶናግ ብውሑዱ ብዘመተ፡ ስርቂን ስርቂ ካብ ድኳናትን ተኸሲሱ 20 ዓመታት ህይወቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ'ኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን ካብ ገበን ከም ዝረሓቐ ይገልጽ።

ንሱ፡ ጆርጅን ሙልዱንን ኣብቲ ከባቢ ምንባር ከም ዝቐጸሉ ምስ ሰምዐ፡ "ብዝተኻእለ መጠን ርሑቕ" ናብ ዝበሎ ኬንት ከም ዝገዓዘ ሓቢሩ።

ተግባራቱ፡ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ገና "ዓመታት ክወስደለይ'ዩ" ይብል።

"ህይወተይ ባኺኑ'ዩ፡ ኣብ ህይወተይ ቁምነገር እንተሃልዩ መጻምድተይን ደቀይን ጥራይ'ዮም። ዝሓሸ ሰብ ክኸውን ይኽእል ነይረ።"

ኣብ ስቲቨንስተን ሰሜን ኣየርሻየር ዝርከብ መንበሪ ቤት ትምህርቲ ኬረላው ኣብ 2006 ተዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስቲቨንስተን ሰሜን ኣየርሻየር ዝርከብ መንበሪ ቤት ትምህርቲ ኬረላው ኣብ 2006 ተዓጽዩ

ማክዶናግ፡ ቀጻሊ ፍርሒ ስለ ዝስምዖ "ምስ ሰባት ክሕወስ ኣይፈቱን" ንዘስዓበሉ ጸገማት ይገልጾ።

ክሳብ ሕጂ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ከየጋጥሞ ከም ዝጥንቀቕ ድማ ወሲኹ ይዛርብ።

"ከምዚ ክንከውን ዝገበሩና ንሳቶም [ሙልዱንን ጆርጅን] እዮም።"

ንኽልወጥ "ግዜ ክወስድ'ዩ" ይብል።

"ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ደረጃ በጺሐ ኣለኹ። ንግሆ ንግሆ ካብ ድቃሰይ ይበራበር፡ ንነብሰይ ክቐትል ምሕሳብ ኣየድልየንን'ዩ። ንዓይ እዚ ምዕባለ'ዩ።"

"ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ክረኽቡኒ ከም ዘይክእሉ ስለዝፈልጥ ኣይጭነቕን’የ።"

ማክዶናግ፡ "ካብቲ ዝተፈርዶም ንላዕሊ ኣዝዩ ዝዛይድ ይግብኦም ነይሩ" ብምባል ክብደት እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ዓቢ ምዃኑ ይዛረብ።