ንመምህሩ ተኲሱ ዘቝሰለ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት፡ ሽጉጥ ኣደኡ ከምዝተጠቕመ ተገሊጹ

ኣቢጋየል ‘ኣቢ’ ዝወርነር

ምንጪ ስእሊ, ABBY ZWERNER/FACEBOOK

መግለጺ ስእሊ, ኣቢጋይል ‘ኣቢ’ ዝወርነር
Published

ተኲሱ ንመምህሩ ዘቝሰለ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ተመሃራይ፡ ሕጋዊት ሽጉጥ ኣደኡ ከምዝተጠቕመ ፖሊስ ገሊጹ።

ፖሊስ ቨርጂንያ ብሰኑይ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ህጻን ነታ ሽጉጥ ኣብ ሳንጣኡ ገይሩ እዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ሒዝዋ ከይዱ።

እቲ ተመሃራይ ብዓርቢ ኣብ እዋን ትምህርቲ ኮነ ኢሉ ንመምህሩ ተኲሱላ። እታ መምህር ንባዕላ ሕክምና ቅድሚ ምርካባ ነቶም ተመሃሮኣ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝወሰደቶም ፖሊስ ይገልጽ።

እታ ኣቢጋይል ዝወርነር ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት መምህር፡ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ደሓን ኵነታት እያ ዘላ። ፖሊስ ናይታ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ደሴት ቨርጂንያ እትርከብ ኒውፖርት ኒውስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነታ መምህር “ጅግና እያ” ክብል ዝነኣዳ ኰይኑ፡ ድሕነት ናይቶም ተመሃሮኣ ብተደጋጋሚ ትሓትት ከምዝነበረት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሪችነክ፡ ናብ ሓንቲ መምህር ጥይት ይትኰስ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ፖሊስ በጺሑ። ፖሊስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምስበጽሑ፡ ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ህጻን ብሰራሕተኛ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተታሒዙ ጸኒሕዎም።

እቲ ህጻን ናብታ መምህር ሓደ ዙር ከምዝተኮሰ ዝሓበረ ፖሊስ፡ “እቲ ተዅሲ ሃንደበታዊ ኣይነበረን፤ ኮነ ተባሂሉ እዩ” ክብል ብምግላጽ፡ እናመሃረት እንከላ ከምዝተተኮሰ እውን ገሊጹ።

መምህር ዝወርነር ኣብ ኢዳን ደረታን ጉድኣት ወሪዱዋ፤ ተመሃሮኣ ናብ ውሑስ ቦታ ድሕሪ ምውሳዳ እያ ሕክምናዊ ናብዮት ናብ ምርካብ ከይዳ።

ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ውላዳ ክትወስድ ዝረኸበታ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ እታ መምህር “ናብ 911 (ህጹጽ ረዲአት) ደውሊ፡ ብጥይት ተወቒዐ ኣለኹ” ከምዝበለታን “ጸኒሓ ርእሳ ስሒታ ከምዝወደቐትን” ንኒውዮርክ ታይምስ ገሊጻ።

ን ዋሽንግተን ፖስት ቃሉ ዝሃበ ካልእ ሰብ ድማ፡ እቲ ተዅሲ እታ መምህር ነታ ሽጉጥ ካብቲ ተመሃራይ ክትወስዳ ምስፈተነት ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

ፖሊስ ናብቲ መምሃሪ ክፍሊ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ኣብ ጥቓ ኮፍ መበሊ እቲ ተመሃራይ፡ ምስ መትሐዚ ደብተሩ፡  9 ሚሜ ታውረስ ዝዓይነታ ሽጉጥ፡ ሞባይልን ቅልሃን ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ኣደ'ቲ ህጻን፡ እታ ሽጉጥ ብሕጋዊ መንገዲ ተገዚኣ ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ከምዝነበረት ምግላጻ እውን ፖሊስ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ መንነቱ ዕላዊ ዘይተገበረ ህጻን ናብ መጽንሒ ተወሲዱ ሕክምናዊ ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ግዝያዊ ናይ መእሰሪ ወረቐት ከምዝሓትት ኣፍሊጡ።

ሰብመዚ እቲ ኣስታት 550 ተመሃሮ ዘለውዎ ቤት ትምህርቲ፡ ሓጺን ዝፍትሽ መሳርሒ ከምዘለዎም ዝሓበሩ ኰይኖም፡ ነፍስወከፍ ተመሃራይ ግን ፍተሻ ከምዘይካየደሉ ተኣሚኖም።