ፍሉጣት ኤርትራውያን ምሁራት ዝተሳተፍዎ ዓውደ-መጽናዕቲ 'ምህናጽ ደሞክራሲ' ኣብ ለንደን ይካየድ ኣሎ

ፍሉጣት ኤርትራውያን ተመራመርቲን ምሁራንን ኪኢላታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ "ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ኣብ ብሪጣንያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ከተማ ለንደን ዝጀመረ ኣኼባ፡ ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲን መደረታታትን ቀሪቦም።
ወጻእተኛታት ምሁራትን ኪኢላታትን'ውን ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎዋዕላ ይሳተፉ ኣለዉ።
እቶም ምሁራት ንኣካይዳ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ዝቃወሙ ኮይኖም፡ ለውጢ ክህሉ ዝጠልቡ'ዮም።
ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራን ቁጠባዊ ኩነታትን ኣንፈታትን ዝድህስሱ መግለጺታት ቀሪቦም።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ በቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ 'ፎካስ ኤርትራ' ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ መሰላት ዝተወደበ'ዩ።
ኣቦመንበር ‘ፎካስ ኤርትራ’ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ሓየለ ኤርትራውያን ምሁራት ብማንዛን ብኣካልን ዝተሳተፍዎ ምዃኑ ገሊጹ።
“ዕላማናይቲ ኣኼባ ብኸመይ ሃገርና ኤርትራ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ ትሰጋገርን፡ እቲ ዝህሉ መንግስቲ ብኸመይ ነቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን ጠለባትን ህዝቢ ይፈትሕ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ንምልዛብ’ዩ” ይብል ኣቶ ሃበተ።
"[ፕረዚደንት ኤርትራ] ኢሳያይስ ካብ ስልጣን ወሪዱ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዝምነ እዩ" ዝብል ኣቶ ሃብተ፡ ንድሕሪ ለውጢ ዝህሉ መሰጋገሪ እዋን ምድላው ከምዘድሊ ይገልጽ።
ሓደካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብማንዛ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ምንጻላ ንረብሓኣ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ለውጢ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ።
ኣብ 2001 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ንኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምቅዋም ለውጢ ክግበር ዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን'ዩ።
ሃይለ መንቀርዮስ ካብ ናይ ኣምባሳደርነት መዝነቱ ድሕሪ ምውራዱ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኮይኑ፡ ኣብ ምፈታሕ ግጭታት ዓቢ ተራ ዝነበሮ’ዩ።
ተሓጋጋዚ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምዃን'ውን ኣብቲ ውድብ ዝለዓለ ስልጣን ኣገልጊሉ ነይሩ።
ኤርትራ ዘጋጠማ "ታሪኻዊ" ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ንኣተሓሳስባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝገዝኦ ዝገልጽ ኣምባሳደር ሃይለ፡ ሕጂ'ውን ኩነታት ኤርትራ ሸለል ከምዝተባህለ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተዛሪቡ።
ኤርትራ ዝኣተወቶም ዶባዊ ግጭታት ብዝርርብ ክፍታሕ ዝነበሮን "ዘይምኽኑይን" ዝብል ኣምባሳደር ሃይለ፡
ሕጂ'ውን እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠንቂ ኲናት ዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓብ በቲ ዝተወሰነሉ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ኣለዎ ይብል።
ኣብ 1992 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጉዳይ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ሳልሳይ ወገን ብዘለዎ ኣገባብ ክፍታሕ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናውን ዘቕረበሎም ምኽሪ ንዝነበሮም ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን "ሕጽኖት" ከይዘርገሎም ብምስጋእ ከምዝነጸግዎ ይገልጽ።
‘ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ኤርትራ ክርዳእን፡ ዶባት ክሕንጸጽ ክንጉስጉስ ኣለና’ ክብል’ውን ተማሕጺኑ።
እታ ንዓመታት ኣብ ባዕላውን ግዱድን ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ኣትያ ዝነበረት ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ስምምዕ ሰላም ኣንፈታት ምኽፋት ኣርእያ ነይራ'ያ።
እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ምስቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝገበረቶ ምትእትታው ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ከጋጥማ ጀሚሩ'ሎ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ እቲ ነቐፌታ ንምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተኣልመ ሽርሒ'ዩ" ብምባል ይገልጽዎ።
ዓውደ-መጽናዕቲ ለንደን፡ ንጉዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ’ውን ዝዳህሰሰ’ዩ።

ኩነታት ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት እናንቆልቆለ ክኸይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ ኤርትራ ጠንቂ ምድኻም ቁጠባ፡ እገዳታት ምዕራባውያን ሃገራት ምዃኑ እንተመጎተ፡ ኪኢላታት ግን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ይዛረቡ።
ዶ/ር መብራህቱ ኣቶወብርሃን ኣብ ዘቕረቦ ንቁጠባ ዝምልከት መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ዝሰፍሐ ክፋል ቁጠባ ከምዝተዳኸመን፡ ኣብዚ እዋንእ’ዚ ቀንዲ መትንታት ቁጠባዊ እቶት ዕደናን ካብ ደገ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ምዃኖም ኣብሪሁ።
ኤርትራ ዋላ’ኳ ከም ሃብቲ ዓሳ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት እንተኾነት፡ ንምምዕባሎም ዝተኻየደ ፈተነታት ከምዘይትዓወተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ባዕሉ’ውን ክእመነሉ ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ።
ካብ ብምልካዊ ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ እትሰጋገረሉ እዋን፡ ንዝተዳኸመ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታታ ንምሕዋይ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ ዶ/ርመብራህቱ ዝእምት።
እቲ ምልካዊ ስርዓት ንውሽጣዊ ወፍሪ ምድኻሙን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ግዱድን ደረት-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን ምውፋሩ፡ ነታ ሃገር ካብቲ ክትበጽሖ እትኽእል ደረጃ ከምዝሓረማ'ዮም ዝነቕፉ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ካብቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙምጽንሖም ይፍለጥ።
ፕሮፌሰር ኪዳነ መንግስትኣብን ዶ/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብን ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ተስፋዮውሃንስን ብወገኖም፡ ኣብ መወዳእታ ኤርትራ ምጥያስ ናይቶም ኣኽቲታቶም ዘላ ወተሃደራት ከምዘድልያን ብኸመይ ክፍጸም ከምዘለዎን ተመክሮታቶምን ሓሳባቶምን ኣካፊሎም።
ንውሳነታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክከታተልን ክቆጻጸርን ዝኽእል ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ምፍራሱን ናጻ ፕረስ ምእጋዱን፡ ብዓቢኡ'ውን ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ዘይምትግባሩን ናይ ምሕደራ ቅልውላው ከምዘስዓበ'ዮም እቶም ኪኢላታት ዝጠቕሱ።
እዞም ብዙሕ መጽናዕታዊ መጽሓፍቲ ዝደረሱን ኣብ ፍሉጣት ምዕራባውያን ትካላት ትምህርቲ ዝሰርሑ ምሁራትን ተሓለቕትን፡ ብዛዕባ ዝሓልምዋ ደሞክራስያዊት ኤርትራ'ኳ ሰፊሕ ትንታነ እንተሃቡ፡ እቲ ዝምነይዎ ለውጢ መዓስን ብኸመይን ክመጽእ ከምዘለዎ ግን ብቐሊሉ ክምልስዎ ዘይክእሉ ብድሆ ኮይኑ ይርከብ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ግዱድ ምስዋርን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዝርከብዎ ከቢድን ሰፊሕን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፍጽሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ምይይጥ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝነግሰሉ ኩነታት ክዝቲ ምዃኑ ኣካየድቲ ሓቢሮም።
ለንደን፡ ንጉዳያት ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ’ውን ዝዳህሰሰ’ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
