ባይደን፡ ኢራን ኣጽዋር ኑክሌር ከይትውንን 'ኣሜሪካ ሓይሊ ክትጥቀም ድልውቲ እያ'

Published

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኢራን ኣፅዋር ኒዩኵለር ንከይትውንን፡ ኣሜሪካ ዘለዋ "ዝዀነ ሃገራዊ ሓይሊ ንምጥቃም ድልውቲ እያ” ክብል ተሓንዩ።

 ኣብ እስራኤል ንካልኣይ መዓልቲ ምብፃሕ የካይድ ዘሎ ባይደን፡ ምስ ቀደማይ ሚኒስትር እስራኤል ያይር ላፒድ ኣብ ዝገበሮ ዘተ እዩ፡ ነዚ ኣዋጅ ወግዓዊ ገይሩ።

 እስራኤል፡ ንመደብ ኒዩኵሌር ኢራን ቀንዲ ስግኣት ደሕንነት ገይራ እያ ትርእዮ፤ ኢራን ግና እተማዕብሎ ኒዩኵሌር ንልምዓት ከምትጥቀመሉ እያ ትገልፅ።

 ፕረዝደንት ባይደን ካብ እስራኤል ቀፂሉ፡ ኣካትዓይ ምብፃሕ ኣብ ስዑድ ዓረብ ቅድሚ ምክያዱ፡ ፅባሕ ዓርቢ ምስ ሰብመዚ ፍልስጤም ክዛተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

 ባይደን ኣብዚ ምብፃሕ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ማዕኸላይ ምብራቕ ቀንዲ ፈታዊታ ምስ ዝኾነት እስራኤል ዘለዋ ርክብ ዝያዳ ንምጉልባት ዘኽእል ሰነድ ምድላው ይዝረብ።

 ጆ ባይደን፡ “ኢራን ከም ሂዝቦላሕ፣ ሓማስን እስላማዊ ጂሃድን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረ-ራዕዲ” ብምጥቃም ትፍፅሞ ንዘላ “መጥቃዕትን ሰላም ናይ ምዝራግን ምንቅስቓስ ንምግጣም፡ ምስ መሻርኽትና ክንሰርሕ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

እስራኤልን ኣሜሪካን፡ ንኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ካልኦትን ንግብረ-ራዕዳውያን ትድግፍ እያ ብምባል ይኸስኣ።

 ኢራን ኣብ ሊባኖስ ንዝርከብ ሂዝቦላሕ፣ ንፍልስጤማዊ ሓማስን ኣብ ወሽመጥ ጋዛን ንዝንቀሳቐሱ እስላማዊ ጂሃድን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ትገብር ተባሂላ ትኽሰስ።

 እንተዀነ፡ ኢራን ነቲ ንግብረ ራዕዳውያን ትድግፍ ዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን፤ እኳ ድኣስ እቶም ትድግፎም ጉጅለታት፡ ብኣሜሪካን ብእስራኤልን ንዝፍፀሙ ወራራት ዝከላኸሉ እዮም ዝብል ቅዋም ኣለዋ። 

ኢራን ብተሳልጦ ዘላ ፕሮግራም ኒዩኵሌር ምኽንያት ንነዊሕ ግዘ ምስ ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን ክትፋጠጥ እያ ፀኒሓ።

ዋላ እኳ እትገብሮ ዘላ ምምዕባል ዩራንየም ንሰላማዊ ዕላማ ከምዝውዕል እንተገለፀት፡ ንምዕራባውያንን ንዓለምለኸ ተቖፃፃሪ ኒዩኵሌር ክተእምን ኣይከኣለትን።

 ባይደን እቲ ቅድሚ ሕዚ ብፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ውድቂ ዝኾነ ስምምዕ ብምስሓብ፡ተረርቲ ሓሳባት ተወሲኽዎ ተግባራዊ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

 እስራኤል ድማ ዘድልይ ሓይሊ ኩሉ ብምጥቃም፡ መደብ ኒዩኵሌር ኢራን ሙሉእ ብሙሉእ ደው ክብል ኣለዎ ኢላ ትኣምን።

 ቻነል 12 ምስ ዝበሃል ናይ እስራኤል ተሌቬዥን ቃለ መሕተት ዘካየደ ባይደን፡ “ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ኮይኑ እንተቐሪቡ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓይሊ ክትጥቀም ድልውቲ እያ” ኢሉ።

 ፅባሕ ዓርቢ ድማ ባይደን ናብታ ብወራር ዝተትሓዘት ዌስት ባንክ ብምኻድ ኣብ ቤተልሄም ምስ ፕረዝደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ ተራኺቡ ክዝቲ እዩ።

 ፕረዝደንት ባይደን ኣብቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ የካይዶ ዘሎ ምብፃሕ፡ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝገብሮ ጉዕዞ ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ። ስዑድ ዓረብ፡ ብሰንኪ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል፡ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ይዋጠጣ እየን።

 ኣብ መጻኢ ቀዳም፡ ምስቲ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡  ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ዝኽሰስ ልኡል ሞሓመድ ሳልማን ዝገብሮ ዘተ ድማ ብኣግኡ ወቐሳታት ኣስዒብሉ ኣሎ።

 ጆ ባይደን ካብ እስራኤል ናብ ስዑድ ዓረብ ብቀጥታ ዝበረረ ፈለማይ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክኸውን እዩ።