እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውጻእ መዓት ናዚ፡ ኣውሮጳ ኣብ ኦሽዊትዝ ዝተፈጸመ ትርስዖ ኣላ
ሎሚ፡ ኣብ እዋን ናዚ ኣይሁዳውያን ዝሳቐይሉን ዝእሰርሉን ዝነበረ ማእከል ኦሽዊትዝ ሓራ ዝወጽኣሉ መበል 80 ዓመት ዝካሬ መዓልቲ እዩ።
እቲ ማእከል፡ ብ27 ጥሪ 1945 [ኣ.ኤ] እዩ ሓራ ወጺኡ። ኣብዚ ዕለት ድማ፡ ዝኽሪ ጨፍጫፍ ናዚ ይግበር።
ወዲ 17 ዓመት ጀርመናዊ ተመሃራይ ዛቪየር፡ እቲ መዳጐኒ ማእከል "ንከማይ ዝበሉ መንእሰያት ነዚ ብዓይንኻ ምርኣይን ታሪኽ ውጻእ መዓት ዝዀኑ ምስማዕን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ኣብ ጀርመን ሕሉፋት የማናውያን ድጋፍ ይረኽቡ ኣለው፤ ካብ ሕሉፍ ክንመሃር ኣለና" ይብል።
ኣብ ደቡባዊ ጀርመን፡ ናዚ ብዝብል ሽም ዝጽዋዕ ኣብቲ እዋን መዳጐኒ መዓስከር ዝነበረ ቦታ ቅሩብ ርሒቕ ኢሉ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ ጨፍጫፍ ናዚ ኣሎ።
ንሱን መማህርቱን ኣብኡ ክልተ መዓልቲ ኣሕሊፎም።
ብዛዕባ ስርዓት ናዚ ይመሃሩን፡ እቲ ኵነታት ሎሚ ዘለዎ ተዛማድነት ይካትዑን ነይሮም።
ጓል 18 ዓመት መሊከ፡ ቅድሚ ናብ ዳካው ምምጽኣ ብዛዕባ ናዚ ብዙሕ ከም ዘይትፈልጥ ተኣሚና።
ውጻእ መዓት ኢቫ ኡምላፍ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክዝረብ ክትሰምዕ እንከላ ግን፡ ልባ ከም ዝትንከፈ ትዛረብ።
ዓሌትነትን ዘይምክእኣልን ዝያዳ ክዝረበሎም ዝግብኡ ጕዳያት ምዃኖም ተልዕል።
"ኣነ ርእሰይ ይዕመም'የ፣ ሰባት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ኣይቅበልዎን። ኵላትና ብሓባር ጽቡቕ ክንነብር ምእንቲ ብዛዕባ ሓድሕድና ዝያዳ ክንመሃር ኣለና፡" ትብል።
ሚግኤል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓሌታውነትን ጸረ-ሴማውነትን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
እዚ ድማ ብዛዕባ ኣብ እዋን ናዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታታት ዝገልጹ ዋዛታት ዝሓወሰ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጓል 17 ዓመት ኢዳ፡ "ነዚ ክንከላኸሎ ይግባእ፡" ትብል።
"ንሕና ካብቲ ትራጀዲ ምስ ዝደሓኑ ሰባት ክንራኸብን ክንሰምዖምን እንኽእል ናይ መወዳእታ ወለዶ ኢና። ከምዚ ዓይነት ነገር ዳግማይ ከይፍጸም ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ከነረጋግጽ ኣለና።"
እዞም መንእሰያት፡ እዚ ታሪኽ ኣይድገም ዝብል ተስፋ ኣለዎም። ገሊኦም ክኣ ምናልባት ተገሪሆም ክዀኑ ይኽእሉ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ጨፍጫፍ ናዚ ካብ ዘብቅዕ ድሕሪ 80 ዓመት፡ ሕብረተሰባት ኣዝዮም ዝተኸፋፈሉ እናዀኑ ዝመጽኡ ዘለዉ ይመስሉ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንሕሉፍ የማንን ጸጋምን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሓድሕዶም ክወቓቐሱ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ውድባት ዝረኽብዎ ደገፍ ይውስኽ ኣሎ።
እቲ መጻእተኛ፡ እቲ ዘይተደልየ፡ ስደተኛታት፡ ኣስላም፡ ሕደ-ጾታውያን ወይ ኣይሁድ ዝብሉ ተረኻት ሱር ይሰዱ ኣለዉ።
"ኵሉ ሰብ ብሓባር ክነብር ይደሊ፤ ኣይሁዳዊ፡ ካቶሊክ፡ ጸሊም፡ ጻዕዳ ወይ ዝዀነ ይዅን፡" ትብል ኢቫ ኡምላፍ።
ንሳ ንህልቂት ናዚ፡ ጽልኢ ባይታ ምስ ዝሕዝ እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ዘዘኻኽር መጠንቀቕታ ገይራ እያ ትገልጾ።
"ነዚ'የ ግዜይ ኣብ ምዝራብ፡ ምዝርራብ፡ ምዝራብ ዘወፍዮ፡" ትብል።
ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድመኣ፡ ቅድሚ 80 ዓመታት ካብ መዓስከር ምጽናት ናዚ ኦሽዊትዝ ካብ ዝወጽኡ ብዕድመ ዝነኣሰት እስርቲ እያ ነይራ።
ብዛዕባ ተመኵሮታታ ዘዘንቱ መጽሓፍ ጽሒፋ።
ጐድኒ ጐድኒ፡ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ህጻናት ኰይና ብምስራሕ፡ ብዛዕባ ኣብ መዓስከራት ዘጋጠመ ሞትን ጸረ-ሴማውነትን ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስርሓት ተካይድ።
"Death Mills"፡ ኣርእስቲ ናይቲ ንክፍሊ ውግእ ኣመሪካ ዘርኢ ፊልም ኰይኑ፡ ድሕሪ ኲናት ጀርመናውያን ክርእዩዎ ተገይሩ።
ካብ 1933 ክሳብ 1945፡ ብናዚን መሻርኽቱን ዝመሓደሩ ኣስታት 300 መዳጐኒ መዓስከራት ሓራ ኣብ ዝወጽእሉ እዋን ዝነበረ ኵነታት ድማ የዘንቱ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣዕጽምቲ ዕርቃኖም ዝወጽኡ ሰባት፡ ጸጕሪ ርእሶም ዝተላጽዩ ኣዒንቶም ዝጐድጐደን፡ ሰባት'ዮም ካብተን መዳጐኒ ማእከላት ወጺኦም።
ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ኵምራ ሬሳታት ተዘርጊሑ'ውን ነይሩ፤ ብጥምየት ዝማህመኑ ገጻት'ውን ተራእዮም።
'ሰብነተይ ነቲ ኣእምሮይ ዝረሰዖ ይዝክር'
ናዚ፡ ንባርያዊ ስራሕን ጃምላዊ ምጽናትን፡ "ጸላእቲ ራይክ" ወይ ብቐሊሉ "ኡንተርመንሸን" (ትሕቲ ሰብ) ዝቝጸሩ ሰባት ዝበሎም መዳጐኒ ቦታትን ናይ ሞትን መዓስከራት ይጥቀም ነይሩ።
እዚኦም ካብ ፖላንድ፡ ሮማ፡ ምሩኻት ኲናት ሶቭየት፡ ስንኩላን፡ ካልኦት ግብረሰዶማውያን ተባሂሎም ዝተሰየሙን ዝርከቡዎም ኣውሮጳውያን ኣይሁድ ይርከብዎም።
ኣብቲ ብህልቂት ናዚ ዝጽዋዕ ጨፍጫፍ፡ ብድምር ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ተቐቲሎም።
"ጃምላዊ ቅትለት"፡ ዓለም ብዛዕባ ስፍሓት፡ ከምኡ'ውን ዘሕዝን ዕላማ፡ ጃምላዊ ቅትለት ናዚ ንምግንዛብ ዝተሰርዐ ሕጋዊ ቃል ምዃኑ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት፡ ጃምላዊ ቅትለት ንሓደ ህዝቢ ወይ ዓሌት ከምኡ'ውን ሃይማኖታዊ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ንምጥፋእ ዝዓለመ ተግባራት የመልክት።
ኦሽዊትዝ፡ ዝያዳ መዓስከር ናዚ ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ።
ኣብቲ መዓስከር ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ተግባራት ብሓፈሻ፡ ምልክት ህልቂት ናዚ ኰይኖም መጺኦም ኣለው።
ኣብኡ 1.1 ሚልዮን ሰባት እዮም ተቐቲሎም።
ካብዚኦም፡ እቶም ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ እዮም።
መብዛሕትኦም ብጃምላ ብጋዝ ተመሪዞም፤ ኣስክሬኖም ድማ ኣብ ዓበይቲ መቃጸሊ ሬሳታት ተቓጺሉ።
ሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣብ ግራውቶም ንኽጥቀሙሉ ዝወሃብ ሓሙኽሽቲ ክኸውን ክኣ ተገይሩ።
ኢቫ ነቶም ተመሃሮ፡ "ኣብ ኦሽዊትዝ ዝካየድ ዝነበረ ብዙሕ ነገር ክግንዘብ ኣዝየ ንእሽቶ እየ ነይረ። ኣእምሮይ ዝረሰዖ ግን ኣካላተይ ይዝክሮ፡" ኢላቶም።
ኢቫ ኣብ ምናታ፡ ብሰማያዊ ቀለም ዝተወቀጠ ቍጽሪ A-26959 ከም ዘለዋ ትገልጽ።
ብኣስገዳድ ውቃጦ፡ ኣካል "መስርሕ" ናይቲ ነፍሲ ወከፍ ናብ ኦሽቪትዝ ዝውሰድ ዝነበረ እሱር ኰይኑ፡ እዚ ዕድል ዝረክብ ብኡንብኡ ብጋዝ ዘይተቐትለ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ብግዴታ ዕዮ ወይ ሕክምናዊ ፈተነ ዝተመርጸ እዩ።
"ስለ ምንታይ ንጓል ክልተ ዓመት ህጻን ውቃጦ ክገብሩላ ወሲኖም?" ኢቫ ትሓትት።
በሰላታት ሕሉፍ፡ ካብ ኣደኣ እያ ወሪሳቶ። ብዛዕባ ሕልፈት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤታን ድሕሪ ኲናት ንእሽቶ ጓል ኰይና ዝተሰምዓ ጽምዋ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ትኣቱ።
ኣብቲ ከባቢ፡ ብፖሊስ ዝሕሎ ማእከል ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሙኒክ ኣሎ።
ግዝያዊት ፕረዚደንት ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሻርሎት ክኖብሎክ፡ ብዛዕባ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘመናዊ ጸረ-ሴማውነት ከም እትሻቐል ትገልጽ።
ኣብ መጀመርታ 1930ታት ዝተወልደት ኖብሎክ፡ ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ጃምላዊ ዓመጽ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣብ ክሪስታልናክት፡ ብሕዳር 1938 ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኢድ ኣቦኣ ሒዛ መስኰት ድኳናት ኣይሁድ ክስበርን ምኩራባት ብሃልሃልታ ክነድድን ትዕዘብን ከም ዝነበረት ትዝክር።
ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ጀርመናውያን ድማ ይዕልሉ ወይ'ውን ስቕ ኢሎም ይዕዘቡ ከም ዝነበሩ ትዛረብ።
ድሕሪ እቲ ኲናት፡ ጸረ-ሴማውነት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይጠፍአ እያ ትገልጽ።
እንተዀነ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለውዎ ዘተሓሳስብ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን ትብል።
ሕጂ፡ኣባላት ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብ ጀርመንን ካልእ ቦታታትን ክሰግኡ ከም ዝጀመሩን "ኣይሁድ" ብዝብል ሽም ንከይጽውዑ ብምስጋእ ጋዜጣ ኣይሁድ ናብ ገዛኦም ከይበጽሖም ይገብሩ ከም ዘለውን ይገልጹ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብኮሚዩኒቲ ሰኲሪቲ ትራስትን ትካል መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳን ዝተገብረ መጽናዕቲ ተመሳሳሊ ታሪኽ ይነግር።
ኣብ መላእ 13 ሃገራት ኣውሮጳ ቃለ-መሕትት ካብ ዝተገብረሎም ኣይሁድ፡ 96 ሚእታዊት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ጸረ-ሴማውነት ከም ዘጋጠሞም ይሕብሩ።
ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከቡ ማሕበረሰሰብ ኣይሁድ'ውን ጸረ-ሴማውነት ርኡይ ምዕባለ ከምጽእ ከም ዘስተብሃሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ካናዳ ድማ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ሓደ ምኩራብ ብቦምባ ከም ዝተሃርመን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣይሁድ ተዅሲ ከም ዝተፈጸመን ይሕብር።
ኣብ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ መቓብር ኣይሁድ ክራኸስ ተገይሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን፡ ዓለማዊ ጸረ-ሴማውነት ስክፍታ ፖሊሲ ወጻኢ እዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ኦንላይን ዝፍጸም ጸረ-ሴማውነት፡ ጽልኢ እስልምናን ካልኦት ኣድልዎታትን ንምክትታልን ንምቅላስን ዝተሸመት ፍልይቲ ልእኽቲ ባይደን ዝነበረት ምህርቲ ዲቦራ ሊፕስታድ፡ እዞም ጕዳያት ብከም ሩስያ፡ ኢራንን ቻይናን ዝበላ ናይ ደገ ተዋሳእቲ ኣብ ሕብረተሰብ ምፍልላይ ንምዝራእን ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕላማን መልእኽትን ንምስጓም ተበሊጾምሎም እዮም ኢላ።
ብተወሳኺ፡ ድሕሪ'ቲ እስራኤል ኣብ ቓ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ዓለምለኻዊ ወሰኽ ጸረ-ሴማውነት ከም ዝተራእየ ትዛረብ።
'እዚ ዓመት ዝተፈለየ ክኸውን'ዩ ኢለ እሓስብ'
ፕሮፌሰር ሊፕስታድ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲታት እስራኤል ዘስዕቡዎ ነቐፌታታት መብዛሕትኡ ግዜ ህዝቢ ኣይሁድ ክስከሞ ከም ዝስትውዓል ትዛረብ።
ኵሎም ኣይሁድ ብውሳነታት መንግስቲ እስራኤል ተሓተትቲ ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም ትብል።
እዚ ዓሌታውነት'ዩ።
ኣብ ጀርመን ብዛዕባ ዝፍጸሙ ጸረ-ሴማዊ ፍጻመታት ሓበሬታ ዝእክብ ኣማደው ኣንቶንዮ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ላንገናው ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያንን ኣዳራሽ ከተማን ቀይሕ ፊደላት ዝተለኽየሉ ፍጻመ ሰኒዱ።
እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣድማ ክግበርን ኣይሁዳውያን ብጋዝ ክነዱን ይጽውዕ።
ኦሽዊትዝን ጨፍጫፍ ናዚን ብመርዛም ጋዝ ኣይጀመሩን።
ሱሮም ካብቲ ኣብ ኣውሮጳ ንዘመናት ንኣይሁድ ዘጓኒ ዝነበረ ኣረኣእያታት እዩ ዝምንጩ ነይሩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዋዕላ ኣውሮጳውያን ራባያት ጋዲ ግሮኒች፡ ሕጂ ንውሑዳት ዒላማ ምግባር መሊሱ ቀንዲ መሳርሒ ኰይኑ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።
ሕብረተሰብ ኣስላም ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ጾር ይስከሞ ከም ዘሎን፡ በቲ ዝረኣዮ ደረጃታት ጸረ-ሴማውነት ከም ዝሰንበደን'ውን ይገልጽ።
ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ 80 ዓመት፡ ገለ ሰባት ካብ ሕሉፍ ክመሃሩ ከም ዝመርጹ ሓቢሩ።
እቲ ሕሉፍ ዝበሃል ግን ሕጂ'ውን ኣይደቀሰን ዘሎ።
ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ፖላንድ እትርከብ ከተማ ግዳንስክ፡ ብበረድ ኣብ ዝተሸፈነ ኣቝጽልቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተደርበየ ተረፍ መረፍ ጫማታት ትረክብ፣ እዚ ኸኣ ናይ ግዳያት ናዚ እዩ።
ኣዝዩ ደቀቕቲ፡ ብኸፊል ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐብረ ጫማታት'ውን ኣሎ።
እቶም ግዳያት፡ ሽዑ ዝተቐትሉ ወይ ዝሞቱ ንኣሽቱ ቈልዑ ክዀኑ ይኽእሉ።
ግሪጎር፡ "እዞም ጫማታት ዋና ነይሩዎም፤ ናትና'ውን ክዀኑ ይኽእሉ፡ ሓቀይ'ዶ? ጫማኻ፡ ወይ ጫማይ፡ ወይ ጫማ ሰበይተይ፡ ወይ ጫማ ወደይ። እዞም ጫማታት ዝሓቱዎ ትዅረት፡ ሕሉፍ ንምዕቃብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንነብስና (ከም ደቂ ሰባት) ብሞራላዊ መገዲ ክንቅይራ ክንክእል'ዩ። ነገራት ኣብ 2025 ካብቲ ዘለውዎ ዝተፈለዩ ክዀኑ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ፡" ኢሉ።